bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Joshua 19
Joshua 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቲ ኻልኣይ ዕፃ ድማ ናብ ነገድ ስምኦን ከከም ዓሌቶም በፅሐ። ርስቶም ከዓ ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ ይሁዳ ነበረ።
2
ንሱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ቤርሳቤህን ሴባን ሞላዳን፥
3
ሓፃርሹዓልን ባላን ዔፄምን፥
4
ኤልቶላድን በቱልን ሔርማን፥
5
ፂቅላግን ቤትማርካቦትን ሓፀርሱሳን፥
6
ቤተ ለባኦት ሻሩሔንን፥ ኵለን ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
7
ዓይንን ሪሞንን ዔተርን ዓሻንን፥ ኵለን ኣርባዕተ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
8
ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚኣተን ክሳዕ ባዕላትብዔር፥ ወይ እታ ናይ ደቡብ ራማት፥ ዘለዋ ዅለን ዓድታት እውን ምስኣተን እየን። ርስቲ ነገድ ደቂ ስምኦን ከከም ዓሌቶም እዙይ እዩ።
9
ደቂ ይሁዳ ርስቶም የመና ገፊሕ ስለ ዝነበረ፥ ካብቲ ብፅሒቶም ተነክዩ ንነገድ ስምኦን ብርስትነት ተውሃቦም። ብኸምዙይ ደቂ ስምኦን ኣብ ማእኸል ደቂ ይሁዳ ርስቲ ወረሱ።
10
እቲ ሳልሳይ ዕፃ ድማ ንደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም በፅሖም። ወሰን ርስቶም ከዓ ኽሳዕ ሳሪድ እዩ።
11
ብወገን ምዕራብ ናብ መርዓላ ኣቢሉ ይድይብ እሞ ናብ ደባሼት ኣቢሉ ናብቲ ኣብ መንፅር ዮቅንዓም ዘሎ ሩባ ይበፅሕ።
12
ካብ ሳሪድ ከዓ ናብ ምብራቕ፥ ናብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ወሰን ኪስሎትታቦር ይበፅሕ፤ ናብ ደብራት ኣቢሉ ናብ ያፊዓ ድማ ይድይብ።
13
ካብኡ ኸዓ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ጋትሔፍርን ናብ ዒታቃፂንን ይሓልፍ፤ ቀፂሉውን ናብታ ናብ ኔዓ እትበፅሕ ሪምንናን ይሓልፍ።
14
እቲ ወሰኑ ድማ ንኣኣ ዘይሩ ብሰሜን ገይሩ ናብ ሓናቶን የብልሞ፥ ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ከዓ ይበፅሕ፤
15
እዙይውን፥ ቀጣትን ናሃላልን ሺምሮንን ይዳላን ቤተልሔምን፥ ዝበሃላ ዅለን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
16
እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን።
17
እቲ ራብዓይ ዕፃ ንደቂ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም በፅሖም፦
18
ወሰኖም ናብ ኢይዝራኤልን ከስሎትን ሱነምን ይበፅሕ።
19
ናብ ሓፍራይምን ሺኦንን ኣናሓራትን፥
20
ረቢትን ቂሶንን ኣቤፅን፥
21
ሬሜትን ዓይንጋኒምን ዓይንሓዳን ቤትጳፄፅን ይበፅሕ።
22
እቲ ወሰን ከዓ ናብ ታቦርን ሻሓፁማን ቤትሳሜስን ይበፅሕ። ቀፂሉ ናብ ዮርዳኖስ ይወፅእ፤ ኵለን ድማ ዓሰርተ ሽዱሽተ ኸተማታትን ቍሸታትን እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
23
እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንነገድ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም እየን።
24
እቲ ሓምሻይ ዕፃ ኸዓ ንነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም በፅሖም።
25
ወሰኖም ድማ ሔልቃትን ሓሊን ቤጤንን ኣዚፍን።
26
