bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Joshua 24
Joshua 24
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢያሱ ድማ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣብ ሴኬም ኣከቦም። ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ነሕሉቖምን ንፈራዶኦምን ንሹመኛታቶምን ፀውዖም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በሉ።
2
ነቶም ህዝቢ ብምሉኦም ድማ ኸምዙይ በሎም፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ቀዳሞት ኣቦታትኩም፥ ኣቦ ኣብርሃምን ናኮርን ዝኾነ ታራ እንተይተረፈ፥ ኣብ ማዕዶ ሩባ ኤፍራጥስ ይቕመጡ ነበሩ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ የገልግሉ ነበሩ።
3
ነቦኹም ኣብርሃም ከዓ ኻብ ማዕዶ ሩባ ኤፍራጥስ ወሲደ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ ከነዓን መራሕኽዎ፤ ዘርኡውን ኣብዛሕኹ፤ ንይስሓቅ ከዓ ሃብኩዎ።
4
ንይስሓቅ ድማ ያእቆብን ኤሳውን ሃብኩዎ። ንኤሳው ከዓ ዀረብታታት ኤዶምያስ ክወርስ ሃብኩዎ። ያእቆብን ደቁን ድማ ናብ ግብፂ ወረዱ።
5
ንሙሴን ንኣሮንን ልኢኸ ኸዓ ንግብፂ፥ በቲ ኣብ ማእኸላ ዝገበርኩዎ ገይረ ቐፃዕኽዋ፤ ብድሕሪኡ ድማ ኣውፃእኹኹም።
6
ነቦታትኩም ካብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኽዎም፥ ግብፃውያን ብሰረገላታትን በፍራስን ክሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ሰዓብዎም። ናብ ባሕሪ ኤርትራ ምስ በፅሑ፥
7
ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ ኣብ መንጎኣቶምን ኣብ መንጎ ግብፃውያንን ድማ ፀልማት ገበርኩ፤ ነቲ ባሕሪ ኸዓ ናብ ልዕሊኣቶም ሰዲደ ደፈንክዎም። እቲ ንግብፃውያን ዝገበርኩዎ በዒንትኹም ርኢኹምዎ ኢኹም። ኣብ ምድረ በዳ ድማ ነዊሕ ዘመን ነበርኩም።
8
ናብ ምድሪ እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኣሞራውያን ኣእተኹኹም፤ ንሳቶም ድማ ተዋግኡኹም፤ ኣነ ኸዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም፤ ምድሮም ድማ ወረስኩም፤ ካብ ቅድሜኹምውን ኣጥፋእኽዎም።
9
ሽዑ ድማ ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ንጉስ ሞኣብ፥ ተሲኡ ንእስራኤል ተዋግኦም፤ ንበለዓም ወዲ ቢዖር ድማ፥ ምእንቲ ኽረግመኩም ልኢኹ ፀውዖ።
10
ኣነ ግና ንበለዓም ክሰምዖ ኣይደለኹን፤ ስለዙይ ንሱስ ደጋጊሙ ደኣ ባረኸኩም፤ ካብ ኢድ ባላቅውን ኣድሓንኩኹም።
11
ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ድማ ናብ ኢያሪኮ መፃእኹም እሞ፥ ሰብ ኢያሪኮን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ድማ ተዋግኡኹም፤ ኣነ ኸዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም።
12
ነቶም ክልተ ነገስታት ኣሞራውያን ዘሳጉግ ዕኮት ቀቅድሜኹም ሰደድኩ እምበር፥ ብሰይፍኹምን ብቐስትኹምን ኣይሰጐጕኩምዎምን።
13
ዘይፀዓርኩምላ ምድርን ዘይነደቕኩምወን ከተማታትን ሃብኩኹም፤ ኣብኣተን ከዓ ትነብሩ ኣለኹም፤ ካብ ዘይተኸልኩምዎ ወይንታትን ኣዋልዕን ድማ በላዕኹም።
14
“ሕዚ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ፤ ብፍፁምነትን ብቕኑዕ ልብውን ኣምልኽዎ፤ ነቶም ኣብ ሰገር ሩባን ኣብ ግብፅን ኣቦታትኩም ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ኣወጊድኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምልኹ።
15
ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ክፉእ መሲሉ እንተ ተርአየኩም ግና ንመን ከም እተምልኹ፥ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ሰገር ሩባ ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ፥ ወይ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘለኹም ኣማልኽቲ ኣሞራውያን እንተ ኾይኑ፥ ሎሚ ምረፁ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ክነምልኽ ኢና።”
