bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
John 6
John 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ኢየሱስ ናብ ማዕዶ እታ ጥብርያዶስ እትብሃል ባሕሪ ገሊላ ኸደ።
2
ብዙሓት ህዝቢ ኸዓ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ዝገበሮ ተኣምራት ሪኦም ተኸተልዎ።
3
ኢየሱስ ድማ ናብ እምባ ደዪቡ፥ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ተቐመጠ።
4
በዓል ፋሲካ ኣይሁድ ድማ ቐሪቡ ነበረ።
5
ሽዑ ኢየሱስ ኣዒንቱ ቘላሕ ኣቢሉ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአየ፥ ንፊልጶስ “ነዚኣቶም እነብልዖም እንጀራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና?” በሎ።
6
እዙይ ዝበሎ ምእንቲ ኽፍትኖ እዩ እምበር፥ ነቲ ኽገብሮ ዘለዎስ ባዕሉ ይፈልጦ ነበረ።
7
ፊልጶስ ከዓ “ናይ ክልተ ሚእቲ ዲናር እንጀራ ንነፍሲ ወከፎም እኳ ቘቍራስ ኣይበፅሖምን” ኢሉ መለሰሉ።
8
ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ፥
9
“ሓሙሽተ እንጀራ ስገምን ክልተ ዓሳን ዘለዎ ሓደ መንእሰይ ኣብዙይ ኣሎ፤ እዚኣተን ግና፥ ነዝ ኽንድዙይ ዝኣክል ሰብ እንታይ ይኣኽላ?” በሎ።
10
ኢየሱስ ድማ “ነቶም ህዝቢ ኣቐምጥዎም” በለ፤ ኣብቲ ቦታ ኸዓ፥ ብዙሕ ሳዕሪ ነበረ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ተቐመጡ፤ ቍፅሮም ከዓ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ።
11
ኢየሱስ ነተን እንጀራ ኣልዒሉ፥ ኣመስጊኑ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ነቶም ዝተቐመጡ ሰባት ሃብዎም፤ ነቶም ዓሳታትውን ከምኡ ኸከምዝደልዩዎ ሃብዎም።
12
በሊዖም ምስ ፀገቡ ድማ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ካብኡ ሓደኳ ኸይባኽን፥ ነቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ኣክብዎ” በሎም።
13
ስለዙይውን ኣከብዎ፤ ተረፍ እቶም ካብተን ሓሙሽተ እንጀራ ስገም ዝበልዑ ኸዓ፥ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ቍርስራስ መልኡ።
14
እቶም ህዝቢ ኸዓ ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ሪኦም “እዙይ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ክመፅእ ዘለዎ ነቢይ እዩ” በሉ።
15
ኢየሱስ ድማ ብሓይሊ ሒዞም ከንግስዎ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ ፈሊጡ፥ መሊሱ በይኑ ናብ እምባ ኣግለሰ።
16
ምስ መሰየ ድማ፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ወረዱ።
17
ኣብ ጃልባ ደዪቦም ከዓ፥ ናብቲ ሰገር ባሕሪ ናብ ቅፍርናሆም ኣቢሎም ከዱ፤ ጊዜኡ ፀልሚቱ ነበረ፤ ኢየሱስውን ናብኣቶም ገና ኣይመፀን ነበረ።
18
ብርቱዕ ንፋስ ኣውሎ ስለ ዝነፈሰ እቲ ባሕሪ ይናወፅ ነበረ።
19
ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ኪሎ ሜትር ኣቢሎም ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እናኸደ፥ ናብታ ጃልባ ኽቐርብ እንተሎ ሪኦም ፈርሑ።
20
ንሱ ግና “ኣነ እየ፤ ኣይትፍርሑ” በሎም።
21
ሽዑ ናብታ ጃልባ ኸደይብዎ እናደለዩ እንተለዉ፥ እታ ጃልባ ኸዓ ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ዝኸድዎ ዝነበሩ ምድሪ በፅሐት።
22
ንፅባሒቱ እቶም ኣብ ሰገር ባሕሪ ደው ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ፥ እንትርፊ ሓንቲ ጃልባ፥ ካልእ ኣብኡ ኸም ዘይነበረት፥ ደቀ መዛሙርቱ ጥራሕ ንበይናቶም ከም ዝኸዱ እምበር፥ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብታ ጃልባ ኸም ዘይደየበ ረአዩ።
23
እንተ ኾነ፥ ካልኦት ጃልባታት ካብ ጥብርያዶስ፥ ናብ ጥቓ እታ ጐይታ ባሪኹ እንጀራ ዝበልዑላ ቦታ መፃ።
24
ሽዑ እቶም ህዝቢ፥ ኢየሱስ ኮነ ወይ ደቀ መዛሙርቱ፥ ኣብኡ ኸም ዘየለዉ ምስ ረአዩ፥ ናብተን ጃልባታት ደዪቦም፥ ንኢየሱስ ክደልይዎ ናብ ቅፍርናሆም ከዱ።
25
ኣብ ሰገር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸዓ “መምህር፥ መኣዝ ደኣ ናብዙይ መፂእኻ?” በልዎ።
26
