bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
John 9
John 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ ብመንገዲ ኽሓልፍ እንተሎ ዕዉር ኮይኑ ዝተወለደ ሓደ ሰብ ረአየ።
2
ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ “መምህር፥ እዝ ሰብ እዙይ ዕዉር ኮይኑ ዝተወለደ፥ ብናይ መን ሓጢኣት እዩ? ብናይ ባዕሉ ድዩ ወይ ብናይ ወለዱ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
3
ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ግብሪ እግዚኣብሄር ኣብኡ ምእንቲ ኽግለፅ ደኣ እምበር፥ ብናይ ባዕሉ ወይ ብናይ ወለዱ ሓጢኣት ኣይኮነን።
4
ሓደኳ ኽሰርሐላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመፅእ ኣላ እሞ፥ መዓልቲ እንተላ፥ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽሰርሕ ይግብአኒ እዩ።
5
ኣብ ዓለም እንተለኹ፥ ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ።”
6
እዙይ ኢሉ ናብ ምድሪ እንትፍ በለ፤ በቲ ምራቑውን ፀብሪ ገበረ፤ በቲ ፀብሪ ኸዓ፥ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ቀብአ እሞ፥
7
“ኬድካ ኣብ ቃላይ ሰሊሆም ተሓፀብ” በሎ። ሰሊሆም ማለት “ዝተልኣኸ” ማለት እዩ። ንሱውን ከይዱ ተሓፀበ እሞ፥ እናረአየ ተመለሰ።
8
እቶም ጐረባብቱን እቶም ቅድም እንትልምን ዝሪእዎ ዝነበሩን “እዙይ ደኣ እቲ ኣብ መንገዲ ተቐሚጡ ዝልምን ዝነበረዶ ኣይኮነን?” በሉ።
9
ገሊኣቶም “ንሱ እዩ” በሉ፤ ገሊኣቶም ከዓ “ንእኡ ደኣ እዩ ዝመስል እምበር፥ ንሱ ኣይኮነን” በሉ፤ ንሱ ግና “ኣነ እየ” በለ።
10
ስለዙይ ንሳቶም “ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፈታ?” በልዎ።
11
ንሱ ኸዓ “ኢየሱስ ዝበሃል ሰብ ፀብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ቀቢኡ፥ ‘ናብ ሰሊሆም ኪድ እሞ ተሓፀብ’ በለኒ፤ ከይደ ምስ ተሓፀብኩ ድማ ረአኹ” ኢሉ መለሰሎም።
12
ንሳቶም ከዓ “እቲ ሰብኣይ እቱይከ ኣበይ ኣሎ?” በልዎ፤ ንሱ ድማ “ኣይፈልጥን” በሎም።
13
ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ።
14
እታ ኢየሱስ ፀብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ ኸዓ፥ ሰንበት ነበረት።
15
ስለዙይ ፈሪሳውያን ከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየ መሊሶም ጠየቕዎ። ንሱ ድማ “ፀብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገበረለይ፤ ተሓፀብኩ እሞ ረአኹ” በሎም።
16
ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ገሊኣቶም “እዝ ሰብኣይ እዙይ ሰንበት ስለ ዘየኽብር ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን” በሉ፤ ካልኦት ድማ “ሓጢኣተኛ ሰብ ደኣ፥ ከመይ ገይሩ ኸምዙይ ዝበለ ተኣምራት ክገብር ይኽእል?” በሉ። ኣብ መንጎኣቶም ከዓ ምፍልላይ ኮነ።
17
ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር “ንስኻኸ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፥ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል?” በልዎ፤ ንሱ ድማ “ነቢይ እዩ” በሎም።
18
እቶም ኣይሁድ ግና፥ ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ ዝተኸፈታሉ ሰብ ክሳዕ ዝፅውዑ፥ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረአየ ኣይኣመንዎን ነበሩ።
19
ስለዙይ “እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኹም እዙይ ድዩ? ሕዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኽርኢ ኸኣለ?” ኢሎም ጠየቕዎም።
20
