bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Joshua 5
Joshua 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ኣሞራውያንን፥ እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዝነበሩ ነገስታት ከነዓናውያንን፥ ደቂ እስራኤል ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገርዎ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ማይ ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዘንቀፆ ምስ ሰምዑ፥ ብፍርሓት ልቦም መኸኸ፤ ብድሕሪዙይ ካብ ደቂ እስራኤል ዝተልዓለ ነፍሲ ኣይተረፈሎምን።
2
በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንኢያሱ “በሊሕ ፅንፅልሒት ጌርካ፥ ንደቂ እስራኤል ንኻልኣይ ጊዜ ግረዞም” በሎ።
3
ኢያሱ ድማ በሊሕ ፅንፅልሒት ኣንፂሉ፥ ንደቂ እስራኤል ኰረብታ ግርዘት ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ገረዞም።
4
ምኽንያቱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ህዝቢ፥ ኵሎም ተባዕትዮ ዝኾኑ ተዋጋእቲ ኻብ ግብፂ ምስ ወፁ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ መንገዲ ሞቱ።
5
እቶም ዝወፁ ህዝቢ ኵሎም ግሩዛት እዮም ነይሮም፤ እቶም ካብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ መንገዲ ዝተወለዱ ዅሎም ህዝቢ ግና ኣይተገረዙን ነበሩ።
6
ደቂ እስራኤል፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰምዕዎ፥ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ተዋጋእቲ ሰብኡት ብሞት ክሳዕ ዝሃልቁ፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ተጕዓዙ። እግዚኣብሄር ድማ እታ ነቦታቶም ዝመሓለሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ከየርእዮም መሓለ።
7
ነቶም ክንዳኣቶም ዘተስኦም ደቆም ከዓ፥ ኣብ መንገዲ ስለ ዘይተገረዙ፥ ዘይግሩዛት ኮይኖም ነበሩ እሞ፥ ኢያሱ ገረዞም።
8
ኵሎም ህዝቢ ምስ ተገረዙ ኸዓ ኽሳዕ ዝሓውዩ ኣብ ሰፈሮም ተቐመጡ።
9
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “ሎሚ ነቲ ናይ ግብፂ ነውሪ ኻባኻትኩም ኣወገድክዎ” በሎ። ስም እታ ቦታ እቲኣ ኸዓ ኽሳዕ ሎሚ ጌልገላ ይበሃል ኣሎ።
10
ደቂ እስራኤል ኣብ ጌልገላ ሰፊሮም እንተለዉ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ወርሒ ኣጋ ምሸት ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ፋሲካ ገበሩ።
11
ፅባሕ እታ ፋሲካ ድማ፥ ካብ ፍረ እኽሊ እታ ምድሪ፥ ቅጫን ቆሎን በልዑ።
12
እኽሊ እታ ምድሪ ምስ በልዑ፥ ንፅባሒቱ እቲ መና ኣቋረፀ፤ ደቂ እስራኤል በታ ዓመት እቲኣ ኻብ እቶት ምድሪ ከነዓን በልዑ እምበር፥ ድሕሪኡስ እቲ መና ኣይወረደሎምን።
13
ኢያሱ ኣብ ጥቓ ኢያሪኮ እንተሎ ዓይኑ ኣልዒሉ ጠመተ፤ ዝተመዘዘ ሰይፊ ብኢዱ ዝሓዘ ሰብኣይ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ነበረ። ኢያሱ ኸዓ ናብኡ ኸይዱ፥ “ንስኻ ኻባና ዲኻ ወይ ካብ ፀላእትና?” በሎ።
14
ንሱ ድማ “ኣይፋለይን፥ ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኮይነ ሕዚ መፂአ ኣለኹ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ብገፁ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደሞ፥ “ጐይታይ! ንኣይ ንባርያኻ እትብሎ እንታይ ኣሎ?” በሎ።
15
እቲ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቕድስቲ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ኸምኡ ገበረ።
← Chapter 4
Chapter 6 →