bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Joshua 11
Joshua 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢያቢስ ንጉስ ሓፆር እስራኤላውያን ከም ዝሰዓሩ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ዮባብ ንጉስ ማዶንን ናብ ንጉስ ሺምሮንን ናብ ንጉስ ኣክሻፍውን፥
2
ናብቶም ብሰሜን ኣብ ደጕዓን ኣብ ጐልጐልን፥ ብደቡብ ኪኔሬት ድማ ኣብ ቈላን፥ ኣብ ምዕራብ በረኽቲ ዶርን ናብ ዝነበሩ ነገስታት ለኣኸ።
3
ከምኡውን ብምብራቕን ብምዕራብን ናብ ዝነበሩ ከነዓናውያን፥ ኣብ ደጕዓ ናብ ዝነበሩ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ኢያቡሳውያንን ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ኣብ ምድሪ ምፅጳ ናብ ዝነበሩ ኤዋውያንን ለኣኸ።
4
ንሳቶም ከዓ ምስ ኵሎም ሰራዊቶምን ምስ ብዙሕ ፈረስን ሰረገላን መፁ። ምብዛሖም ከዓ ኸምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ነበረ።
5
እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኵሎም ተኣኪቦም ምስ እስራኤል ክዋግኡ ኣብ ማይ ማሮን መፂኦም ብሓደ ሰፈሩ።
6
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ፅባሕ ከምዛ እዋን እዚኣ፥ ኣነ ንዅሎም፥ ቅቱላት ገይረ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ እሞ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍራሕ፤ ቋንጃ ኣፍራሶም ክትበትኽ፥ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኽተንድድ ኢኻ” በሎ።
7
ኢያሱ ምስ ኵሎም ሰራዊቱ፥ ኣብ ማይ ማሮን መፂኡ፥ ብድንገት ሓደጋ ኣብፅሐሎም።
8
እግዚኣብሄር ድማ ንፀላእቶም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ሰዓርዎም፤ ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶና፥ ክሳዕ ማሴሮን፥ ብወገን ምብራቕውን ክሳዕ ለሰ ምፅጳ ኣሳጐጕዎም። ሓደ እኳ እንተየትረፉ ቐተልዎም።
9
ኢያሱ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበሮም፤ ቋንጃ ኣፍራሶም በተኸ፤ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኣንደደ።
10
ኢያሱ በታ ጊዜ እቲኣ ተመሊሱ ንሓፆር ሓዛ፤ ንንጉሳ ኸዓ ሰየፎ። ሓፆር ቀደም ንዅለን እዘን መንግስታት እዚኣተን ርእሲ ኸተማኣተን ዝነበረት እያ።
11
ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ብስሕለት ሰይፊ ወቒዖም ፈፂሞም ኣጥፍእዎም፤ እስትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣይተረፈን፤ ንሓፆርውን ብሓዊ ኣንደዳ።
12
ንሱ ንዅለን ከተማታት እዞም ነገስታት እዚኣቶምን ንዅሎም ነገስታተንን ሓዘ፤ ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ብስሕለት ሰይፊ ወቒዑ ፈፂሙ ኣጥፍኦም።
13
ብዘይ እታ ኢያሱ ዘንደዳ ሓፆር፥ ደቂ እስራኤል ነተን ኣብ ደጕዓ ዝነበራ ኸተማታት ኣየንደድወንን።
14
ደቂ እስራኤል ንዅሉ ናይዘን ከተማታት እዚኣተን ምርኮን እንስሳን ንባዕላቶም ገበርዎ፤ ንዅሉ ሰብ ግና ኽሳዕ ዘጥፍእዎም ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም፤ እስትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣየትረፉን።
15
ከምቲ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ከምኡ ሙሴ ንኢያሱ ኣዘዞ፤ ኢያሱውን ከምኡ ገበረ። ንሱ ኻብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ሓደ ነገር እኳ ኣየትረፈን።
16
ኢያሱ ኸዓ ንዅላ እታ ሃገር፥ ምድሪ ደጕዓን ኵሉ ደቡብን ኵላ ምድሪ ጎሶምን ቈላን ጐልጐልን እምባታት እስራኤልን ቈላኡን ሓዘ።
17
ካብቲ ናብ ሴይር ዘድይብ እምባ ሃላቅ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ዘሎ በዓልጋድ ሓዘ። ንዅሎም ነገስታቶም ሒዙ ድማ ቐተሎም።
18
ኢያሱ ምስ እዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶም ነዊሕ እዋን ተዋግአ።
19
ብዘይ እቶም ኣብ ገባዖን ዝነብሩ ኤዊያውያን ምስ እስራኤል ሰላም ዝገበረት ከተማ ኣይነበረትን። ንዅለን ተዋጊኦም እዮም ዝሓዝወን።
20
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ምእንቲ ፈፂሙ ኸጥፍኦም እምበር ምሕረት ምእንቲ ኸይረኽቡ፥ ምስ ደቂ እስራኤል ክዋግኡ እግዚኣብሄር ልቦም ኣትረረ።
21
በታ ጊዜ እቲኣ ኢያሱ መፂኡ ነቶም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ደቂ ዔናቅ፥ ካብ ኬብሮን፥ ካብ ዳቤር፥ ካብ ዓናብ፥ ካብ ዅሉ ደጕዓ ይሁዳን ካብ ኵሉ ደጕዓ እስራኤልን ኣጥፍኦም። ኢያሱ ንኣኣቶምን ንኸተማኣቶምን ፈፂሙ ኣጥፍኦም።
22
ኣብ ምድሪ ደቂ እስራኤል ካብ ዔናቃውያን ሓደ እኳ ኣየትረፈን። ኣብ ጋዛን ኣብ ጌትን ኣብ ኣዛጦንን ግና ቑሩብ ተሪፎም ነበሩ።
23
ከምኡ ድማ ኢያሱ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንዅላ እታ ሃገር ሓዛ፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኸከም ክፍሎምን ከከም ነገዶምን ርስቲ ሃቦም። እታ ሃገር ከዓ ኻብ ውግእ ኣዕረፈት።
← Chapter 10
Chapter 12 →