ኣላሜሌክን ዓምዓድን ምሽኣልን ነበረ፥ ብወገን ምዕራብ ከዓ ናብ ቀርሜሎስን ናብ ሺሖርሊብናትን ይበፅሕ።
27
ንምብራቕ ፀሓይ ኣቢሉ ናብ ቤትዳጎን ይምለስ፤ ናብ ዛብሎንን ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ኣብ ሰሜን ቤትዔሜቅን ንዒኤልን በፂሑ፥ ብፀጋም ናብ ካቡል ይድይብ።
28
ካብኡ ናብ ዔብሮንን ናብ ራኣብን ናብ ሓሞንን ናብ ቃናን ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶና ይበፅሕ።
29
እቲ ወሰን ድማ ብራማ ኣቢሉ ኽሳዕ እታ ዝተዓረደት ከተማ ጢሮስ ይበፅሕ፤ ከምኡውን ወሰኑ ናብ ሖሳ ይምለስ እሞ ናብ ባሕሪ ምድሪ ኣክዚብ ይሓልፍ።
30
ዑማን ኣፌቅን ረኣብን፥ ኵለን ዕስራን ክልተን ከተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
31
እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን።
32
እቲ ሻድሻይ ዕፃ ንደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም በፅሖም።
33
ወሰኖም ድማ ኻብ ሔሌፍን ካብታ ኣብ ፀዕነኒም ዘላ ኤሎንን ኣዳሚኔቈብን ያብነኤልን ክሳዕ ለቁም በፂሑ፥ ናብ ዮርዳኖስ ይድይብ።
34
ንምዕራብ ኣቢሉ ኸዓ፥ ናብ ኣዝኖትታቦር ይበፅሕ፤ ካብኡ ኸዓ ናብ ሑቆቅ ይወፅእ እሞ፥ ብደቡብ ናብ ዛብሎን፥ ብምዕራብውን ናብ ኣሴር፥ ብምብራቕ ድማ ብዮርዳኖስ ናብ ይሁዳ ይበፅሕ።
35
እተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ድማ፥ ፂድምን ፄርን ሓማትን ረቃትን ኬኔሬትን፥
36
ኣዳማን ራማን ሓሶርን፥
37
ቃዴስን ኤድራይን ዓይንሓፆርን፥
38
ዪርኦንን ሚግዳልኤልን ሖሬምን ቤትዓናትን ቤትሳሜስን፥ ኵለን ዓሰርተ ትሽዓተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
39
እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ቍሸታተን ንደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን።
40
እቲ ሻውዓይ ዕፃ ንነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም በፅሖም።
41
ወሰን ርስቶም ፆርዓን ኤሽታኦልን ዒርሸሜሽን፥
42
ሸዕለቢንን ኤሎንን ይትላን፥
43
ኤሎንን ትምናን ኣቃሮንን፥
44
ኢልተቄን ገባቶንን ባዕላትን፥
45
ይሁድን ብኔብረቅን ጋትሪሞንን፥
46
ሜያርቆንን ራቆንን፥ እቲ ኣብ መንፅር ኢዮጴ ዘሎውን ምስኡ ይቝፀር ነበረ።
47
ደቂ ዳን ምስ ፀገሞም ንሌሼም ተዋጊኦም ሓዝዋ፤ ነቶም ህዝባውን ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም፤ ወሪሶም ድማ ተቐመጥዋ፤ ንሌሼም ድማ ብስም ኣቦኣቶም “ዳን” ኢሎም ሰመይዋ።
48
እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን።
49
ነታ ምድሪ በብወሰና ንርስቲ ምስ ተማቐልዋ ኸዓ፥ ደቂ እስራኤል ንኢያሱ ወዲ ነዌ ኣብ ማእኸሎም ርስቲ ሃብዎ።
50
ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር እታ ዝደለያ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ዘላ ኸተማ ቲምናት ሴራ ሃብዎ። ነታ ኸተማ ሰርሓ፤ ኣብኣ ድማ ተቐመጠ።
51
ካህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን ሹመኛታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ኣብ ሴሎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኖም፥ ብዕፃ ዝተማቐልዎ ርስትታት እዙይ እዩ። ምምቓል እታ ምድሪ ኸዓ ብኸምዙይ ተፈፀመ።
← Chapter 18
Chapter 20 →