bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Joshua 23
Joshua 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ነዊሕ ዘመን ምስ ሓለፈ፥ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብቶም ኣብ ዙርያኣቶም ዝነብሩ ዅሎም ፀላእቶም ምስ ኣዕረፎም፥ ኢያሱውን ኣሪጉ ነዊሕ ዕድመ ምስ ገበረ፥
2
ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል፥ ንዓበይቶምን ነሕሉቖምን ንፈራዶኦምን ንሹመኛታቶምን ፀዊዑ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ ኣሪገ እየ፤ ብዕድመውን ሸምጊለ እየ፤
3
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኻትኩም ተዋጊኡልኩም እዩ፤ ኣብዞም ኵሎም ኣህዛብ እዚኣቶም ከዓ ምእንታኻትኩም ዝገበሮ ባዕልኻትኩም ርኢኹም ኣለኹም።
4
ረአዩ! ንምድሪ እዞም ተሪፎም ዘለዉ ኣህዛብ እዚኣቶምን ንምድሪ እዞም ዘጥፋእኽዎም ኵሎም ኣህዛብን ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ብወገን ምዕራብ ፀሓይ፥ ንነገዳትኩም ርስቲ ብዕፃ ኸፈልኩልኩም።
5
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኻብ ቅድሜኹም ክሰጎም፥ ካብ ቅድሜኹም ከዓ ኸርሕቖም እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተዛረበኩም ድማ፥ ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም።
6
“ነቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ ዝተፅሓፈ ኽትሕልውዎን ክትገብርዎን፥ ካብኡ ኸዓ ንየማን ኮነ ንፀጋም ከይትብሉ፥ ፅንዑ።
7
ምስዞም ዝተረፉ እሞ ምሳኻትኩም ዘለዉ ኣህዛብ እዚኣቶም ኣይትተሓወሱ፤ ስም ኣማልኽቶም ኣይትፀውዑ፤ ብኣማልኽቶም ኣይትምሓሉ፤ ንኣማልኽቶም ኣይተምልኽዎም፤ ኣይትስገዱሎምውን።
8
ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝገበርኩምዎ ደኣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅንዑ።
9
“እግዚኣብሄር ነቶም ዓበይትን ሓያላትን ዝኾኑ ኣህዛብ ካብ ቅድሜኹም ስለ ዝሰጐጎም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ዝበለ የለን።
10
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ዝተዛረበኩም፥ ንሱ እዩ ዝዋግአልኩም እሞ፥ ካባኻትኩም ሓደ ሰብ ንሽሕ ክሰጎም እዩ።
11
ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክተፍቅርዎ ንባዕልኻትኩም ሓልዉ።
12
“እንተ ኸሓድኩም እሞ ምስ እዞም ምሳኻትኩም ዝተረፉ ኣህዛብ እንተ ተሓወስኩም፥ ምስኣቶም ድማ እንተ ተዋሰብኩም፥ ከምኡውን ብመውስቦ ምስኣቶም እንተ ተሓዋወስኩም፥
13
ካብዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትፈልሱ፥ ንኣኻትኩም መሐንኰልን መፃወድያን፥ ንእንግዳዕኹም መግረፊ፥ ነዒንትኹም ከዓ እሾዅ ክኾኑኹም እዮም እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ደጊም ካብ ቅድሜኹም ከም ዘየውፅኦም፥ ብርግፅ ፍለጡ።
14
“እንሆ ኸዓ፥ ኣነ ሎሚ መንገዲ ኵላ ምድሪ ኣኸይድ ኣለኹ እሞ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኻትኩም ዝተዛረቦ ዅሉ ሰናይ ነገር፥ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘየጕደለ፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ ተፈፀመ እምበር፥ ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ እንተይተፈፀመ ዝተረፈ የለን።
15
ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቲ ዝተናገሮ ዅሉ ፅቡቕ ነገር ከም ዝፍፀም ዝገበረ፥ ከምኡ ድማ ኻብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ ዘፍልሰኩም፥ ነቲ ዅሉ ዘጠንቀቐኩም ክፉእ ነገር ከም ዝፍፀም ክገብር እዩ።
16
ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣተወልኩም ቃል ኪዳን እንተ ጠለምኩም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽተገልግሉን ክትሰግዱሎምን ድማ እንተ ኸድኩም፥ ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ክነድድ እዩ፤ ካብታ ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ድማ ቐልጢፉ ኸፍልሰኩም እዩ።”
← Chapter 22
Chapter 24 →