bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
John 7
John 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝነብሩ ኣይሁድ፥ ክቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፥ ናብ ምድሪ ይሁዳ ክኸይድ ኣይደለየን፤ እንተ ኾነ ኣብ ገሊላ ይመላለስ ነበረ።
2
ሽዑ ናይ ኣይሁድ ናይ ዳስ በዓል ቀሪቡ ነበረ።
3
ኣሕዋቱ ድማ “ደቀ መዛሙርትኻ ነዝ እትገብሮ ምእንቲ ኽሪኡስ ካብዙይ ወፂእኻ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ።
4
ብገሃድ ክፍለጥ እናደለየ ብሕቡእ ዝገብር የለንሞ፥ እዙይ እትገብር እንተ ደኣ ዄንካ፥ ንባዕልኻ ንዓለም ግለፅ” በልዎ።
5
ኣሕዋቱ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩሞ።
6
ኢየሱስ ድማ “ጊዜይ ገና ኣይበፅሐን፤ ጊዜኹም ግና፥ ኵልሻዕ ድልዊ እዩ።
7
ዓለም ንኣኻትኩም ክፀልእ ኣይኽእልን እዩ፤ ንኣይ ግና፥ ግብሩ ኽፉእ ከም ዝኾነ ስለ ዝምስክረሉ ይፀልአኒ እዩ።
8
ንስኻትኩም ናብቲ በዓል ደይቡ፤ ኣነ ግና፥ ጊዜይ ገና ስለ ዘይበፅሐ፥ ናብዝ በዓል እዙይ ኣይድይብን እየ” በሎም።
9
እዙይ ምስ በሎም ኣብ ገሊላ ተረፈ።
10
እቶም ኣሕዋቱ ናብቲ በዓል ምስ ደየቡ፥ ንሱ ኸዓ ብገሃድ ዘይኮነስ ብሕቡእ ደየበ።
11
ኣይሁድ ግና በቲ በዓል “ኣበይ ኣሎ?” እናበሉ ይደልይዎ ነበሩ።
12
ኣብ መንጎ እቶም ህዝቢ ኸዓ፥ ብዛዕባኡ ብርቱዕ ምጕርምራም ኮነ፤ ገሊኣቶም “ሕያዋይ እዩ” ገሊኣቶም ድማ “ንህዝቢ እባ ደኣ የስሕት ኣሎ” ይብሉ ነበሩ።
13
ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ ግና፥ ሓደኳ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ ዝተዛረበ ኣይነበረን።
14
ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል ከዓ፥ ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ደዪቡ ኽምህር ጀመረ።
15
ስለዙይ ኣይሁድ “እዙይ እንተይተምሃረ፥ ከመይ ገይሩ እዩ መፃሕፍቲ ዝፈልጥ?” እናበሉ ተገረሙ።
16
ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ትምህርተይስ፥ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፥ ናተይ ኣይኮነን።
17
ፍቓዱ ኽገብር ዝደሊ እንተ ሃልዩ፥ ትምህርተይ ካብ እግዚኣብሄር እምበር፥ ካባይ ከም ዘይኮነ ኽፈልጥ ይኽእል እዩ።
18
እቲ ኻብ ርእሱ ዝዛረብ፥ ክብሪ ርእሱ እዩ ዝደሊ፤ እቲ ናይቲ ዝለኣኾ ኽብሪ ዝደሊ ግና፥ ንሱ ሓቀኛ እዩ፤ ኣብኡ ኸዓ ዓመፅ የለን።
19
ሙሴዶ ሕጊ ሂቡኩም ኣይነበረን? ካባኻትኩም ግና፥ ሓደኳ ነቲ ሕጊ ዝፍፅሞ የለን። ንምንታይ ደኣ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም?”
20
እቶም ህዝቢ ኸዓ “ጋኔን ኣለካ፤ መን እዩ ኽቐትለካ ዝደሊ?” ኢሎም መለሱሉ።
21
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሓደ ግብሪ ገበርኩ፤ ንዅልኻትኩም ድማ ኣገረመኩም።
22
ስለዙይ ሙሴ ግርዘት ሰርዐልኩም፤ እዙይ ድማ ኻብ ኣቦታት እዩ እምበር፥ ካብ ሙሴ ኣይነበረን፤ ንሰብውን ብሰንበት ትገርዝዎ።
23
እቲ ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይጠሓስ፥ ሰብ ብሰንበት ዝግረዝ ካብ ኮነ፥ ኣነ ንሰብ ኵለንትናኡ ብሰንበት እንተ ኣሕወኹዎ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ትነቕፉኒ?
24
ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፥ ገፅ ርኢኹም ኣይትፍረዱ።”
25
ሓድሓደ ኻብ ሰብ ኢየሩሳሌም ድማ “እቲ ኽቐትልዎ ዝደልዩስ እዙይዶ ኣይኮነን?
26
እንሆ ንሱ ብገሃድ ይዛረብ ኣሎ፤ ንሳቶምውን ገለ እኳ ኣይበልዎን፤ እዞም ኣሕሉቕ፥ ንሱ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ብሓቂ ፈሊጦም ደኾን ኮይኖም?
