bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Joshua 15
Joshua 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንነገድ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ብዕፃ ዝበፅሖም ርስቲ ኸምዙይ እዩ፦ ብወገን ደቡብ ክሳዕ ወሰን ኤዶምያስ፥ ክሳዕ ጫፍ ምድረ በዳ ሲን ዝበፅሕ ነበረ።
2
ወሰኖም ብወገን ደቡብ ካብ ደቡባዊ ጫፍ ባሕሪ ጨው ይጅምር።
3
ንዓቐብ መተሓላለፊ ኣቅራቢም ናብ ደቡቡ ወፂኡ፥ ንሲን ሓሊፉ፥ ንቃዴስ በርኔ ብደቡባ ደዪቡ፥ ንሔፅሮን ሓሊፉ ድማ ንኣዳር ይድይብ፤ ናብ ቃርቃ ኸዓ ይዘውር።
4
ንዓፅሞን ኣቢሉ ድማ ይሓልፍ፤ ናብ ፈለግ ግብፂውን ይወፅእ። ናይ ወሰን መውፅኢ ኸዓ ኣብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ነበረ። ብወገን ደቡብ ዘሎ ወሰኖም እዙይ እዩ።
5
ብወገን ምብራቕ ዘሎ ወሰን ድማ ኻብ ባሕሪ ጨው ኽሳዕ እቲ መወዳእታ ፈለግ ዮርዳኖስ ነበረ። ብወገን ሰሜን ዘሎ ወሰን ድማ፥ ካብ ወሽመጥ ባሕሪ ኽሳዕ እቲ መወዳእታ ፈለግ ዮርዳኖስ እዩ።
6
እቲ ወሰን ከዓ ንቤት ሖግላ ይድይብ እሞ ብሰሜን ቤት ዓረባ ይሓልፍ፥ እቲ ወሰን ድማ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይድይብ።
7
እቲ ወሰን ከዓ ኻብ ለሰ ዓኾር ናብ ዳቤር ይድይብ፤ ከምኡ ኸዓ ናብ ሰሜን፥ ንጌልገላ ኣቢሉ ይጥምት፤ ንሱ ኸዓ ኣብ መንፅር እቲ ኣብ ወገን ደቡቡ ነቲ ሩባ ዘሎ ዓቐበት ኣዱሚም እዩ፤ እቲ ወሰን ድማ ንማይ ዔይን ሳሚስ ይሓልፍ፤ ናብ ዔንሮጌል ይወፅእ።
8
በቲ ለሰ ወዲ ሄኖም ገይሩ፥ ናብ ፀግዒ ደቡብ ናብታ ኢያቡሳውያን ዝነብርዋ ኸተማ ኢየሩሳሌም ይድይብ። ናብ ወገን ምዕራብ፥ ናብ ሰሜናይ ወሰን ለሰ ራፋይም፥ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ ቅድሚ ለሰ ሄኖም ዘሎ እምባ ይድይብ።
9
ካብ ርእሲ እቲ እምባ ኸዓ እቲ ወሰን ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶ ይበፅሕ፤ ናብ ከተማታት እምባ ዔፍሮንውን ይወፅእ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ በዓላ፥ ወይ ቂርያት የዓሪም ይበፅሕ።
10
ካብ በዓላ ንምዕራብ ድማ እቲ ወሰን ንእምባ ሴይር ይዘውር፤ ናብ ሰሜናይ ፀግዒ እምባ የዓሪም ከዓ ይሓልፍ፤ ንሱ ክሳሎን እዩ፤ ንቤትሳሜስ ወሪዱ ድማ ናብ ቲምና ይሓልፍ።
11
እቲ ወሰን ከዓ ብሰሜን ፀግዒ ኣስቀሎና ይወፅእ። እቲ ወሰንውን ናብ ሽክሮን ኣቢሉ ይዘውር፤ ብእምባ በዓላ ድማ ይሓልፍ፤ ናብ የብንኤል ይወፅእ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ይወፅእ።
12
ብወገን ምዕራብ ድማ ምስ ዓብዪ ባሕሪ ይዋሰን። ወሰን ደቂ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ብዙርያኡ እዙይ እዩ።
13
ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ማእኸል ደቂ ይሁዳ ቂርያትኣርባቅ ንእትብሃል ከተማ፥ ግደ ሃቦ፤ ኣርባቅ ኣቦ ዔናቅ ነበረ።
14
ካሌብ ድማ ንሰለስቲኦም ደቂ ዔናቅ፥ ንሴሲንን ንኣኪመንን ንተላሚንን፥ ካብ ኬብሮን ኣውፅኦም።
15
ካብ ኬብሮን ናብቶም ኣብ ዳቤር ዝነብሩ ደየበ። ዳቤር ቀደም ቅርያትሴፌር ትብሃል ነበረት።
16
ካሌብ ድማ “ነቲ ንቅርያትሴፌር ተዋጊኡ ዝሕዛ፥ ዓክሳ ጓለይ ሰበይቲ ኽትኮኖ ኽህቦ እየ” በለ።
17
ሽዑ ጎቶንያል፥ ወዲ ቄኔዝ ሓው ካሌብ፥ ሓዛ እሞ ንጓሉ ዓክሳ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ።
18
ናብ ጎቶንያል ምስ መፀት፥ ካብ ኣቦኣ ግራት ክልምን መኸረቶ፤ ካብ ኣድጋ ኸዓ ወረደት። ካሌብ ድማ “እንታይ ኴንኪ?” በላ።
19
