bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Joshua 22
Joshua 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ ኢያሱ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ፀዊዑ፥
2
“ንስኻትኩም እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝኣዘዘኩም ኵሉ ሓሊኹም ኢኹም፤ እቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኹም እውን ጌርኩም ኢኹም።
3
ንስኻትኩም ካብ ነዊሕ ጊዜ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነሕዋትኩም ኣይሓደግኩምዎምን፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩምውን ፈፂምኩም ኢኹም።
4
ሕዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነሕዋትኩም ዝተዛረቦም ዕረፍቲ ሂብዎም እዩ እሞ፥ ተመሊስኩም ናብ ድንኳናትኩም ናብታ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ርስቲ ኺዱ።
5
ግና እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝኣዘዘኩም ትእዛዝን ሕግን ተጠንቂቕኩም ሓልዉ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍተውዎ፤ ብዅሉ መንገድታቱ ኺዱ፤ ትእዛዛቱ ድማ ፈፅሙ፤ ናብኡውን ቕረቡ፤ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ከዓ ኣምልኽዎ” በሎም።
6
ሽዑ ኢያሱ መሪቑ ኣፋነዎም፤ ንሳቶም ከዓ ናብ ዓዶም ተመለሱ።
7
ሙሴ ንፍርቂ ነገድ ምናሴ ኣብ ባሳን ርስቲ ሂብዎም ነበረ፤ ኢያሱ ነቲ ፍርቂ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ወገን ምዕራብ ኣብ መንጎ ኣሕዋቶም ሃቦም። ኢያሱ ናብ ዓዶም ክሰዶም እንተሎ መረቖም፤
8
“ምስ ብዙሕ ሃብቲ፥ ምስ ብዙሕ እንስሳ፥ ምስ ብሩርን ምስ ወርቅን ምስ ነሃስን ምስ ሓፂንን፥ ምስ ብዙሕ ኽዳውንትን ናብ ኣባይትኹም ተመለሱ፤ ነቲ ምርኮ ፀላእትኹም ከዓ ምስ ኣሕዋትኩም ተማቐልዎ” እውን በሎም።
9
ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ተመሊሶም፥ ናብ ምድሪ ገለዓድ፥ ናብታ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝወረስዋ ምድሪ ርስቶም ክኸዱ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ካብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሴሎ ተልዓሉ።
10
ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ናብቲ ኸባቢ ዮርዳኖስ ናይ ምድሪ ከነዓን ምስ መፁ፥ ኣብኡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፥ ዓብዪ መሰውኢ ሰርሑ።
11
እቶም ዝተረፉ ደቂ እስራኤል ከዓ “እንሆ፥ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንፅር ምድሪ ከነዓን፥ ኣብ ማዕዶ ደቂ እስራኤል መሰውኢ ሰሪሖም” እንትበሃል ሰምዑ።
12
ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ደዪቦም ምስኣቶም ንምውጋእ ኣብ ሴሎ ተኣከቡ።
13
ንፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ናብ ምድሪ ገለዓድ ለኣኽዎ።
14
ምስኡ ድማ ዓሰርተ ሹመኛታት ለኣኹ፤ ንሳቶም ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ዝተዋፅኡ፥ ኣሕሉቕ ናይ ነፍሲ ወከፍ ነገዳት ደቂ እስራኤል ነበሩ።
15
ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ናብታ ምድሪ ገለዓድ መፂኦም ድማ ኸምዙይ በልዎም፦
16
ኵሉ ማሕበር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ስለ ምንታይ ከምዙይ ጌርኩም ካብ እግዚኣብሄር ከዳዕኹም? ከመይ ጌርኩምከ ኻብ እግዚኣብሄር ረሓቕኩም? ሎሚ መሰውኢ ብምስራሕኹም ንኣምላኽ እስራኤል በደልኩም።
17
ሓጢኣት ፌጎርዶ ኣይኣኸለናን እዩ? ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር መዓት ወሪዱ ብሰንኩ ኽሳዕ ሎሚ ኻብቲ ሓጢኣት እቱይ ኣይነፃህናን።
18
ሕዝኸ ኻብ እግዚኣብሄር ዲኹም ትርሕቑ ዘለኹም? ሎሚ ንእግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኸዲዕኹምዎ፥ ፅባሕ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ክቝጥዖ እዩ።
19