27
ግና እዝ ሰብኣይ እዙይ ካበይ ከም ዝኾነ ንፈልጦ ኢና፤ ክርስቶስ ክመፅእ እንተሎ ግና፥ ካበይ ከም ዝኾነ ዝፈልጥ ሓደኳ የለን” በሉ።
28
ኢየሱስ ከዓ ኣብ ቤተ መቕደስ ክምህር እንተሎ ዓው ኢሉ “ንኣይ ትፈልጡኒ ኢኹም፤ ካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም፤ ኣነ ብባዕለይ ኣይመፃእኹን፤ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፤ ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም።
29
ኣነ ግና ኻብኡ እየ፤ ንሱ ስለ ዝለኣኸኒ እውን እፈልጦ እየ” በለ።
30
ስለዙይ ክሕዝዎ ደለዩ፤ ጊዜኡ ስለ ዘይበፅሐ ግና፥ ሓደኳ ኣይሓዞን።
31
ካብቶም ህዝቢ ኸዓ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ እሞ “ክርስቶስ ምስ መፀኸ፥ ካብዝ ንሱ ዝገብሮ ዘሎ ተኣምራት ዝበዝሕዶ ኽገብር እዩ?” በሉ።
32
ፈሪሳውያን ድማ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ፥ ከምዙይ ኢሎም ከም ዘጕረምረሙ ምስ ሰምዑ፥ ምስ ሊቃነ ካህናት ኮይኖም ክሕዝዎ ሓሻኽሮም ለኣኹ።
33
ሽዑ ኢየሱስ “ገና ቑሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣለኹ፤ ድሕሪዙይ ናብቲ ዝለኣኸኒ ክኸይድ እየ።
34
ክትደልዩኒ ኢኹም፤ እንተ ኾነ ኣይትረኽቡንን፤ ናብቲ ኣነ ዘለኽዎ ኸዓ፥ ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም።
35
ስለዙይ ኣይሁድ “ንሕና ኽንረኽቦ ናብ ዘይንኽእል፥ ንሱ ናበይ ኮን ክኸይድ ኢሉ? ናብቶም ኣብ ሃገር ግሪክ ተበቲኖም ዘለዉ ኣይሁድን ኣህዛብን፥ ክምህር ዶኾን ክኸይድ ኮይኑ?
36
‘ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ግና ኣይትረኽቡንን፤ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ኸዓ፥ ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ዝብለና ዘሎኸ እንታይ እዩ?” ተበሃሃሉ።
37
በታ ዳሕረወይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል፥ ኢየሱስ ደው ኢሉ ብዝለዓለ ድምፂ “ዝፀምአ እንተ ሃልዩ ናባይ መፂኡ ይስተ።
38
እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ ከምቲ መፅሓፍ ዝበሎ፥ ‘ካብ ውሽጡ ማይ ህይወት ክፍልፍል እዩ’ ” እናበለ ተዛረበ።
39
እዙይ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣምኑ፥ ክቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝተዛረበ፤ ኢየሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣይወረደን ነበረሞ።
40
ካብቶም ህዝቢ ብዙሓት ነዝ ዘረባዙይ ሰሚዖም፥ “እዙይ ብሓቂ እቲ ነቢይ እዩ” በሉ።
41
ካልኦት ከዓ “ክርስቶስ እዩ” በሉ። ገሊኣቶም ግና “ክርስቶስ ካብ ገሊላ ድዩ ዝመፅእ?
42
ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፥ ካብታ ዳዊት ዝነበረላ ዓዲ፥ ካብ ቤተ ልሔም ከም ዝመፅእ፥ መፅሓፍዶ ኣይነግርን እዩ?” በሉ።
43
ስለዙይ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ ንስንሳቶም ተፈላለዩ።
44
ገሊኣቶም ክሕዝዎ ደለዩ፤ ግና ኽሕዞ ኢዱ ዘልዓለሉ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
45
እቶም ሓሻኽር ናብ ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ተመለሱ፤ ንሳቶም ድማ “ስለ ምንታይ ደኣ ዘየምፃእኹምዎ?” በልዎም።
46
እቶም ሓሻኽር ከዓ “ከምዝ ሰብኣይ እዙይ ገይሩ ዝተዛረበ ኸቶ የለን” ኢሎም መለሱ።
47
ፈሪሳውያን ድማ “ንስኻትኩምውንዶ ትጋገዩ ኣለኹም?
48
ብዘይ እዞም ሕጊ ዘይፈልጡ ግጉያት ህዝቢ፥ ካብ ኣሕሉቕ ወይ ካብ ፈሪሳውያን፥ ብእኡ ዝኣመኑዶ ኣለዉ እዮም?
49
እዝ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝቢ ግና ዝተረግመ እዩ” ኢሎም መለሱሎም።
50
ሓደ ኻብኣቶም፥ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ ኢየሱስ ከይዱ ዝነበረ ኒቆዲሞስ፥
51
“ሕግና፥ ንሰብ ቅድም እንተይሰምዖን፥ እቲ ዝገበሮ እንተይፈለጠንዶ ይፈርዶ እዩ?” በሎም።
52
ንሳቶም ከዓ “ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ? መፅሓፍ መርምር እሞ፥ ካብ ገሊላ ነቢይ ከም ዘይትስእ ክትርኢ ኢኻ” ኢሎም መለሱሉ።
53
ኵሎም ድማ ነናብ ገዛኦም ከዱ።
← Chapter 6
Chapter 8 →