bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
John 10
John 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብበሪ ዘይኣቱ፥ ብኻልእ ወገን ደዪቡ ዝኣቱ፥ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን እዩ።
2
እቲ ብበሪ ዝኣቱ ግና፥ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ።
3
ንእኡ እቲ ሓላዊ በሪ ይኸፍተሉ፤ እተን ኣባጊዕውን ድምፁ ይሰምዓ፤ ነተን ኣባጊዑ ኸዓ፥ በብስመን ፀዊዑ የውፅአን።
4
ንኹለን ነተን ኣባጊዑ ምስ ኣውፅአን ድማ፥ ቀቅድሚአን ይኸይድ፤ እተን ኣባጊዑውን ድምፁ ስለ ዝፈልጣ ይስዕባኦ።
5
ነቲ ኻልእ ግና ድምፁ ስለ ዘይፈልጣ፥ ካብኡ ይሃድማ እምበር፥ ኣይስዕባኦን እየን።”
6
ኢየሱስ ነዝ ምስላ እዙይ መሰለሎም፤ ንሳቶም ግና ነቲ ዝተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን።
7
ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ በሪ ኣባጊዕ ኣነ እየ።
8
እቶም ቅድመይ ዝመፁ ዅላቶም፥ ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፤ ግና እተን ኣባጊዕ ኣይሰምዓኦምን።
9
እቲ በሪ ኣነ እየ፤ ብኣይ ዝኣቱ ኽድሕን እዩ፤ ክኣቱን ክወፅእን እዩ፤ መውፈሪውን ክረክብ እዩ።
10
እቲ ሰራቒ ግና፥ ክሰርቕን ክቐትልን ከጥፍእን እንተ ዘይኮይኑ ኣይመፅእን እዩ፤ ኣነ ግና፥ ህይወት ምእንቲ ኽረኽቡን ኽበዝሐሎምን እየ ዝመፃእኹ።
11
“ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ እቲ ሕያዋይ ጓሳ፥ ህይወቱ ቤዛ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ።
12
እቲ ጓሳ ዘይኮነ ዕሱብ ግና፥ እተን ኣባጊዕ ዘይጥሪቱ ስለ ዝኾና፥ ተዅላ ኽመፅእ እንተ ረአየ፥ ነተን ኣባጊዕ ሓዲጉወን ይሃድም፤ እቲ ተዅላ ድማ፥ ነተን ኣባጊዕ ይምንጥለን ይብትነንውን።
13
ዕሱብ ስለ ዝኾነ ኸዓ ይሃድም፤ ብዛዕባ እተን ኣባጊዕውን ግዲ የብሉን።
14
ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ ኣብ፥ ነኣይ ከም ዝፈልጠኒ፥ ኣነውን ንኣብ ከም ዝፈልጦ፥ ነባጊዐይ እፈልጠን እየ፤ እተን ኣባጊዐይውን ይፈልጣኒ እየን፤ ንነፍሰይ ከዓ ቤዛ እተን ኣባጊዕ ኣሕልፋ።
16
ካብዝ መጓሰ እዙይ ዘይኮና፥ ካልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ፤ ንኣኣተን ድማ ኸምፅአን እየ፤ ቃለይውን ክሰምዓ እየን፤ ሓደ መጓሰውን ክኾና፥ ጓሳአንውን ሓደ ክኸውን እዩ።
17
መሊሰ ንኽወስዳ ንነፍሰይ ቤዛ ኣሕሊፈ ዝህባ ስለ ዝኾንኩ፥ ኣብ የፍቅረኒ እዩ።
18
ባዕለይ እየ ቤዛ ኣሕሊፈ ዝህባ እምበር፥ ካባይ ዝወስዳስ ሓደኳ የለን፤ ቤዛ ኸሕልፋ፥ መሊሰውን ክወስዳ ስልጣን ኣለኒ፤ ነዝ ትእዛዝ እዙይ፥ ካብ ኣቦይ እየ ዝተቐበልክዎ።”
19
ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ድማ፥ ኣብ ማእኸል ኣይሁድ መሊሱ ምፍልላይ ኮነ።
20
ሽዑ ኻብኣቶም ብዙሓት “ጋኔን ሒዝዎ እዩ፤ ዓቢዱውን እዩ፤ ንምንታይ ኢኹም እትሰምዕዎ?” በሉ።
21
ካልኦት ግና “እዙይ ጋኔን ናይ ዝሓደሮ ሰብ ዘረባ ኣይኮነን፤ ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ክኸፍት ይኽእል እዩ?” በሉ።
