bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Joshua 18
Joshua 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ኣብ ሴሎ ተኣከቡ፤ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣብኣ ተኸልዎ። ኵሉ ምድሪ እውን ሰጥ ኢሉ ተገዝአሎም።
2
እንተ ኾነ ኻብ ደቂ እስራኤል ርስቶም ዘይተቐበሉ ሸውዓተ ነገድ ተሪፎም ነበሩ።
3
ኢያሱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ነዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝሃበኩም ምድሪ ንምውራስ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ሸለል እትብሉ?
4
ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሰሰለስተ ሰባት ሕረዩ፤ ኣነ ኸዓ ኽልእኾም እየ፤ ንሳቶም ድማ ኸይዶም ነታ ሃገር ይዙርዋ፤ ብመጠን ርስቶምውን ፅሒፎም ናባይ የምፅእዎ።
5
ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ ኸዓ ይምቀልዋ፤ ይሁዳ ኣብ ብፅሒቱ ብወገን ደቡብ ይቀመጥ። ቤት ዮሴፍ እውን ከምኡ ኣብ ብፅሒቱ ብወገን ሰሜን ይቀመጥ።
6
ንስኻትኩም ከዓ ነታ ምድሪ ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ ፅሒፍኩም ናብዙይ ኣምፅኡለይ፤ ኣነ ድማ ኣብዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዕፃ ኸውድቐልኩም እየ።
7
እቶም ሌዋውያን ግና፥ ርስቶም ብኽህነት ንእግዚኣብሄር ምግልጋል እዩ እሞ ኣብ ማእኸልኩም ግደ የብሎምን። ጋድን ሮቤልን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ድማ እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝሃቦም ርስቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ወሲዶም ኣለዉ።”
8
እቶም ሰባት ድማ ተሲኦም ከዱ። ኢያሱ ኸዓ ነቶም ነታ ምድሪ ኽመቕልዋ ዝኸዱ፥ “ኺዱ ነታ ምድሪ እናዞርኩም ፀሓፍዋ፤ ናባይ ድማ ተመለሱ፤ ኣነ ኸዓ ኣብዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ዕፃ ኸውድቐልኩም እየ” ኢሉ ኣዘዞም።
9
እቶም ሰባት ከዓ ኸይዶም ነታ ሃገር ዞርዋ፤ በብኸተማ ድማ ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ መቒሎም፥ ኣብ መፅሓፍ ፀሓፍዋ፤ ናብ ሴሎ ናብቲ ኢያሱ ዝሰፈሮ ድማ ተመለሱ።
10
ኢያሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ዕፃ ኣውደቐሎም፤ ነታ ሃገር ድማ ንደቂ እስራኤል ከከም ክፍሊ ነገዶም ገይሩ መቐሎም።
11
እቲ ዕፃ ንነገድ ብንያም ከከም ዓሌቶም በፅሖም። እቲ ብዕፃ ዝበፅሖም ርስቲ ኸዓ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳን ደቂ ዮሴፍን ነበረ፦
12
እቲ ወሰኖም ብወገን ሰሜን ካብ ፈለግ ዮርዳኖስ ይጅምር፤ ብሰሜናዊ ፀግዒ ኢያሪኮ ደዪቡ፤ ንምዕራብ ወገን ኣቢሉ በቲ ዀረብታታት ሓሊፉ ናብ ምድረ በዳ ቤትኣዌን ይሓልፍ።
13
ካብኡ ኸዓ ናብቲ ደቡባዊ ፀግዒ ሎዛ፥ ናብ ቤቴል ይሓልፍ። በቲ ናብ ደቡብ ታሕተዋይ ቤትሖሮን ዘሎ ጎቦ ኣቢሉ ድማ ናብ ዓጣሮትኣዳር ይወርድ።
14
እቲ ወሰን ድማ ቐፂሉ ኻብቲ ኣብ መንፅር ቤትሖሮን ብደቡብ ዘሎ ጎቦ ብወገን ምዕራብ ኣቢሉ ንደቡብ ይዘውር። ናብ ቂርያት በዓል፥ ወይ ቂርያት የዓሪም፥ ናብ ከተማ ደቂ ይሁዳ ይወፅእ። እዙይ ብወገን ምዕራብ ዘሎ ወሰን እዩ።
15
ብወገን ደቡብ ድማ ኻብ ወሰን ቂርያት የዓሪም ንምዕራብ ኣቢሉ ይሓልፍ፤ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ ድማ ይድይብ።
16
ቀፂሉ ኸዓ ናብ ወሰን እቲ ኣብ መንፅር ለሰ ወዲ ሂኖም ዘሎ እምባ ይወርድ፤ እዙይ ንለሰ ራፋይም ብሰሜኑ እዩ። ናብ ለሰ ሂኖም ናብ ፀግዒ ደቡብ ኢያቡሳውያን ኣንቈልቊሉ፥ ናብ ዔንሮጌል ይወርድ።
17
ቀፂሉ ድማ ንሰሜን ኣቢሉ ናብ ቤት ሳሚስ ይድይብ፤ ናብቲ ኣብ መንፅር ዓቐበት ኣዱሚም ዘሎ ገሊሎት ደዪቡ ኸዓ፥ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይወርድ።
18
ነቲ ኣብ መንፅር ፀግዒ ሰሜን ዓረባ ዘሎ ሓሊፉ፥ ናብ ዓረባ ይወርድ።
19
ቀፂሉ ኸዓ ብፀግዒ ሰሜን ቤትሖግላ ይሓልፍ፤ ካብኡ ናብ ናይ ሰሜን ልሳን ባሕሪ ጨው ናብ ደቡብ ፈለግ ዮርዳኖስ ይሓልፍ፤ ብወገን ደቡብ ወሰኑ እዙይ እዩ።
20
ብወገን ምብራቕ ከዓ ወሰኑ ዮርዳኖስ እዩ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ምስ ወሰኑ ብዙርያኡ እዙይ እዩ።
21
ከተማታት ነገድ ደቂ ብንያም ድማ ኸከም ዓሌቶም እዚኣተን ነበራ፦ ኢያሪኮን ቤት ሖግላን ዓመቀፂፅን፥
22
ቤት ዓረባን ዘማራይምን ቤቴልን፥
23
ዓዊምን ፋራን ኤፍራታን፥
24
ክፊርዓሞናይን ዖፍኒን ጋባን፥ ኵለን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
25
ገባዖንን ራማን ብኤሮትን፥
26
ምፅጳን ከፊራን ኣሞቂ፥
27
ሬቄምን ይርጵኤልን ተርኣላን፥
28
ፄላን ኤሌፍን፥ ኢየሩሳሌም፥ እትበሃል ከተማ ኢያቡስ፥ ቂርያትጊብዓትን፥ ኵለን ዓሰርተ ኣርባዕተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም እዙይ እዩ።
← Chapter 17
Chapter 19 →