“በረከት ሃበኒ፤ ምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ ዓይኒ ማያት ከዓ ሃበኒ” በለቶ። ንሱ ድማ ላዕለዋይ ዓይኒ ማያትን ታሕተዋይ ዓይኒ ማያትን ሃባ።
20
ደቂ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ዝተቐበልዎ ርስቲ እዙይ እዩ፦
21
እተን ብወገን ደቡብ ናብ ወሰን ኤዶምያስ ኣቢለን ኣብ ወሰን ዘለዋ ኸተማታት ነገድ ደቂ ይሁዳ እዚኣተን ነበራ፦ ቀብስኤልን ዔደርን ያጉርን፥
22
ቂናን ዲሞናን ዓድዓዳን፥
23
ቃዴስን ሓፆርን ዪትናን፥
24
ዚፍን ጤለምን በዓሎትን፥
25
ሓፆር ሓዳታን ቄርዮት ሔፅሮንን፥ ወይ ሓፆር፥
26
ኣማምን ሸማዕን ሞላዳን፥
27
ሓፃር ጋዳን ሔሽሞንን ቤትጰለጥን፥
28
ሓፃር፥ ሹዓልን ቤርሳቤህን ቢዝዮትያን፥
29
በዓላን ዒዪምን ዓፀምን፥
30
ኤል ቶላድን ኪሲልን ሔርማን፥
31
ፂቅላግን ማድማናን ሳንሳናን፥
32
ልባዎትን ሺልሂምን ዓይንን ሪሞንን። ኵለን ዕስራን ትሽዓተን ከተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታትውን ይውስኽ።
33
ኣብ ቈላ ዘለዋ ኸተማታት ድማ እዚኣተን እየን፦ ኤሽታኦልን ፆርዓን ኣሽናን፥
34
ዛኖዋን ዓይንገኒምን ታጱዋን ዓይናምን፥
35
የርሙትን ዓዶላምን ሶኰትን ዓዜቃን፥
36
ሸዓራይምን ዓዲታይምን ግዴራን ግዴሮታይምን እየን። ኵለን ዓሰርተ ኣርባዕተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ይውስኽ።
37
ፅናን ሓዳሻን ሚግዳልጋድን፥
38
ዲልዓንን ምፅጳን ዩቅትኤልን፥
39
ለኪሶንን ቦፅቃትን ኣዶላምን፥
40
ከቦንን ለሕማስን ኪትሊሽን፥
41
ግዴሮትን ቤትዳጎንን ናዕማን መቄዳን እየን። ኵለን ዓሰርተ ሽዱሽተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ይውስኽ።
42
ልብናን ዔቴርን ዓሻንን፥
43
ይፍታሕን ኣሽናን ንፂብን፥
44
ቅዒላን ኣክዚብን ማሪሳን። ኵለን ትሽዓተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቝሸታትውን ይውስኽ።
45
ኣስቀሎና ምስ ዝተዓረዱን ዘይተዓረዱን ቍሸታትን፥
46
ካብ ኣስቀሎና ጀሚሩ ኽሳዕ ዓብዪ ባሕሪ፥ ኣብ ኣዛጦን ዘለዋ ዅለን ምስ ቍሸታተን፥
47
ኣዛጦንን ምስ ዝተዓረዱን ዘይተዓረዱን ከተማታታን ቍሸታታን፥ ጋዛ ምስ ዝተዓረዱን ዘይተዓረዱን ከተማታታን ቍሸታታን ክሳዕ ፈለግ ግብፅን ክሳዕ ወሰን ዓብዪ ባሕሪን።
48
ኣብ ደጕዓ ድማ፦ ሳምር የቲርን፥
49
ሶኮ ደና ዳቤር እትበሃል ቂርያትሰና፥ ዓናብ፥
50
ኤሽትሞዓ ዓኒም፥
51
ጎሶም ሖሎን ጊሎ። ኵለን ዓሰርተ ሓደ ኸተማታትን ቍሸታትን።
52
ኣራብ ዱማ ኤሼዓን፥
53
ያኒምን ቤትታጱዋ ኣፌቃ፥
54
ሑምጣ ቂርያትኣርባቅ ወይ ኬብሮን፥ ፂዖር። ኵለን ትሽዓተ ኸተማታትን ቍሸታትን።
55
ማዖን ቀርሜሎስ ዚፍ ዩጣ ኢይዝራኤል፥
56
ዮቅድዓም ዛኖዋሕ፥
57
ቃይን ጊብዓ ተምና። ኵለን ዓሰርተ ኸተማታትን ቍሸታተንን
58
ሓልሑል ቤትፁር ግዶር፥
59
ማዓራት ቤትዓኖት ኤልትቆን። ኵለን ሽዱሽተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ድማ ቍሸታት ኣለዋ።
60
ቂርያትይዓሪም፥ ወይ ቂርያትበኣል ረባት። ክልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ኣለዋ።
61
ኣብ በረኻ ቤትዓረባ ሚዲን ስካካ፥
62
ኒብሻን ከተማ ጨው ዓይንጋዲ። ኵለን ሽዱሽተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ድማ ቝሸታት ኣለዋ።
63
ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ኢያቡሳውያን ግና፥ ደቂ ይሁዳ ኸውፅእዎም ኣይከኣሉን። ስለዙይ ኢያቡሳውያን ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ምስ ደቂ ይሁዳ ኣብ ኢየሩሳሌም ይነብሩ ኣለዉ።
← Chapter 14
Chapter 16 →