bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
John 21
John 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ መሊሱ ተገለፀሎም። በዝ ኸምዙይውን ተርኣዮም።
2
ስምኦን ጴጥሮስን፥ ዲዲሞስ ዝብልዎ ቶማስን፥ ኣብ ገሊላ ኻብ እትርከብ ካብ ቃና ዝኾነ ናትናኤልን፥ ደቂ ዘብዴዎስን፥ ክልተ ኻልኦት ካብ ደቀ መዛሙርቱን፥ ሓቢሮም ነበሩ።
3
ስምኦን ጴጥሮስ ድማ “ኣነስ ዓሳ ኸስግር ክኸይድ እየ” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ንሕናውን ምሳኻ ኽንኸይድ ኢና” በልዎ። ወፂኦም ድማ ናብ ጃልባ ኣተዉ፤ እንተ ኾነ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደኳ ኣይሓዙን።
4
ምድሪ ምስ ወግሐ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው በለ፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግና፥ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ኣይፈለጡን።
5
ኢየሱስ “ደቀይ፥ ዝብላዕዶ ኣለኩም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “የብልናን” ኢሎም መለሱሉ።
6
ንሱ ኸዓ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርቢይዎሞ፥ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ሽዑ ነቲ መርበቦም ደርበይዎ እሞ፥ ካብ ብዝሒ ዓሳ ዝተልዓለ ምስሓቡ ሰኣኑ።
7
እቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙር ከዓ ንጴጥሮስ “ጐይታ እኮ እዩ” በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዐ፥ ጥራሕ ዝባኑ ስለ ዝነበረ፥ ክዳኑ ተዓጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ።
8
እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርት ግና፥ ካብ ወሰን ባሕሪ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ሜትር ዝኣክል ