bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
John 8
John 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስውን ናብ ደብረ ዘይት ኸደ።
2
ምድሪ ምስ ወግሐ ኸዓ፥ ኣንጊሁ ናብ ቤተ መቕደስ ተመሊሱ መፀ። ኵሉ ህዝቢ እውን ናብኡ ተኣከበ፤ ተቐሚጡ ድማ ይምህሮም ነበረ።
3
መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ፥ እንትትዝሙ ዝተረኽበት ሰበይቲ፥ ናብኡ ኣምፂኦም ኣብ ማእኸል ደው ኣቢሎም፥
4
“መምህር፥ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ እንተላ ተትሒዛ፤
5
ከምዚኣ ዝበለት ከዓ፥ ብእምኒ ተቐጥቂጣ ኽትቅተል፥ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙ እዩ፤ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል?” በልዎ።
6
እዙይ ኢሎም ዝፈተንዎ፥ ምኽንያት መኽሰሲ ምእንቲ ኽረኽቡሉ ኢሎም እዮም። ኢየሱስ ግና ድንን ኢሉ፥ በፃብዕቱ ኣብ ምድሪ ኽፅሕፍ ጀመረ።
7
ደጋጊሞም ምስ ጠየቕዎ ኸዓ፥ ቅንዕ ኢሉ “ካባኻትኩም ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ኣቐዲሙ ብእምኒ ይውቀዓያ” በሎም።
8
መሊሱውን ደኒኑ በፃብዕቱ ኣብ ምድሪ ፀሓፈ።
9
ንሳቶም ግና እዙይ ምስ ሰምዑ ሕሊናኦም ወቒስዎም፥ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕረዎት ኵሎም በብሓደ ወፁ። ኢየሱስ በይኑ ተረፈ፤ እታ ሰበይቲውን ኣብ ማእኸል ደው ኢላ ነበረት።
10
ኢየሱስ ከዓ ቕንዕ ኢሉ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ዝፈረደኪዶ የለን?” በላ።
11
ንሳ ኸዓ “ሓደኳ የለን፥ ጐይታይ” በለቶ። ኢየሱስ ድማ “ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፤ ኪዲ እሞ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበሪ” በላ።
12
ኢየሱስ መሊሱ “ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ፤ እቲ ዝኽተለኒ ኸዓ ብርሃን ህይወት ይረክብ እምበር፥ ብፀልማት ኣይኸይድን እዩ” እናበለ ተዛረቦም።
13
ፈሪሳውያን ከዓ “ንስኻ ንባዕልኻ ትምስክር ኣለኻ፤ ስለዙይ ምስክርነትካ ሓቂ ኣይኮነን” በልዎ።
14
ኢየሱስ ድማ “ኣነ ንባዕለይ እኳ እንተ መስከርኩ፥ ካበይ ከም ዝመፃእኹ፥ ናበይውን ከም ዝኸይድ እፈልጥ እየ እሞ፥ ምስክርነተይ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ኻበይ ከም ዝመፃእኹ፥ ናበይውን ከም ዝኸይድ ኣይትፈልጡን ኢኹም።
15
ንስኻትኩም ስጋዊ ፍርዲ ኢኹም እትፈርዱ ዘለኹም፤ ኣነ ግና ንሓደኳ ኣይፈርድን እየ።
16
ኣነን እቲ ዝለኣኸኒ ኣብን ኢና እምበር፥ በይነይ ኣይኮንኩን እሞ፥ ኣነ እንተ ፈረድኩ ፍርደይ ሓቂ እዩ።
17
ምስክር ክልተ ሰብ፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ፥ ኣብ ሕግኹም ተፅሒፉ እዩ።
18
ኣነ ንባዕለይ ምስክር እየ፤ እቲ ዝለኣኸኒ ኣብውን ምስክረይ እዩ” በሎም።
19
ንሳቶም ከዓ “ኣቦኻኸ ኣበይ ኣሎ?” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ንኣይ ኮነ ነቦይ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ ንኣይ እንተ እትፈልጡንስ፥ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም” ኢሉ መለሰ።
20
ነዝ ነገራት እዙይ፥ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ጥቓ መቐበሊ ምፅዋት ኮይኑ ኽምህር እንተሎ እዩ ዝተዛረቦ። ጊዜኡ ስለ ዘይበፅሐ ግና፥ ሓደኳ ዝሓዞ ኣይነበረን።
21
ኢየሱስ መሊሱ “ኣነ እኸይድ ኣለኹ፤ ክትደልዩኒ ኢኹም፤ እንተ ኾነ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም። ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፥ ንስኻትኩም ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም።
22
ሽዑ ኣይሁድ “‘ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፥ ንስኻትኩም ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ምባሉስ፥ ንባዕሉ ደኾን ባዕሉ ኽቐትል ደልዩ?” በሉ።
23
ኢየሱስ ድማ “ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፤ ኣነ ግና ኻብ ላዕሊ እየ፤ ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፤ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮንኩን።
24
ስለዙይ ከዓ እየ፥ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም ዝበልኩኹም። ኣነ ንሱ ምዃነይ እንተ ዘይኣሚንኩም፥ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም” በሎም።
25
ሽዑ ንሳቶም “ንስኻ መን ኢኻ?” በልዎ፤ ኢየሱስ ድማ “ኣነ እቲ ኻብ መጀመርታ ሒዘ ዝነገርኩኹም እየ።
26
ብዛዕባኻትኹም ብዙሕ ዝዛረቦን ዝፈርዶን ኣለኒ፤ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፤ ኣነውን ነቲ ኻብኡ ዝሰማዕኽዎ፥ ንዓለም እነግር ኣለኹ” በሎም።
27
ንሳቶም ግና ብዛዕባ ኣብ፥ ከም ዝተዛረቦም ኣይፈለጡን።
28
ስለዙይ ኢየሱስ “ንወዲ ሰብ ልዕል ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፥ ኣነ ንሱ ኸም ዝኾንኩን፥ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ኸም ዝገብርን እምበር፥ ካብ ርእሰይ ሓንቲኳ ኸም ዘይገብር፥ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም።
29
እቲ ዝለኣኸኒ ምሳይ ኣሎ፤ ኵልሻዕ ደስ ዘብሎ ስለ ዝገብር ድማ፥ ኣብ በይነይ ኣይሓድገንን እዩ” በሎም።
30
ንሱ ነዙይ ምስ ተዛረበ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ።
31
ስለዙይ ኢየሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ “ንስኻትኩም ብቓለይ እንተ ፀኒዕኹም፥ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም።
32
ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፤ እታ ሓቂውን፥ ሓራ ኽተውፅአኩም እያ” በሎም።
33
ንሳቶም ከዓ “ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፤ ንዝኾነ ባሮት ኴንና ኣይንፈልጥን። ከመይ ኢልካ ደኣ፥ ሓራ ኽትወፁ ኢኹም ትብለና ዘለኻ?” ኢሎም መለሱሉ።
34
ኢየሱስ ድማ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኵሉ ሓጢኣት ዝገብር፥ ንሱ ናይ ሓጢኣት ባርያ እዩ።
35
ባርያ ኣብ ቤት ንዅልሻዕ ኣይነብርን እዩ። ውሉድ ግና ንዅሉ ጊዜ ኣብኡ ነባሪ እዩ።
36
ወልድ ሓራ እንተ ኣውፂኡኩም፥ ብሓቂ ሓራ ዝወፃእኹም ክትኮኑ ኢኹም።
37
ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምስ እፈልጥ እየ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይሓደረ ግና፥ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም።
38
ኣነ ነቲ ኻብ ኣቦይ ዝረአኽዎ እዛረብ ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ከዓ ነቲ ኻብ ኣቦኻትኩም ዝረአኹምዎ ትገብሩ ኣለኹም” በሎም።
39
ንሳቶም ድማ “ንኣናስ ኣቦና ኣብርሃም እዩ” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ከዓ “ውሉድ ኣብርሃም እንተ እትኾኑስ፥ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም።
40
ሕዚ ግና ካብ እግዚኣብሄር ዝሰማዕኽዎ ሓቂ ንዝነግረኩም፥ ነኣይ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም፤ ኣብርሃምስ ከምዙይ ኣይገበረን።
41
ንስኻትኩም ግና ግብሪ ኣቦኻትኩም ትገብሩ ኣለኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ንሕናስ ብዝሙት ዝተወለድና ኣይኮንናን። ሓደ ኣቦ ኣለና፤ ንሱ ኸዓ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ።
42
ኢየሱስ ከዓ “ኣነ ኻብ እግዚኣብሄር እየ ዝወፃእኹን ዝመፃእኹን፤ ንሱ ልኢኹኒ እምበር፥ ባዕለይ ኣይመፃእኹን፤ ስለዙይ ኣቦኻትኩም እግዚኣብሄር እንተ ዝኸውንስ፥ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም።
43
ስለ ምንታይ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉ? ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይከኣልኩም እዩ።
44
ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኻትኩም ዲያብሎስ ኢኹም፤ ድልየት እቲ ኣቦኻትኩም ክትገብሩ ኢኹምውን እትደልዩ ዘለኹም፤ ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታሊ ነፍሲ እዩ፤ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየለ፥ ኣብ ሓቂ ኣይፀንዕን እዩ። ሓሳዊ፥ ኣቦ ሓሰትውን ስለ ዝኾነ፥ ሓሰት ክዛረብ እንተሎ ኻብ ባዕሉ እዩ ዝዛረብ።
45
ኣነ ሓቂ ስለ ዝዛረብ ግና ኣይትኣምኑንን።
46
ካባኻትኩም፥ ብዛዕባ ሓጢኣት ክወቕሰኒ ዝኽእልከ መን ኣሎ? ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኮንኩኸ ስለ ምንታይ ዘይትኣምኑኒ?
47
እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ቃል እግዚኣብሄር እዩ ዝሰምዕ። ንስኻትኩም ግና፥ ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዘይኮንኩም ኣይትሰምዑን።”
48
ኣይሁድ ከዓ “ሳምራዊ ኢኻ፤ ጋኔንውን ኣለካ ምባልናስ ሓቂዶ ኣይኮነን?” ኢሎም መለሱሉ።
49
ሽዑ ኢየሱስ “ኣነስ ነቦይ ደኣ ኣኽብሮ ኣለኹ እምበር፥ ጋኔንስ የብለይን። ንስኻትኩም ግና ተቃልሉኒ ኣለኹም።
50
ኣነ ኽብሪ ርእሰይ ኣይደልን እየ፤ እቲ ዝደልን ዝፈርድን ግና ኣሎ።
51
ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ቃለይ ዝሕሉ ንዘለኣለም ፈፂሙ ኣይመውትን” በሎም።
52
ኣይሁድ ድማ “ሕዝስ ጋኔን ከም ዘለካ ፈሊጥና፤ ኣብርሃም እኳ ሞይቱ፤ ነቢያትውን ሞይቶም፤ ንስኻ ግና ‘ቃለይ ዝሕሉ ንዘለኣለም ኣይመውትን’ ትብል ኣለኻ።
53
ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ፥ ንስኻ ትዓቢ ኢኻ? ነቢያትውን ሞይቶም እዮም፤ ንባዕልኻ መን እየ ትብል ኣለኻ?” በልዎ።
54
ኢየሱስ ከዓ “ኣነ ንባዕለይ እንተ ኣኽበርኩ ኽብረተይ ከንቱ እዩ፤ ዘኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ።
55
ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፤ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ በልኩ ከዓ፥ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምኾንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ፥ ቃሉውን እሕሉ እየ።
56
ኣቦኻትኩም ኣብርሃም፥ መዓልተይ ክርኢ ተሓጐሰ፤ ሪኡ ኸዓ ደስ በሎ” ኢሉ መለሰሎም።
57
ኣይሁድ ድማ “ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፥ ንኣብርሃም ሪአዮ ትብል ኣለኻ?” በልዎ።
58
ኢየሱስ ከዓ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኣብርሃም እንተይተወለደ ‘ኣነ ነይረ እየ’ ” በሎም።
59
ሽዑ ኽወቕዕዎ እምኒ ኣልዓሉ፤ ኢየሱስ ግና ተሰወረ። ካብ ቤተ መቕደስ ወፂኡውን ብማእኸሎም ሓሊፉ ኸደ።
← Chapter 7
Chapter 9 →