bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Joshua 21
Joshua 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣቦታት ዓሌት ሌዋውያን ድማ ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ኢያሱ ወዲ ነዌን ናብ ሹመኛታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ቀረቡ።
2
ኣብ ሴሎ ኣብ ምድሪ ከነዓን “ንሕና እንነብረለን ከተማታትን፥ ከባቢአንን ንእንስሳናውን ዝኸውን መዋፈሪ ቦታ ኽህቡና፥ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ኣዚዙ እዩ” በልዎም።
3
ሽዑ ደቂ እስራኤል ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ ርስቶም እዘን ከተማታት እዚኣተንን መዋፈሪአንን ንሌዋውያን ሃብዎም።
4
ንዓሌታት ቀዓታውያን ከዓ ዕፃ በፅሖም። ነቶም ሌዋውያን ደቂ ኻህን ኣሮን፥ ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ነገድ ስምኦንን ካብ ነገድ ብንያምን ብዕፃ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በፅሓኦም።
5
ነቶም ዝተረፉ ደቂ ቀዓት ድማ፥ ካብ ዓሌታት ነገድ ኤፍሬምን ካብ ነገድ ዳንን ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ብዕፃ ዓሰርተ ኸተማታት በፅሓኦም።
6
ንደቂ ጌድሶን ከዓ ኻብ ዓሌታት ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብቶም ኣብ ባሳን ዝነብሩ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ብዕፃ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በፅሓኦም።
7
ንደቂ ሜራሪውን ከከም ዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት በፅሓኦም።
8
ስለዙይ ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ፥ እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ መዋፈሪአን ንሌዋውያን ብዕፃ ሃብዎም።
9
ስም እተን ካብ ምድሪ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ንሌዋውያን ዝተውሃባ ኸተማታት እዚኣተን እየን፦
10
(ነቶም ካብ ደቂ ሌዊ፥ ካብ ዓሌታት ቀዓታውያን ዝነበሩ ደቂ ኣሮን፥ ቀዳማይ ዕፃ ስለ ዝበፅሖም፥ እተን ከተማታት ንኣኣቶም ተውሃባ።)
11
ኣብ ኰረብታታት ይሁዳ ቂርያትኣርባቅ፥ ወይ ኬብሮን፥ ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ኸባቢኣን ሃብዎም፤ እዝ ኣርባቅ ኣቦ ዔናቅ ነበረ።
12
ገራሁ እታ ኸተማን ቍሸታታን ግና ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ ርስቲ ክኾናኦ ተውሂበን ነበራ።
13
ስለዙይ ንደቂ ኻህን ኣሮን እታ ሰብ ንዝቐተለ መዕቘቢ እትኸውን ከተማ ኬብሮን ምስ መዋፈሪኣ፥ ሊብና ምስ መዋፈሪኣ፥
14
የቲር ምስ መዋፈሪኣ፥ ኤሽትሞዓ ምስ መዋፈሪኣ፥
15
ሖሎን ምስ መዋፈሪኣ፥ ዳቤር ምስ መዋፈሪኣ፥
16
ዓይን ምስ መዋፈሪኣ፥ ዮጣህ ምስ መዋፈሪኣ፥ ቤትሳሜስ ድማ ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ካብዞም ክልተ ነገዳት እዚኣቶም ትሽዓተ ኸተማታት ሃብዎም።
17
ካብ ነገድ ብንያም ድማ ገባዖን ምስ መዋፈሪኣ፥ ናሲብ ምስ መዋፈሪኣ፥
18
ኣናቶት ምስ መዋፈሪኣ፥ ዓልሞን ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።
19
ድምር እተን ንኻህናት ደቂ ኣሮን ዝተውሃባ ኸተማታት መምስ መዋፈሪአን ዓሰርተ ሰለስተ ነበራ።
20
ነቶም ዝተረፉ ዓሌታት ደቂ ቀዓት ሌዋውያን፥ ካብ ነገድ ኤፍሬም ብዕፃ ዝበፅሓኦም ከተማታት እዘን ዝስዕባ እየን፦
21
ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ዘላ፥ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኸተማ ሴኬም ምስ መዋፈሪኣ፥ ጌዘር ምስ መዋፈሪኣ፥
22