እቶም ወለዱ ድማ “እዙይ ወድና ኸም ዝኾነን፥ ብዕዉሩ ኸም ዝተወለደን ንፈልጥ።
21
ሕዚ ግና ኸመይ ኢሉ ኽርኢ ኸም ዝኸኣለ ኣይንፈልጥን፤ ኣዒንቱውን መን ከም ዝኸፈተሉ ኣይንፈልጥን፤ ንእኡ ጠይቕዎ፤ ንሱ ዓብዪ እዩ፤ ብዛዕባ ርእሱ ባዕሉ ኽዛረብ ይኽእል እዩ” ኢሎም መለሱ።
22
እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ እዮም እዙይ ዝበሉ። ኣይሁድ “ንሱ ክርስቶስ እዩ” ኢሉ ንዝመስከረ ኻብ ቤተ ፀሎቶም ክሰጕዎ ተሰማሚዖም ነበሩሞ።
23
ስለዙይ እዮም እቶም ወለዱ “ንሱ ዓብዪ እዩ እሞ፥ ጠይቕዎ” ዝበሉ።
24
ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ፥ ካልኣይ ጊዜ ፀዊዖም “ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃብ፤ ንሕና እዝ ሰብኣይ እዙይ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ኢና እንፈልጥ” በልዎ።
25
ንሱ ድማ መሊሱ “ኣነስ ሓጥእ ከም ዝኾነ ኣይፈልጥን፤ ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕዚ ግና፥ እርኢ ኸም ዘለኹን፥ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ” በሎም።
26
ንሳቶም ከዓ “እንታይከ ገበረልካ? ኸመይ ገይሩኸ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ?” በልዎ።
27
ንሱ ድማ “ቅድሚ ሕዚ ነጊረኩም ኣይሰማዕኹምን፤ ንምንታይ መሊስኩም ክትሰምዑ ትደልዩ ኣለኹም? ንስኻትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኮኑ ትደልዩ ኢኹም?” በሎም።
28
ንሳቶም ድማ ፀረፍዎ “ደቀ መዝሙሩስ ንስኻ ኢኻ፤ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና።
29
ንሕናስ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸም ዝተናገሮ ንፈልጥ ኢና፤ እዝ ሰብ እዙይ ግና፥ ካበይ ከም ዝኾነ ኣይንፈልጥን ኢና” በልዎ።
30
እቲ ሰብኣይ ከዓ “ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ዘገርም እዩ፤ ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ።
31
እግዚኣብሄር፥ ንዝፈርሖን ፍቓዱ ንዝፍፅምን እዩ ዝሰምዕ እምበር፥ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም ንፈልጥ ኢና።
32
ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ብዕዉሩ ንዝተወለደ ሰብ፥ ኣዒንቱ ኸፊቱሉ ዝበሃል ከቶ ኣይተሰምዐን።
33
እዝ ሰብ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር እንተ ዘይኸውን፥ ሓደኳ ኽገብር ኣይምኸኣለን ነይሩ” ኢሉ መለሰሎም።
34
ንሳቶም ከዓ “ንስኻ ኵለንትናኻ ብሓጢኣት ዝተወለድካ እንተለኻስ ንኣና ኽትምህረና?” ኢሎም ናብ ወፃኢ ኣውፅእዎ።
35
ኢየሱስ ናብ ወፃኢ ኸም ዘውፅእዎ ሰምዐ፤ ምስ ረኸቦ ድማ “ንስኻ ብወዲ እግዚኣብሄርዶ ተኣምን ኢኻ?” በሎ።
36
ንሱ ኸዓ “ጐይታይ፥ ብእኡ ኽኣምንስ መን እዩ ንሱ?” ኢሉ መለሰ።
37
ኢየሱስ ድማ “ርኢኻዮ ኣለኻ፤ ሕዚ እውን ምሳኻ ዝዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ” በሎ።
38
ንሱ ኸዓ “ጐይታ፥ እኣምን እየ” ኢሉ ሰገደሉ።
39
ኢየሱስ ድማ “ኣነ እቶም ዘይሪኡ ምእንቲ ኽሪኡ፥ እቶም ዝሪኡ ኸዓ ምእንቲ ኽዓውሩ፥ ንፍርዲ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ መፂአ ዘለኹ” በለ።
40
ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ገሊኣቶም ነዙይ ሰሚዖም “ንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲና?” በልዎ።
41
ኢየሱስ ድማ “ዕዉራት እንተ እትኾኑስ፥ ሓጢኣት ኣይምኾነኩምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ‘ንርኢ ኢና’ ትብሉ ስለ ዘለኹም፥ ሓጢኣትኩም ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ” በሎም።
← Chapter 8
Chapter 10 →