ኢየሱስ መሊሱ “እትደልዩኒ ዘለኹም፥ እንጀራ በሊዕኹም ስለ ዝፀገብኩም ኢኹም እምበር፥ በቲ ዝረአኹምዎ ተኣምራት ከም ዘይኮነ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
27
እምበኣር ምእንቲ እቲ ሓላፊ ምግቢ ዘይኮነስ፥ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዝህበኩም፥ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ምግቢ ፀዓሩ። ንእኡስ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ሓቲምዎ እዩሞ።” በሎም።
28
ንሳቶም ድማ “እምበኣር ግብሪ እግዚኣብሄር ክንሰርሕስ፥ እንታይ ንግበር?” በልዎ።
29
ኢየሱስ ድማ “ግብሪ እግዚኣብሄርስ፥ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ” በሎም።
30
ሽዑ ንሳቶም “ንሕና ርኢና ምእንቲ ብኣኻ ኽንኣምንስ፥ እንታይ ምልክት ትገብር? እንታይከ ትሰርሕ?
31
ከምቲ ‘ክበልዑ ኻብ ሰማይ እንጀራ ሃቦም’ ዝብል ተፅሒፉ ዘሎ፥ ኣቦታትና ኣብ በረኻ መና በልዑ” በልዎ።
32
ኢየሱስ ድማ “ነቲ ናይ ሓቂ እንጀራ ኻብ ሰማይ፥ ኣቦይ እዩ ዝሃበኩም እምበር፥ ነቲ እንጀራ እቱይ ካብ ሰማይ ዝሃበኩም ሙሴ ኸም ዘይኮነስ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
33
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወርድ፥ ንዓለምውን ህይወት ዝህብ፥ ናይ እግዚኣብሄር እንጀራ እዩ እሞ” በሎም።
34
ሽዑ ንሳቶም “ጐይታ! ኻብዝ እንጀራ እዙይ ኵልሻዕ ሃበና?” በልዎ።
35
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ እቲ ናባይ ዝመፅእ ኣይጠምን፤ እቲ ብኣይ ዝኣምንውን፥ ከቶ ኣይፀምእን እዩ።
36
ግና ኸምቲ ዝበልኩኹም እዩ፤ ርኢኹምኒ ግና ኣይኣመንኩምንን።
37
ኵሉ እቲ ኣብ ዝህበኒ ናባይ ክመፅእ እዩ፤ ነቲ ናባይ ዝመፅእ ኸዓ፥ ንወፃኢ ኸቶ ኣየውፅኦን እየ።
38
ኣነ ኻብ ሰማይ ዝወረድኩ፥ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፥ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኮንኩን።
39
ካብቶም ኵሎም ንሱ ዝሃበኒ፥ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦም እየ እምበር፥ ሓደኳ ኣይጠፍእን እዩ፤ እዙይ ድማ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ እዩ።
40
ኵሉ ንወልድ ሪኡ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ፥ ኣነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ፤ እዙይ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።”
41
ስለዙይ ድማ ኣይሁድ “እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ” ስለ ዝበሎም ብእኡ ኣጕረምረሙ።
42
“እዙይስ እቲ ኣቦኡን እኖኡን ንሕና እንፈልጦም፥ ኢየሱስ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኮነን? ከመይ ኢሉ ደኣ ‘ካብ ሰማይ ወሪደ’ ይብል?” በሉ።
43
ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ንስንሳትኩም ኣይተጕረምርሙ፤
44
እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኮይኑ፥ ናባይ ክመፅእ ዝኽእል ሓደኳ የለን፤ ኣነ ድማ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ።
45
ኣብ መፃሕፍቲ ነቢያትውን ‘ኵሎም ካብ እግዚኣብሄር ዝተምሃሩ ክኾኑ እዮም’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ፤ እምበኣር ኵሉ እቲ ኻብ ኣብ፥ ዝሰምዐን ዝተምሃረን ናባይ ይመፅእ።
46
እንትርፊ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ንኣብ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ ንሱ እዩ ንኣብ ዝረአዮ።
47
እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘለዎ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
48
ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ።
49
ኣቦታትኩም ኣብ ምድረ በዳ መና በልዑ እንተ ኾነ ግና ሞቱ።
50
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጀራ እዙይ እዩ፤ ካብኡ ዝበልዐ ድማ ኣይመውትን።
51
