bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Joshua 20
Joshua 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
2
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ተናገሮም፦ እቲ እንተይፈለጠን እንተይፈተወን ሰብ ዝቐተለ፥ እቲ ቐታሊ ናብኣተን ክሃድም እሞ ኻብ ፈዳዪ ደም መዕቘቢ ክኾናኹም፥ እተን ብሙሴ ኣቢለ ዝኣዘዝኩኹም መዕቘቢ ኸተማታት ፍለይወን።
4
እቲ ሰብ ዝቐተለ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ይህደም፤ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው ኢሉ ኸዓ፥ እቲ ዝገበሮ ነቶም ሹመኛታት እታ ኸተማ እቲኣ ይንገሮም። ንሳቶም ከዓ ናብታ ኸተማ የእትውዎ፤ ዝቕመጠሉ ቦታ ድማ ይሃብዎ።
5
ቅድም ኢሉ ፅልኢ እንተይነበሮ እንተይፈለጠ ንብፃዩ ስለ ዝቐተሎ፥ እቲ ፈዳዪ ደም እንተ ሰዓቦ፥ ነቲ ዝቐተለ ኣሕሊፎም ኣብ ኢዱ ኣይሃብዎ።
6
ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ንፍርዲ ኽሳዕ ዝቐውምን፥ እቲ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ዘሎ ሊቀ ካህናት ክሳዕ ዝመውትን ኣብታ ኸተማ ይቀመጥ። ሽዑ እቲ ቐታሊ ናብታ ገዲፍዋ ዝሃደመ ኸተማኡ ተመሊሱ ናብ ገዛኡ ይእቶ በሎ።
7
ስለዙይውን ኣብ ኰረብታታት ንፍታሌም ነታ ኣብ ገሊላ ዘላ ቃዴስ፥ ኣብ ኰረብታ ኤፍሬም ድማ ሴኬም፥ ኣብ ኰረብታታት ይሁዳ ኸዓ ቂርያትኣርባቅ ወይ ኬብሮን ፈለዩ።
8
ካብ ምድሪ ነገድ ሮቤል ከዓ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ምብራቕ ኢያሪኮ እታ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ጐልጐል ዘላ በሶር፥ ኣብ ምድሪ ነገድ ጋድ ድማ እታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ራሞት፥ ኣብ ምድሪ ነገድ ምናሴውን እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጐላን ፈለዩ።
9
እተን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእኸሎም ንዝነብር ባዕድን፥ እቲ ብዘይ ምፍላጥ፥ ሰብ ዝቐተለ ዅሉ፥ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ደው ክሳዕ ዝብል፥ ብኢድ ፈዳዪ ደም ከይመውት፥ ክሃድመለን ዝተመደባ ኸተማታት እዚኣተን እየን።
← Chapter 19
Chapter 21 →