bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Joshua 14
Joshua 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቲ ኻህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን እቶም ኣሕሉቕ ነገዳት ደቂ እስራኤልን ዘካፈልዎም፥ እተን ደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ከነዓን ዝወረስወን፥ እዚኣተን እየን፦
2
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ነቶም ትሽዓተ ነገድን ፍርቂ ነገድን ረርስቶም ብዕፃ ኣካፈልዎም።
3
ሙሴ ነቶም ክልተ ነገድን ፍርቂ ነገድን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ርስቲ ሂብዎም ነበረ፤ ንሌዋውያን ግና ኣብ መንጎኣቶም ርስቲ ኣይሃቦምን።
4
እዙይ ከዓ ደቂ ዮሴፍ፥ ነገድ ምናሴን ነገድ ኤፍሬምን ተብሂሎም ኣብ ክልተ ስለ ዝተመቕሉ እዩ። ንሌዋውያን ግና፥ ብዘይ እተን ዝነብሩለን ከተማታት ምስተን ንኸብቶምን ንጥሪቶምን መውፈሪ ዝኾና ኸባቢአን፥ ኣብታ ምድሪ ግደ ኣይሃቦምን።
5
ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ፤ ነታ ምድሪ እውን ተማቐልዋ።
6
ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጌልገላ ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ቐረቡ። ቀኔዛዊ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ኸዓ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ሙሴ፥ ኣብ ቃዴስ በርኔ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን ዝበሎ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
7
እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ነታ ምድሪ ኽስልል፥ ካብ ቃዴስ በርኔ ኽሰደኒ እንተሎ፥ ኣነ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበርኩ፤ ኣነውን ኣብ ልበይ ዝነበረ ቓል መለስኩሉ።
8
እቶም ምሳይ ደዪቦም ዝነበሩ ኣሕዋተይ ንልቢ እቲ ህዝቢ ብፍርሒ ኸም ዝርዕድ ገበርዎ፤ ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብምሉእ ልበይ ኣመንክዎ።
9
ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፦ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ ስለ ዝኣመንካዮ፥ እታ እግርኻ ዝረገፀታ ምድሪ ንኣኻን ንደቅኻን ንዘለኣለም ርስቲ ትኹን’ ኢሉ መሓለ።
10
“ሕዚ ድማ እንሆ፥ እግዚኣብሄር እዝ ቓል እዙይ ንሙሴ ኻብ ዝነግሮ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ኾለል ይብሉ ነበሩ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ዝተናገረኒ ኽሳዕ ሕዚ ኣፅኒሑኒ ኣሎ። እነሆ፥ ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመት ኮይነ ኣለኹ።
11
ሎሚ ሓይለይ ከምቲ ሙሴ ኽልእኸኒ እንተሎ መዓልቲ ዝነበሮ እዩ። ንውግእ ንምውፃእ ኾነ ንምእታው ሓይለይ ከምቲ ሽዑ ዝነበሮ እዩ።
12
ሕዚ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ ዘተናገሮ፥ እዝ ደጕዓ እዙይ ሃበኒ። ደቂ ዔናቅ ኣብኡ ኸም ዝነብሩ፥ ዓበይትን ዕሩዳትን ከተማታት ድማ ኸም ዘለዋኦም፥ ንስኻ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰሚዕኻ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ደኣ ኾይኑ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸሳጕጎም እየ።”
13
ኢያሱ ድማ ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ መረቖ፤ ርስቲ ኽትኮኖ ኸዓ ንኬብሮን ሃቦ።
14
ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ቄኔዛዊ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብምሉእ ልቡ ስለ ዝተኸተሎ፥ ኬብሮን ክሳዕ ሎሚ ርስቱ ኾይና ኣላ።
15
ቀደም ኬብሮን፥ ቂርያትኣርባቅ ትብሃል ነበረት፤ እዝ ኣርባቅ ኻብ ደቂ ሰብ ዔናቅ እቲ ዝዓበየ ሰብ ነበረ። እታ ሃገር ድማ ኻብ ውግእ ኣዕረፈት።
← Chapter 13
Chapter 15 →