16
ሽዑ እቶም ህዝቢ “ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምምላኽ ካባና ይርሓቕ።
17
እቲ ንኣናን ነቦታትናን ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፅአና፥ ዓበይቲ ተኣምራት ከዓ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዝገበረ፥ ኣብ ኵሉ ዝኸድናዮ መንገድን ኣብቶም ብማእኸሎም ዝሓለፍና ዅሎም ኣህዛብንውን ዝሓለወና፥ ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩሞ።
18
ንዅሎም እዞም ኣህዛብ እዚኣቶምን ነቶም ኣብዛ ምድሪ ዝነበሩ ኣሞራውያንን ካብ ቅድሜና ዝሰጐጎም እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ እሞ፥ ንሕናውን ንእግዚኣብሄር ኢና እነምልኽ” ኢሎም መለሱ።
19
ኢያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ፦ “እግዚኣብሄር ቅዱስ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእግዚኣብሄር ክተምልኽዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ በደልኩምን ሓጢኣትኩምን ኣይምሕረኩምን እዩ።
20
ንእግዚኣብሄር ሓዲግኩም ንባዕዳን ኣማልኽቲ እንተ ኣምለኽኩም፥ ንሱ ቕድም እኳ ፅቡቕ እንተ ገበረልኩም፥ ተመሊሱ ኽቐፅዐኩምን ከጥፍአኩምን እዩ” በሎም።
21
እቶም ህዝቢ ድማ ንኢያሱ “ኣይኸውንን፥ ንእግዚኣብሄር ኢና እነምልኽ” በልዎ።
22
ኢያሱ ኸዓ ነቶም ህዝቢ፥ “ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ክተምልኽዎ ኸም ዝሓረኹም ባዕልኻትኩም መሰኻኽር ኢኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ፥ መሰኻኽር ኢና” በሉ።
23
“እምበኣር ሕዝስ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ባዕዳን ኣማልኽቲ ኣወግድዎም እሞ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣቢልኩም ኣቕንዑ።”
24
እቶም ህዝቢ ድማ ንኢያሱ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እነምልኽ፥ ንቓሉውን ክንእዘዝ ኢና” በልዎ።
25
ኢያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስቶም ህዝቢ ቓል ኪዳን ኣተወ፤ ሕግን ፍርድን ከዓ ኣብ ሴኬም ኣቖመሎም።
26
ኢያሱ ድማ ነዝ ዅሉ ነገር እዙይ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ፀሓፎ። ዓብዪ እምኒ ወሲዱ ኸዓ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረት ዳዕሮ ኣቖሞ።
27
ኢያሱ፥ ነቶም ኵሎም እቶም ህዝቢ “እንሆ፥ እዝ እምኒ እዙይ ነቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረበና ዅሉ ቓል ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ምስክር ክኸውን እዩ። ንስኻትኩም ከዓ ንኣምላኽኩም እንተ ኸሓድኩምዎ ንሱ ምስክር ክኸውን እዩ” በሎም።
28
ሽዑ ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ነናብ ርስቶም ሰደዶም።
29
ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ከዓ፥ ባርያ እግዚኣብሄር፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ።
30
ኣብ ወሰን ርስቱ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ኣብታ ኣብ ሰሜን ጎቦ ጋዓሽ ዘላ ኣብ ተምናሴራ ድማ ቐበርዎ።
31
ደቂ እስራኤል ከዓ፥ ብዅሉ ዘመን ኢያሱ ንእግዚኣብሄር የገልግሉ ነበሩ። ከምኡውን ብዅሉ ዘመን እቶም ብድሕሪ ኢያሱ ነዊሕ ዝፀንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ኵሉ ግብሪ ዝፈልጡ ዓበይቲ፥ ንእግዚኣብሄር የምልኽዎ ነበሩ።
32
እቲ ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዝተማልእዎ ኣዕፅምቲ ዮሴፍ ድማ ኣብታ ያእቆብ ካብ ደቂ ኤሞር ኣቦ ሴኬም ብሚእቲ ቅርሺ [ብሩር] ዝዓደጋ ግራት፥ ኣብ ሴኬም ቀበርዎ። ንደቂ ዮሴፍ ድማ ርስቲ ኾነቶም።
33
ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሞተ፥ ኣብታ ኣብ ዝባን ኤፍሬም ዘላ ንወዱ ፊንሃስ ዝተውሃበት ከተማ፥ ኣብ ገባዖን ከዓ ቐበርዎ።
← Chapter 23