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፥ ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ ኵሉ ኻብዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ፥ ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ እዙይ ንዓለም ህይወት ምእንቲ ክኸውን፥ ኣነ ዝህቦ እንጀራ፥ ስጋይ እዩ።”
52
ሽዑ ኣይሁድ “እዙይስ ስጋኡ ኽንበልዕ፥ ከመይ ገይሩ ኽህበና ይኽእል?” እናበሉ ንስንሳቶም ተኻትዑ።
53
ስለዙይ ድማ ኢየሱስ ከምዙይ በሎም፦ “ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበሊዕኹም፥ ደሙውን እንተ ዘይሰቲኹምስ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘይብልኩም፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
54
ስጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ኣነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ።
55
ስጋይ ናይ ብሓቂ ምግቢ እዩ፤ ደመይውን ናይ ብሓቂ መስተ እዩ እሞ።
56
እቲ ስጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ፥ ኣባይ ይነብር፤ ኣነውን ኣብኡ እነብር።
57
እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ ህያው ከም ዝኾነ፥ ኣነውን ብኣብ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ስጋይ ዝበልዕ፥ ብኣይ ህያው ኮይኑ ኽነብር እዩ።
58
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጀራ፥ እዙይ እዩ፤ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ መና እሞ ዝሞቱ ኣይኮነን፤ ነዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ ግና፥ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ኽነብር እዩ።”
59
ኢየሱስ ነዝ ዅሉ ዝተዛረቦ፥ ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ እናመሃረ እንተሎ እዩ።
60
ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዙይ ሰሚዖም “እዝ ዘረባ እዙይስ፥ ከቢድ እዩ፤ መን ክቕበሎ ይኽእል?” በሉ።
61
ኢየሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዙይ ከም ዘጕረምረሙ ብመንፈሱ ፈሊጡ “እዙይዶ የዐንቅፈኩም?
62
ወዲ ሰብ፥ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ፥ ክዓርግ እንተሎ እንተ እትሪእዎ ደኣ፥ እንታይ ምበልኩም?
63
ህያው ዝገብር መንፈስ እዩ፤ ስጋ ግና ምንም ኣይጠቅምን። እዝ ኣነ ዝነገርኩኹም ቃል ከዓ መንፈስ እዩ፤ ህይወትውን እዩ።
64
ግና ኻባኻትኩም ገሊኣቶም ዘይኣምኑ ኣለዉ” በሎም። ኢየሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየንኦም ምዃኖም፥ እቲ ዘትሕዞውን መን ምዃኑ፥ ካብ መጀመርታ ይፈልጥ ነበረሞ።
65
ኣስዒቡ ኸዓ “ስለዙይ ድማ እየ፥ እቲ ኻብ ኣቦይ ዝተውሃቦ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ናባይ ክመፅእ ዝኽእል ሓደኳ የለን ዝበልኩኹም” በሎም።
66
በዝ ነገርዙይውን ካብ ሽዑ ጀሚሮም፥ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመለሱ፤ ምስኡውን ኣይከዱን።
67
ስለዙይ ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት “ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ ኢኹም?” በሎም።
68
ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ “ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ቃል ህይወት ኣለካ፤ ናብ መን እሞ ኢና ኽንከይድ?
69
ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣለና” ኢሉ መለሰሉ።
70
ኢየሱስ ድማ “ንዓሰርተ ኽልቴኹም ዝሓረኹኹምስ ኣነዶ ኣይኮንኩን? ሓደ ኻባኻትኩም ግና ዲያብሎስ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።
71
እዙይ ዝበለ ድማ፥ ብዛዕባ ይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ እዩ፤ ዘትሕዞ ንሱ እዩ እሞ፤ ንሱውን ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ ነበረ።
← Chapter 5
Chapter 7 →