bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Joshua 13
Joshua 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢያሱ ድማ ዕድመ ፀጊቡ ኣሪጉ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ነዊሕ ዘመን ጌርካ ኣሪግካ ኢኻ፤ ገና ድማ እትተሓዝ ገፋሕ ምድሪ ተሪፋ ኣላ።
2
እታ ዝተረፈት ምድሪ ኸዓ እዚኣ እያ፦ ኵለን ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ጌሹራውያንን፥
3
ካብታ ኣብ ቅድሚ ግብፂ ዘላ ሺሖር ንሰሜን ከዓ ኽሳዕ እታ ምስ ምድሪ ከነዓን እትቝፀር ወሰን ኣስቀሎና፥ ናይቶም ዔዋውያን ዝነበሩ፥ ኣብ ጋዛ፥ ኣብ ኣዛጦን፥ ኣብ ኣስቀሎና፥ ኣብ ጌት፥ ኣብ ኣስቀሎና ናይ ዝገዝኡ፥ ናይ ሓሙሽተ ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ምድሪ እያ።
4
ብደቡብ ድማ ዅሉ ምድሪ ከነዓናውያን፥ ሜዓራ ናይ ሲዶናውያንውን ክሳዕ ኣፌቅ፥ ክሳዕ ወሰን ኣሞራውያን፥
5
ምድሪ ጌባላውያን፥ ብምሉኡ ሊባኖስ ድማ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ፥ ካብቲ ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ዘሎ በዓል ጋድ ክሳዕ እቲ ንሓማት ዘእቱ።
6
ንዅሎም ካብ ሊባኖስ ክሳዕ ሚስረፎት ማይም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ሲዶናውያን፥ ኣነ ኻብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክሰጎም እየ። ንስኻ ኸዓ ኸምቲ ዝኣዘዝኩኻ፥ እታ ምድሪ ንእስራኤል ርስቲ ጌርካ ኣካፍሎም።
7
እምበኣር እዛ ምድሪ እዚኣ ንትሽዓቲኦም ነገድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ጌርካ ምቐላ።”
8
ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝሃቦም፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ርስቶም ተቐበሉ።
9
እታ ምድሪ ኻብታ ኣብ ገምገም ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፥ ካብታ ኣብ ማእኸል ሩባ ዘላ ኸተማ ኸዓ ዅሉ ጐልጐል ሜድባ ኽሳዕ ዲቦን ትበፅሕ ነበረት።
10
ከምኡውን ኣብታ ምድሪ ዅለን ከተማታት ናይቲ ኣብ ሓሴቦን ክሳዕ ወሰን ደቂ ኣሞን ዝነገሰ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥
11
ገለዓድን ወሰን ጌሹራውያንን መዓካታውያንን፥ ብምሉኡ እምባ ኣርሞንኤምን ኵሉ ባሳንድማ ኽሳዕ ሳልካ፥
12
ኵሉ መንግስቲ ዓግ ኣብ ባሳን፥ እቲ ኣብ ኣስታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ዝነገሰ ነበረ። ዓግ ካብቶም ተረፍ ራፋውያን ዝተረፈ ነበረ። ሙሴ ድማ ነቲ ህዝቢ ስዒሩ መሬቶም ሓዘ።
13
ንጌሹራውያንን ንመዓካታውያንን ግና ደቂ እስራኤል ኣየውፅእዎምን እሞ ጌሹርን ማዓካትን ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ማእኸል እስራኤል ይቕመጡ ኣለዉ።
