bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Joshua 7
Joshua 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ደቂ እስራኤል ግና በቲ ዝተሓረመ ነገር በደሉ። ኣካን፥ ወዲ ከርሚ፥ ወዲ ዘንበሪ፥ ወዲ ዛራ፥ ካብ ነገድ ይሁዳ፥ ካብቲ ዝተሓረመ ነገር ወሰደ እሞ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ነደደ።
2
ኢያሱ ድማ ኻብ ኢያሪኮ ብምብራቕ ቤቴል ኣብ ጥቓ ቤት ኣዌን ናብ ዘላ ጋይ እትበሃል ከተማ ሰባት ሰደደ፤ “ደይብኩም ነታ ሃገር ሰልይዋ” ድማ በሎም። እቶም ሰባት ከዓ ደዪቦም ንጋይ ሰለይዋ።
3
ናብ ኢያሱ ተመሊሶም ድማ “ኵሉ ህዝቢ ናብ ጋይ ክድይብ ኣየድልን እዩ፤ ክልተ ወይ ሰለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ሰባት ስደድ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ ውሑዳት እዮም እሞ፥ ንዅሉ ህዝቢ ኣይተድክሞ” በልዎ።
4
ሰለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ሰባት ናብ ጋይ ደየቡ። ካብ ቅድሚ ሰብ ጋይ ከዓ ሃደሙ።
5
ናይ ጋይ ሰባት ካብኣቶም ኣስታት ሰላሳን ሽዱሽተን ሰባት ቀተሉ፤ ካብ ደገ እታ ኸተማ ኽሳዕ ሸባሪምውን ኣሳጐጕዎም። ኣብቲ ቝልቍለት ድማ ወቕዕዎም። ልቢ እቶም ህዝቢ መኸኸ፤ ከም ማይውን ኮነ።
6
ኢያሱውን ክዳኑ ቐደደ፤ ንሱን ዓበይቲ እስራኤልን ድማ፥ ኣብ ኣራእሶም ሓመድ ነስኒሶም፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፍኡ፤ ክሳዕ ምሸትውን ፀንሑ።
7
ኢያሱ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ስለ ምንታይ ንፈለግ ዮርዳኖስ ኣሳገርካና? ስለ ምንታይከ ምእንቲ ኸጥፍኡና ናብ ኢድ ኣሞራውያን ኣሕሊፍካ ሃብካና? ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ተቐሚጥና እንተ ንኸውንዶ ኣይምሐሸን?
8
ኦ ጐይታ! ህዝቢ እስራኤል ዝባኖም ናብ ገፅ ፀላእቶም መሊሶም ካብ ሃደሙስ እንታይ ክብል እየ?
9
ከነዓናውያንን ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅሎምን ነዙይ ሰሚዖም ክኸቡና እዮም፤ ስምና ድማ ኻብ ምድሪ ኸጥፍኡ እዮም። ነቲ ዓብዪ ስምካ ደኣ እትገብሮ እንታይ እዩ?” በለ።
10
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ተስእ! ስለ ምንታይ ከምዙይ ብግምባርካ እትድፋእ?