ቂብፃይም ምስ መዋፈሪኣ፥ ቤትሖሮን ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ኣርባዕተ ኸተማታት ሃብዎም።
23
ካብ ነገድ ዳን ከዓ ኤልትቄ ምስ መዋፈሪኣ፥ ጊብቶን ምስ መዋፈሪኣ፥
24
ኤሎን ምስ መዋፈሪኣ፥ ጋትሪሞን ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።
25
ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ ታዕናክ ምስ መዋፈሪኣን፥ ጌት ሪሞን ምስ መዋፈሪኣን፥ ክልተ ኸተማታት ተቐበሉ።
26
ኵለን እተን ነቶም ዝተረፉ ዓሌታት ደቂ ቀዓት ዝተውሃባ ኸተማታት መምስ ከባቢአን ዓሰርተ እየን።
27
እቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ደቂ ጌድሶን ከዓ ኻብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ እታ ኣብ ባሳን ዘላ፥ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኸተማ ጐላን ምስ መዋፈሪኣን ቤዔሽትራ ምስ መዋፈሪኣን ክልተ ኸተማታት ተቐበሉ።
28
ካብ ነገድ ይሳኮር ድማ ቂስን ምስ መዋፈሪኣ፥ ዳብራት ምስ መዋፈሪኣ፥
29
ያርሙት ምስ መዋፈሪኣ፥ ዔንጋኒም ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።
30
ካብ ነገድ ኣሴር ከዓ ሚሽኣል ምስ መዋፈሪኣ፥ ዓብዶን ምስ መዋፈሪኣ፥
31
ሔልቃት ምስ መዋፈሪኣ፥ ረኣብ ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።
32
ካብ ነገድ ንፍታሌም ድማ እታ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኣብ ገሊላ ዘላ ኸተማ ቃዴስ ምስ መዋፈሪኣ፥ ሓሞትዶን ምስ መዋፈሪኣ፥ ቀርታን ምስ መዋፈሪኣ፥ ሰለስተ ኸተማታት ተቐበሉ።
33
ኵለን እተን ጌድሶናውያን ከከም ዓሌቶም ዝተቐበልወን ከተማታት መምስ ከባቢአን ዓሰርተ ሰለስተ እየን።
34
እቶም ዝተረፉ ሌዋውያን፥ ዓሌታት ደቂ ሜራሪ ኻብ ነገድ ዛብሎን፥ ዮቅንዓም ምስ መዋፈሪኣ፥ ቀርታ ምስ መዋፈሪኣ፥
35
ዲሞና ምስ መዋፈሪኣ፥ ነህላል ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።
36
ካብ ነገድ ሮቤል ድማ ቦሶር ምስ መዋፈሪኣ፥ ያሃፅ ምስ መዋፈሪኣ፥
37
ቅዴሞት ምስ መዋፈሪኣ፥ ሜፌዓት ምስ መዋፈሪኣ፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።
38
ካብ ነገድ ጋድ ድማ እታ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኣብ ገለዓድ ዘላ ኸተማ ራሞት ምስ መዋፈሪኣ፥ መሃናይም ምስ መዋፈሪኣ፥
39
ሓሴቦን ምስ መዋፈሪኣ፥ ኢያዜር ምስ መዋፈሪኣ፥ ኵለን ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።
40
ኵለን እዘን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እዚኣተን ነቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ዝተረፉ ደቂ ሜራሪ ኸከም ዓሌቶም ብዕፃ ዝበፅሓኦም እየን።
41
እተን ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ እስራኤል ዘለዋ ዅለን ከተማታት ሌዋውያን መምስ ከባቢአን ኣርብዓን ሸሞንተን እየን።
42
ኵለን እዘን ከተማታት እዚኣተን ኣብ ዙርያአን ንመጓሰዪ ዝኸውን ከባቢ ነበረን።
43
እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓለሎም፥ ኵላ እታ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ሃቦም፤ ወሪሶም ድማ ተቐመጥዋ።
44
እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ዅሉ ነቦታቶም ዝመሓለሎም፥ ብዅሉ ዙርያኦም ዕረፍቲ ሃቦም። እግዚኣብሄር ንዅሎም ፀላእቶም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ስለ ዝሃቦም ካብ ኵሎም ፀላእቶም ሓደ እኳ ኣብ ቅድሚኣቶም ደው ክብል ኣይከኣለን።
45
ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ዝተዛረቦ ፅቡቕ ነገር ተፈፀመ። ካብቲ ዝበሎ ሓደ ቓል እኳ እንተይተረፈ ዅሉ ተፈፂሙ እዩ።
← Chapter 20
Chapter 22 →