bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Joshua 6
Joshua 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢያሪኮ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ዝተልዓለ ፈፂማ ተዓፅያ ነበረት። ካብኣ ዝወፅእ ኾነ ናብኣ ዝኣቱ ኣይነበረን።
2
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ረአ! ንኢያሪኮን ንንጉሳን ነቶም ሓያላት ጀጋኑኣን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ።
3
ኵሎም ተዋጋእትኹም፥ ነታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ይዙርዋ፤ ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ ኸምኡ ግበሩ።
4
ሸውዓተ ኻህናት ከዓ ቕድሚ ታቦት ኮይኖም ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ይሓዙ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሻዕ ዙርዋ፤ እቶም ካህናት ድማ መለኸት ይንፍሑ።
5
ቀርኒ መለኸት ብዘይ ምቍራፅ ኣንዊሖም ምስ ነፍሑ፥ እቲ ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም፥ ኵሉ ህዝቢ ዓው ኢሉ ድምፂ የስምዕ። ቅፅሪ እታ ኸተማ ኸዓ ኽወድቕ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ በበቲ ዘለዎ ኽኣቱ እዩ” በሎ።
6
ሽዑ ኢያሱ ወዲ ነዌ ነቶም ካህናት ፀዊዑ፦ “ታቦት ቃል ኪዳን ፁሩ፤ ሸውዓተ ኻህናት ከዓ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ይሓዙ” በሎም።
7
ነቶም ህዝቢ ድማ “ሕለፉ እሞ ነታ ኸተማ ዙርዋ፤ ኵሉ ኸዓ ብሰልፊ ቐቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ይሕለፍ” በሎም።
8
ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ተዛረቦም፥ እቶም ሸውዓተ ኻህናት ድማ ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ሒዞም ነቲ መለኸት እናነፍሑ ቐቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ሓለፉ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ከዓ ደድሕሪኣቶም ይኽተል ነበረ።
9
እቶም ኣፅዋር ዝሓዙ ድማ ብሰልፊ ቐቅድሚ እቶም መለኸት ዝነፍሑ ካህናት ይኸዱ ነበሩ። እቶም ካህናትውን መለኸት እናነፍሑ ክኸዱ እንተለዉ፥ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ድማ ደድሕሪ ታቦት ይስዕቡ ነበሩ።
10
ኢያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ “ጫውጫው ኣይትበሉ፤ ድምፂ ኣስምዑ ኽሳዕ ዝብለኩም መዓልቲ ሓደ ቓል እኳ ኻብ ኣፍኩም ኣይውፃእ” በሎም።
11
ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ኣዞሮ፤ ንሳቶም ከዓ ናብቲ ሰፈር ተመሊሶም ኣብኡ ሓደሩ።
12
ንፅባሒቱ ኢያሱ ኣንጊሁ ተስአ፤ እቶም ካህናት ከዓ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ፆርዎ።
13
እቶም ሸውዓተ ኻህናትውን ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ሒዞም፥ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር እናኸዱ፥ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ተሰለፍቲ ዝኾኑ ኸዓ ቐቅድሚኣቶም ከዱ፤ እቶም ካህናት መለኸት እናነፍሑ ክኸዱ እንተለዉ ድማ እቶም ዝተረፉ ተሰለፍቲ ደድሕሪ ታቦት እግዚኣብሄር ይስዕቡ ነበሩ።
14
በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ዘይሮም፥ ናብ ሰፈር ተመለሱ። ሽዱሽተ መዓልቲ ኸምኡ ገበሩ።
15
በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ተሲኦም፥ ነታ ኸተማ ኸምኡ ገይሮም፥ ሸውዓተ ሻዕ ዞርዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራሕ እዮም ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሻዕ ዝዞርዋ።
16
በቲ ሻውዓይ ጊዜ፥ እቶም ካህናት ቀርኒ መለኸት ምስ ነፍሑ፥ ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ እዚኣ ሂቡኩም እዩ እሞ ዓው ኢልኩም ድምፂ ኣስምዑ።
17
እዛ ኸተማን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ሕሩም ይኹን። እታ ኣመንዝራ ረኣብ ጥራሕ ነቶም ዝሰደድናዮም ሰለልቲ ስለ ዝሓብአቶም፥ ንሳን ኣብ ገዛኣ ዘለዉ ዅሎምን ብህይወት ይንበሩ።
18
ካብቲ ዝተሓረመ ኸይትወስዱ እሞ ንሰፈር እስራኤል ከይተርግምዎ፥ መከራውን ከይተምፅኡሉ ተጠንቀቑ።
19
ኵሉ ብሩርን ወርቅን ኣቕሓ ነሃስን ሓፂንን ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኹን፤ ናብ መዝገብ እግዚኣብሄር ድማ ይእቶ።”
20
መለኸት ምስ ተነፍሐ እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። እቶም ህዝቢ ድምፂ መለኸት ምስ ሰምዑ፥ ዓው ኢሎምውን ድምፂ ምስ ኣስምዑ፥ እቲ መንደቕ ፈረሰ። ነፍሲ ወከፍ በብዘለዎ ደዪቡ ናብታ ኸተማ ሰተት ኢሉ ኣተወ፤ ነታ ኸተማ ድማ ሓዝዋ።
21
ኣብታ ኸተማ ንዝነበረ ዅሉ ኸዓ ኣጥፍእዎ። ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፥ ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ኣረጊት፥ ክሳዕ ብዕራይን በጊዕን ኣድግን ብስሕለት ሰይፊ ኣጥፍእዎ።
22
ኢያሱ ድማ ነቶም ነታ ሃገር ዝሰለሉ ኽልተ ሰባት፥ “ናብ ገዛ እታ ኣመንዝራ ሰበይቲ እተዉ እሞ፥ ከምቲ ዝመሓልኩምላ፥ ነታ ሰበይትን ነቶም ምስኣ ዘለዉ ሰባን ካብኡ ኣውፅእዎም” በሎም።
23
እቶም ዝሰለሉ ኣጕባዝ ኣትዮም ንረኣብን ነቦኣን ንኖኣን ነሕዋታን ንዘለዋ ዅሉን ኣውፅኡ፤ ንዅሎም ዓሌታታውን ኣውፅኡ። ኣብ ወፃኢ ሰፈር እስራኤላውያን ድማ ኣቐመጥዎም።
24
ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን ብሓዊ ኣቃፀሉ። ብሩርን ወርቅን ኣቑሑ ነሃስን ሓፂንን ግና ናብ መዝገብ እግዚኣብሄር ኣእተዉ።
25
እታ ኣመንዝራ ረኣብ፥ ነቶም ንኢያሪኮ ኽስልሉ ኢያሱ ዝሰደዶም ልኡኻት ስለ ዝሓብአቶም፥ ኢያሱ ንኣኣን ንቤት ኣቦኣን ንዅሉ ዘለዋን ብህይወት ሓደጎም። ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብ ማእኸል እስራኤላውያን ትነብር ኣላ።
26
በታ ጊዜ እቲኣ ኢያሱ “ንኸተማ ኢያሪኮ ኽሰርሓ ኢሉ ዝለዓል ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉም ይኹን። ንኣኣ እንትስርት በዅሪ ወዱ፥ ደገታታ እንተቕውም ከዓ እቲ ንእሽተይ ወዱ ይጥፋእ” ኢሉ መሓለ።
27
እግዚኣብሄር ምስ ኢያሱ ነበረ እሞ፥ ዝናኡ ናብ ኵላ እታ ሃገር በፅሐ።
← Chapter 5
Chapter 7 →