14
ንነገድ ሌዊ ግና ርስቲ ኣይሃቦምን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ርስቶምስ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
15
ሙሴ ንነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ዓሌቶም ርስቲ ሃቦም።
16
ወሰኖም ከዓ ኻብታ ኣብ ገምገም ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔርን ካብታ ኣብ ማእኸል ሩባ ዘላ ኸተማን፥ ጐልጐል ሜድባ ብምሉኡን፥
17
ክሳዕ ሓሴቦንን እተን ኣብ ጐልጐል ዘለዋ ዅለን ከተማታታን፥ ዲቦንን ባሞትበዓልን ቤትበዓልሜዖንን፥
18
ያሕፃን ቄዴሞትን ሜፋዓትን፥
19
ቂርያታይምን ሲበማን እታ ኣብቲ ኣብ ለሰ ዘሎ ዀረብታ እትርከብ ፀሬት ሻሓርን፥
20
ቤት ፌጎርን ጎቦታት ፈስጋን፥ ቤትየሺሞትን፥
21
ኵለን ከተማታት ጐልጐልን ኵላ መንግስቲ እቲ ኣብ ሓሴቦን ነጊሱ ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ምስቶም ሹመኛታት ሚድያን፥ ኤዊን ሬቀምን ፁርን ሑርን ሬባን፥ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ሹመኛታት ሴዎን፥ ሙሴ ዝሰዓሮም እዮም።
22
ደቂ እስራኤል ከዓ ንበለዓም ጠንቋሊ ወዲ ቢዖር ምስቶም ካልኦት ኣብ ውግእ ዝቐተልዎም ብሰይፊ ቐተልዎ።
23
ወሰን ደቂ ሮቤል ድማ ፈለግ ዮርዳኖስ ነበረ። እዘን ከተማታትን ዓድታትን እዚኣተን ከከም ዓሌቶም ርስቲ ደቂ ሮቤል ነበራ።
24
ሙሴ ንደቂ ጋድ ከከም ዓሌቶም ዝሃቦም ርስቲ እዙይ እዩ፦
25
ወሰኖም ኢያዜርን ኵለን ከተማታት ገለዓድን ፍርቂ ምድሪ ደቂ ኣሞን ክሳዕ እታ ኣብ መንፅር ረባት ዘላ ዓሮዔር ነበረ።
26
ካብ ሓሴቦን ድማ ኽሳዕ ራማት ሚፅጴን በጦኒምን፥ ካብ መሃናይም ከዓ ኽሳዕ ወሰን ዳቤር ነበረ።
27
ኣብቲ ለሰ ድማ እቲ ተረፍ መንግስቲ ሴዎን፥ ንጉስ ሓሴቦን ዝኾነ፥ ቤትሃራምን ቤትኒምራን ሱኰትን ፃፎንን ነበረ። እቲ ወሰን ብወገን ምብራቕ ሩባ ዮርዳኖስ ኮይኑ ኽሳዕ ወሰን ባሕሪ ገሊላ ይበፅሕ ነበረ።
28
እዘን ከተማታትን ዓድታትን እዚኣተን ከከም ዓሌቶም ርስቲ ደቂ ጋድ ነበራ።
29
ሙሴ ንፍርቂ ነገድ ምናሴውን ከከም ዓሌቶም ርስቲ ሃቦም።
30
ወሰኖም ካብ መሃናይም ባሳን ብምሉኡ፥ ኵሉ መንግስቲ ዓግ ንጉስ ባሳን፥ ኵለን ዓድታት ናይታ ኣብ ባሳን ዘላ ያኢር፥ ስሳ ኸተማታት፥
31
ፍርቂ ገለዓድ፥ ኣብ ባሳን ዝርከባ ኸተማታት መንግስቲ ዓግ ዝሓውስ ኣስታሮትን ኤድሬዒን እዩ። እዙይ ንፍርቂ ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ኸከም ዓሌቶም ተውሃበ።
32
እተን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ብወገን ምብራቕ ኢያሪኮ፥ ኣብ ጐልጐል ሞኣብ፥ ሙሴ ርስቲ ዘካፈሎም፥ እዚኣተን እየን፤
33
ንነገድ ሌዊ ግና፥ ከምቲ ዝበሎም፥ ርስቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝኾነ ሙሴ ርስቲ ኣይሃቦምን።
← Chapter 12
Chapter 14 →