bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
John 20
John 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ ማርያም መግደላዊት፥ ገና ፀልማት እንተሎ፥ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መፀት። እቲ እምኒ ኸዓ፥ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረአየቶ።
2
ስለዙይ ንሳ ጐይያ ናብ ስምኦን ጴጥሮስን፥ ናብቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙርን መፂኣ “ንጐይታና ኻብ መቓብር ወሲዶምዎ፤ ኣበይ ከም ዘንበርዎውን ኣይንፈልጥን” በለቶም።
3
ሽዑ ጴጥሮስን እቲ ኻልእ ደቀ መዝሙርን ወፂኦም፥ ናብቲ መቓብር ከዱ።
4
ክልቲኦም ብሓንሳእ እናጐየዩ እንተለዉ፥ እቲ ኻልእ ደቀ መዝሙር ንጴጥሮስ ቀዲምዎ፥ ኣብቲ መቓብር በፅሐ።
5
ደኒኑ እንተ ጠመተ ኸዓ፥ ኣብኡ ነቲ መግነዝ ረአየ፤ ግና ኣይኣተወን።
6
ሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ፥ ደድሕሪኡ መፂኡ ናብቲ መቓብር ኣተወ፤ እቲ መግነዝውን ተቐሚጡ ረአየ።
7
እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ መጠምጠምያ ኸዓ፥ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር፥ ምስቲ መግነዝ ኣይነበረን።
8
ሽዑ እቲ ቐዲሙ ናብቲ መቓብር ዝበፅሐ ኻልእ ደቀ መዝሙርውን ኣተወ፤ ሪኡ ድማ ኣመነ።
9
ነቲ “ካብ ሙታን ክትስእ ይግብኦ እዩ” ዝብል ቃል መፅሓፍ ኣየስተውዓልዎን ነበሩ።
10
ድሕሪዙይ እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርት፥ ናብ ገዛኦም ተመለሱ።
11
ማርያም ግና፥ ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከዓ፥ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ ጠመተት።
12
ኣብቲ ስጋ ኢየሱስ ዝነበሮ፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ መላእኽቲ፥ ሓደ ብትርኣስ፥ ሓደ ኸዓ ብትርጋፅ ረአየት።
13
ንሳቶም ድማ “ኣቲ ሰበይቲ ንምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ?” በልዋ፤ ንሳ ድማ “ንጐይታይ ወሲዶምዎ፤ ኣበይ ከም ዘንበርዎውን ኣይፈልጥን” በለቶም።
14
እዙይ ኢላ ንድሕሪኣ ግልፅ በለት እሞ፥ ንኢየሱስ ደው ኢሉ ረአየቶ። ኢየሱስ ከም ዝኾነ ግና ኣይፈለጠትን።
15
ኢየሱስ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ፥ ንምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ? ንመንከ ትደልዪ ኣለኺ?” በላ፤ ንሳ ድማ ሓላዊ ኣታኽልቲ መሲልዋ፥ “ጐይታይ፥ ንስኻ ወሲድካዮ እንተ ዄንካስ ኣነ ምእንቲ ኽወስዶ፥ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ” በለቶ።
16
ኢየሱስ ድማ “ማርያም” በላ። ንሳውን ግልፅ ኢላ ብዕብራይስጢ “ረቡኒ!” በለቶ፤ ትርጕሙውን “መምህር” ማለት እዩ።
17
ኢየሱስ ድማ “ገና ናብ ኣቦይ ስለ ዘይዓረግኩ ኣይትንክእኒ፤ ግና ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ ‘ናብ ኣቦይን ናብ ኣቦኻትኩምን፥ ናብ ኣምላኸይን ናብ ኣምላኽኩምን፥ ኣዓርግ ኣለኹ’ በሊዮም” በላ።
18
ማርያም መግደላዊት ድማ፥ ንጐይታ ኸም ዝረአየቶን፥ እዙይውን ከም ዝበላን፥ ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ነገረቶም።
19
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ ምድሪ ምስ መሰየ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ፥ እቲ በሪ ተዓፅዩ እንተሎ፥ ኢየሱስ ናብታ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ መፂኡ፥ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” በሎም።
20
እዙይ ምስ በሎም ከዓ፥ ኣእዳዉን ጐኑን ኣርኣዮም፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱውን፥ ንጐይታ ምስ ረአይዎ ተሓጐሱ።
21
ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፤ ከምቲ ኣብ፥ ንኣይ ዝለኣኸኒ ኣነውን ከምኡ እልእኸኩም ኣለኹ” በሎም።
22
እዙይ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፥ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ!
23
ሓጢኣቶም ንዝሓደግኩምሎም ክሕደገሎም፥ ንዘይሓደግኩሙሎም ግና፥ ኣይሕደገሎምን እዩ” በሎም።
24
ሓደ ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት፥ እቲ ዲዲሞስ ዝበሃል ቶማስ ግና፥ ኢየሱስ ክመፅእ እንተሎ ምስኣቶም ኣይነበረን።
25
እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርት ከዓ “ንጐይታ ሪኢናዮ” በልዎ፤ ቶማስ ግና “ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኣእዳዉ እንተ ዘይረአኹ፥ ኣፃብዕተይውን ኣብቲ ዝተሸንከሮ እንተ ዘየእተኹ፥ ኣብ ጐኑውን ኢደይ ሰዲደ እንተ ዘይዳህሰስኩ፥ ኣይኣምንን እየ” በሎም።
26
ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ኸዓ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መሊሶም ኣብ ውሽጢ ገዛ እንተለዉ፥ ቶማስ ምስኣቶም ነበረ። እቲ በሪ ተዓፅዩ እንተሎ፥ ኢየሱስ መፂኡ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” በሎም።
27
ድሕሪዙይ ንቶማስ፥ “ኣፃብዕትካ ናብዙይ ኣምፅእ፤ ኣእዳወይውን ረአ፤ ኢድካ ናብዙይ ኣምፅእ እሞ፥ ናብ ጐነይ ሰዲድካ ኣእትዎ። ኣማኒ እምበር፥ ዘይኣማኒ ኣይትኹን” በሎ።
28
ቶማስ ከዓ መሊሱ “ጐይታይን፥ ኣምላኸይን!” በሎ።
29
ኢየሱስ ድማ ንቶማስ “ስለ ዝረአኻኒዶ ኣሚንካ? እቶም እንተይረአዩ ዝኣምኑ፥ ብፁኣን እዮም” በሎ።
30
ኢየሱስ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዘይተፅሓፈ፥ ካልእ ብዙሕ ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ።
31
ግና እዙይ ዝተፅሓፈ፥ ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትኣምኑን፥ ኣሚንኩምውን ብስሙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡን እዩ።
← Chapter 19
Chapter 21 →