እታ ዝወረስኩምዋ ምድሪ ዝረኸሰት እንተ መሰለት፥ ናብታ መሕደሪ እግዚኣብሄር ተሰሪሓታ ዘላ ምድሪ እግዚኣብሄር ንዑ፤ ኣብ ማእኸልናውን ርስቲ ውሰዱ፤ ብዘይ እቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻልእ መሰውኢ ብምስራሕኹም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌናን ኣይተዓምፁ።
20
ኣካን ወዲ ዛራ ካብቲ ዝተሓረመ ብምውሳዱ በደለ፤ መዓት ከዓ ኣብ ምሉእ ህዝቢ እስራኤል ደኣ ወረደ እምበር፥ በቲ በደሉ ንሱ በይኑ ጥራሕ ኣይሞተን።
21
ሽዑ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ነቶም ዝተረፉ ኣእላፋት ኣሕሉቕ ነገዳት ደቂ እስራኤል መሊሶም ከምዙይ በልዎም፦
22
“እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንሱ ይፈልጦ እዩ፤ ህዝቢ እስራኤልውን ይፍለጦ፤ ንእግዚኣብሄር ክንብድልን ንኡኡ ኽንከድዕን ኢልና እንተ ደኣ ጌርናዮ ዄንና፥ ሎሚ መዓልቲ እንተየናሕሰኹም ቅተሉና።
23
ካብ እግዚኣብሄር ክንከድዕ ኢልና፥ ወይ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኽነቕርበሉ፥ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ክንገብረሉ ኢልና እንተ ደኣ ዄንና እግዚኣብሄር ባዕሉ ይበቀለና።”
24
ንሕና ግና ንመፃኢ ደቅኹም ንደቅና “ኣቱም ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ኣለኩም? እግዚኣብሄር ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኻትኩምን ንዮርዳኖስ ወሰን ገይሩልና እዩ እሞ ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ከም ዝሓድጉ ኸይገብርዎም ኢልና ኢና ነዙይ ዝገበርናዮ።
26
በዙይ ከዓ ኢና “መሰውኢ ንንደቕ፤ ግና ንዝቃፀል መስዋእትን ንመስዋእቲ ሕሩድን ኣይኹን” ዝተበሃሃልና።
27
ንመፃኢ ግና ደቅኹም ንደቅና “ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን” ምእንቲ ኸይብልዎም ንእግዚኣብሄር ብዝቃፀል መስዋእትን ብመስዋእቲ ሕሩድን ብመስዋእቲ ምስጋናን ኣብ መቕደሱ ኸም እነምልኾ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኻትኩምን ብድሕሬና ኸዓ ኣብ መንጎ ወለዶና ምስክር ምእንቲ ክኸውን ነዝ መሰውኢ እዙይ ነደቕና።
28
ስለዙይ “ንመፃኢ ንኣና ወይ ንውሉድ ወለዶና ‘ግደ የብልኩምን’ እንተ በሉና ‘ነቲ ኣቦታትና ዝገበርዎ መሰውኢ እግዚኣብሄር ዝመስል መሰውኢ ርአዩ፤ ንሱ ንዝቃፀል መስዋእቲ ኣይኮነን፤ ንመስዋእቲ ሕሩድውን ኣይኮነን፤ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኻትኩምን ደኣ ምስክር እዩ’ ክንብሎም ኢና በልና።
29
“ንሕናስ ብዘይ እቲ ኣብ ቅድሚ መሕደሪ ዘሎ መሰውኢ ወይ ንመስዋእቲ ብልዕን ንመስዋእቲ ሕሩድን መሰውኢ ብምስራሕና፥ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምኽዳዕን ንእግዚኣብሄር ካብ ምብዳልን የድሕነና።”
30
ሽዑ ኻህን ፊንሃስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹመኛታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን፥ እቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ደቂ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ዝተዛረብዎ ነገር ምስ ሰምዑ፥ ተሓጐሱ።
31
ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንደቂ ፍርቂ ነገድ ምናሴን “በዙይ ንእግዚኣብሄር ኣይበደልኩምዎን እሞ፥ እግዚኣብሄር ምሳና ኸም ዘሎ፥ ሎሚ ፈለጥና፤ ሕዚ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ኣድሓንኩምዎም” በሎም።
32
ሽዑ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን እቶም ሹመኛታትን ካብቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ዘለውዎ ምድሪ ገለዓድ ናብ ምድሪ ከነዓን ናብ ደቂ እስራኤል ተመለሱ፤ ነቲ ዝኾነ ነገራት ድማ ነገርዎም።
33
እቲ መልሲ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ኣሐጐሶም እሞ፥ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ። ድሕሪዙይ ከዓ፥ ነታ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ዝነብርዋ ምድሪ ኸጥፍእዋ “ክንዋጋእ ንኺድ” ኢሎም ኣይተዛረቡን።
34
ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾነ ኣብ መንጎና ምስክር እዩ” ኢሎም ነቲ መሰውኢ “ምስክር” ኢሎም ሰመይዎ።
← Chapter 21
Chapter 23 →