22
ሽዑ ኣብ ኢየሩሳሌም በዓል ምሕዳስ ህንፃ ቤተ መቕደስ ኮነ፤ ጊዜኡ ኸዓ ኽረምቲ ነበረ።
23
ኢየሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ።
24
ሽዑ ኣይሁድ ከበብዎ እሞ “ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ጥርጥር እተንብረና? ንስኻ ክርስቶስ እንተ ደኣ ዄንካ ኣግሂድካ ንገረና” በልዎ።
25
ኢየሱስ ድማ “ነጊረኩም ኣይኣመንኩምንን፤ ንኣይ ዝምስክረለይ፥ እዝ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት እዩ።
26
ንስኻትኩም ግና ኸምቲ ዝበልኩኹም፥ ካብተን ኣባጊዐይ ስለ ዘይኮንኩም ኣይትኣምኑን ኢኹም።
27
እተን ኣባጊዐይ ግና፥ ድምፀይ ይሰምዓ እየን፤ ኣነ ኸዓ እፈልጠን እየ፤ ንሳተንውን ይስዕባኒ።
28
ኣነ ኸዓ ናይ ዘለኣለም ህይወት እህበን፤ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፤ ካብ ኢደይውን ዘሕድገን ሓደኳ የለን።
29
እቲ ንኣኣተን ዝሃበኒ ኣቦይ፥ ካብ ኵሉ ይዓቢ እዩ እሞ፥ ካብ ኢድ ኣቦይ ከሕድገን ዝኽእል ሓደኳ የለን።
30
ኣነን ኣብን ሓደ ኢና” ኢሉ መለሰሎም።
31
ሽዑ ኣይሁድ ክቕጥቅጥዎ መሊሶም እምኒ ኣልዓሉ።
32
ኢየሱስ ድማ “ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኣኹኹም፤ ካብኣተን በየነይቲ ግብሪ ኢኹም፥ ብእምኒ ኽትቅጥቅጡኒ ትደልዩ ዘለኹም?” በሎም።
33
ኣይሁድ ከዓ “ብእምኒ እንቕጥቅጠካ፥ ብምፅራፍካን ሰብ እንተለኻ ንባዕልኻ ኣምላኽ ብምግባርካን ኢና እምበር፥ በቲ ፅቡቕ ግብርታትካ ኣይኮነን” ኢሎም መለሱሉ።
34
ኢየሱስ ድማ “ኣብ ሕግኹም ‘ኣነ፥ ኣማልኽቲ ኢኹም፥ በልኩ’ ዝብል ፅሑፍዶ የለን እዩ?
35
እቲ ፅሑፍ ክሰዓር ኣይኽእልን እዩ። ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመፀሎም ‘ኣማልኽቲ’ ኻብ በሎም፥
36
ነቲ ኣብ፥ ዝቐደሶ፥ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ደኣ ‘ወዲ እግዚኣብሄር እየ’ ስለ ዝበልኩኹም፥ ከመይ ኢልኩም ‘ንእግዚኣብሄር ትፃረፍ ኣለኻ’ ትብሉኒ ኣለኹም?
37
ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ ኣይትእመኑኒ።
38
ዝገብሮ እንተ ደኣ ኾይነ ግና፥ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩም፥ ኣብ፥ ኣባይ ምህላዉ፥ ኣነውን ኣብ ኣብ፥ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ክተስተውዕሉን፥ ነቲ ግብረይ እመንዎ” ኢሉ መለሰሎም።
39
መሊሶም ድማ ኽሕዝዎ ደለዩ፤ ንሱ ግና ኻብ ኣእዳዎም ኣምለጠ።
40
መሊሱ ናብታ ዮሃንስ ቀደም ዘጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ፥ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ፤ ኣብኣውን ተቐመጠ።
41
ብዙሓት ድማ ናብኡ መፂኦም “ዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን፤ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባ እዝ ሰብ እዙይ ዝተዛረቦ ግና ሓቂ ኾነ” በሉ።
42
ኣብኡውን ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ።
← Chapter 9
Chapter 11 →