11
ህዝቢ እስራኤል ሓጢኣት ገይሮም ኣለዉ። ነቲ ኣይትግበርዎ ኢለ ዝኣዘዝክዎም ብምጥሓስ፥ ኪዳነይ ኣፍሪሶም ኣለዉ። ካብቲ ዝተሓረመ ነገር ወሰዱ፤ ሰረቑ፤ ሓሰዉ፤ ምስ ኣቑሑቶምውን ኣንበርዎ።
12
ስለዙይ ደቂ እስራኤል በዲሎም እዮም እሞ፥ ዝባኖም ናብ ገፅ ፀላእቶም ይመልሱ እምበር፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ክቖሙ ኣይኽእሉን እዮም። ነቲ ዝተሓረመ ካብ ማእኸልኩም እንተ ዘየጥፊእኹምዎ፥ ኣነ ድሕሪ ደጊም ምሳኻትኩም ኣይኸውንን እየ።
13
“ተስእ እሞ ነቶም ህዝቢ ቐድሶም፤ ከምዙይውን በሎም፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ ዝተሓረመ ኣብ ማእኸልኩም ኣሎ፤ ነቲ ዝተሓረመ ኻብ ማእኸልኩም ክሳዕ እተርሕቕዎ፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ክትቆሙ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
14
“ክሳዕ ፅባሕ ተቐደሱ፤ ፅባሕ በብነገድኩም ቅረቡ። እቲ እግዚኣብሄር ብዕፃ ዝፈለዮ ነገድ ድማ በብዓሌቱ ይቕረብ። እቲ እግዚኣብሄር ዝፈለዮ ዓሌት ድማ፥ በብማይ ቤቱ ይቕረብ። እቲ እግዚኣብሄር ዝፈለዮ ማይ ቤት ከዓ በብውልቀ ሰብ ይቕረብ።
15
እቲ ዝተሓረመ ዝተረኽቦ ሰብ ድማ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣፍሪሱ፥ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረ፥ ንሱን ዘለዎ ዅሉን ብሓዊ ይቃፀሉ” በሎም።
16
ኢያሱ ኸዓ ኣንጊሁ ተስአ፤ ንህዝቢ እስራኤል ድማ በብነገዶም ኣቕረቦም፤ ነገድ ይሁዳውን ተፈለየ።
17
ንዓሌታት ይሁዳ ኸዓ ኣቕረቦም፤ ነገድ ዛራ ተፈለየ። ንዓሌት ዛራ ኣቕረቦም፤ ነገድ ዘንበሪ ተፈለየ።
18
ንማይ ቤት ዘንበሪ ኣቕረቦም፤ ካብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ ኣካን፥ ወዲ ካርሚ፥ ወዲ ዘንበሪ፥ ወዲ ዛራ ተፈለየ።
19
ኢያሱ ድማ ንኣካን “ወደይ በይዛኻ፥ ሓቂ ኽትዛረብ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣማሕፅነካ ኣለኹ፤ ተናዘዝ፥ እንታይ ከም ዝገበርካ እንተይሓባእኻ ንገረኒ” በሎ።
20
ኣካን ድማ ንኢያሱ መሊሱ “ሓቂ እዩ፥ ኣነ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል በዲለ እየ፤ ከምዙይን ኸምዙይንውን ገበርኩ።
21
ካብቲ ዝተዘምተ ሓደ ፅቡቕ ካባ ሰናዖርን ክልተ ኺሎ ግራም ብሩርን ፍርቂ ኺሎ ግራም ዝምዘን ወርቅን ምስ ረአኹ፥ በሃግክዎ እሞ ወሰድክዎ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ውሽጢ ማእኸል ድንኳነይ ኣብ ዘሎ ምድሪ ቤት፥ እቲ ብሩር ድማ ብትሕቲኡ ተሓቢኡ ኣሎ” በሎ።
22
ሽዑ ኢያሱ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶም ድማ ናብቲ ድንኳን ጐየዩ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብቲ ድንኳኑ ተሓቢኡ፥ እቲ ብሩርውን ብትሕቲኡ ነበረ።
23
ካብ ማእኸል እቲ ድንኳን ወሲዶም፥ ናብ ኢያሱን ናብ ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣምፂኦም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበርዎ።
24
ሽዑ ኢያሱን ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ኮይኖም ንኣካን ወዲ ዛራን ነቲ ብሩርን ባርኖስን ወርቅን፥ ነወዳቱን ነጓላቱን ከፍቱን ኣእዱጉን ኣባጊዑን ድንኳኑን ዘለዎ ዅሉን ናብ ለሰ ዓኾር ወሰድዎም።
25
ኢያሱ ድማ ንኣካን “ስለ ምንታይ መከራ ኣምፃእኻልና? እግዚኣብሄር በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽፉእ ክገብረካ እዩ” በሎ። ኵሎም እስራኤል ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎም፤ ብእምኒ ቐጥቂጦም ምስ ቀተልዎም ከዓ ብሓዊ ኣቃፀልዎም።
26
ኣብ ልዕሊኣቶም ድማ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ዓብዪ ጨቝሊ እምኒ ጨቈሉ። ስለዙይ ከዓ ስም እታ ቦታ ኽሳዕ ሎሚ ለሰ ዓኾር ትብሃል ኣላ። እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ረስኒ ቝጥዓኡ ተመለሰ።
← Chapter 6
Chapter 8 →