bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Joshua 17
Joshua 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ምናሴ ንዮሴፍ በዅሪ ወዱ ስለ ዝኾነ ብፅሒቱ እዙይ እዩ፦ ማኪር በዅሪ ወዱ ንምናሴ፥ ንገለዓድ ከዓ ኣቦኡ፥ ተዋጋኣይ ሰብኣይ ነበረ። ስለዙይ ንገለዓድን ንባሳንን ወረሳ።
2
ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ድማ ኸከም ዓሌቶም ዕፃ በፅሖም፤ ንደቂ ኣቢዔዝርን ንደቂ ኬሌግን ንደቂ ኣስሪኤልን ንደቂ ሴኬምን ንደቂ ኦፌርን ንደቂ ሸሚዳን፤ ኣወዳት ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፥ ከከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።
3
ግና ሰለጰኣድ፥ ወዲ ኦፌር ወዲ ገለዓድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ፥ ኣጓላት ጥራሕ እምበር፥ ኣወዳት ኣይነበርዎን፤ ስም እተን ኣዋልዱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ማሕላ፥ ኖዓ፥ ዔግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ።
4
ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ወዲ ነዌን ኣብ ቅድሚ ኣሕሉቕን ቀሪበን “እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ማእኸል ኣሕዋትና ርስቲ ኽህበና ኣዚዝዎ እዩ” በላ። ኢያሱ ኸዓ ኸምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸል ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን።
5
እተን ኣጓላት ምናሴ ኣብ ማእኸል እቶም ደቁ ርስቲ ስለ ዝወረሳ፥ ንምናሴ ብዘይ እታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ምድሪ ገለዓድን ባሳንን፥ ዓሰርተ ዕፃ በፅሖ። ምድሪ ገለዓድ ከዓ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ኾነት።
7
ወሰን ምናሴ ድማ ኻብ ኣሴር ናብታ ኣብ መንፅር ሴኬም ዘላ ሚክመታት ኮነ። እቲ ወሰን ከዓ ንየማን ኣቢሉ ናብቶም ኣብ ዔይን ታጱዋ ዝነብሩ ይሓልፍ።
8
ምድሪ ታጱዋ ንምናሴ ኾነት፤ እታ ኣብ ወሰን ምናሴ ዘላ ኸተማ ታጱዋ ግና ንደቂ ኤፍሬም ኮነት።
9
እቲ ወሰን ከዓ ናብ ሩባ ቓና ብደቡብ እቲ ሩባ ይወርድ። እዘን ከተማታት እዚኣተን፥ ኣብ ማእኸል ከተማታት ምናሴኳ እንተ ሃለዋ፥ ትሕዝቶ ኤፍሬም ኮና። ወሰን ምናሴ ድማ ብሰሜን እቲ ሩባ ኣቢሉ ናብ ማእኸል ባሕሪ ይበፅሕ።
10
ደቡብ ንኤፍሬም፥ ሰሜን ድማ ንምናሴ ኾነ፤ ወሰኑ ኸዓ ዓብዪ ባሕሪ እዩ። ብሰሜን ናብ ኣሴር፥ ብምብራቕ ከዓ ናብ ይሳኮር ይበፅሕ።
11
ኣብ ይሳኮርን ኣብ ኣሴርን፥ ቤትሳንን ቁሸታታን፥ ይብልዓምን ቁሸታታን፥ ኣብ ዶር ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ ዔንዶር ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ ታዕናክ ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ መጊዶ ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ሰለስቲአን በረኽቲ ንምናሴ ኾና።
12
ግና ከነዓናውያን ኣብታ ሃገር ክቕመጡ ስለ ዝቘረፁ ደቂ ምናሴ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ከውፅእዎም ኣይከኣሉን።
13
ደቂ እስራኤል ምስ ሓየሉ ኸዓ፥ ነቶም ከነዓናውያን ናይ ጕልበት ግብሪ ኣገበርዎም እምበር፥ ኣይሰጐጕዎምን።
14
ደቂ ዮሴፍ ድማ ንኢያሱ “ብዙሕ ህዝቢ ኽሳዕ እንኸውን እግዚኣብሄር ክሳዕ ክንድዙይ ባሪኹና እንተሎስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ሓደ ዕፃን ሓደ ኽፍልን ጥራሕ ርስቲ ዝሃብካና?” በልዎ።
15
ኢያሱ ኸዓ “ብዙሕ ህዝቢ እንተ ዄንኩም እሞ ዀረብታታት ኤፍሬም እንተ ደኣ ፀቢቡኩም፤ ኣብ ምድሪ ፈሪዛውያንን ራፋይምን ናብ ዘሎ ዱር ደይቡሞ ኣብኡ ንኣኻትኩም ለቢድኩም ኣቕንዑ” በሎም።
16
ደቂ ዮሴፍ ድማ “እቲ ዀረብታታት ኣይኣኽለናን እዩ፤ እቶም ኣብ ምድሪ ለሰ ዝነብሩ ከነዓናውያን፥ እቶም ኣብ ቤትሳናን ኣብ ቁሸታታን ዝነብሩ ኾነ፤ ኣብ ለሰ ኢይዝራኤል ዝነብሩ፥ ኵላቶም ሰረገላታት ሓፂን ኣለዎም” በሉ።
17
ኢያሱ ኸዓ ንቤት ዮሴፍ፥ ንኤፍሬምን ንምናሴን፥ “ንስኻትኩም ብዙሕ ህዝቢ ኢኹም፤ ዓብዪ ሓይሊውን ኣለኩም፤ ሓደ ዕፃ ጥራሕ ኣይኮነን ዝብፅሐኩም፥
18
እቲ ዀረብታታት ድማ ንኣኻትኩም ይኹን፤ ዱር እኳ እንተ ኾነ፥ ለቢድኩም ኣቕንዑ እሞ ዅሉ ናታትኩም ክኸውን እዩ። ነቶም ከነዓናውያን ከዓ፥ ሰረገላ ሓፂን እኳ እንተ ሃለዎም፥ ሓያላትውን እንተ ኾኑ፥ ክተውፅእዎም ኢኹም” በሎም።
← Chapter 16
Chapter 18 →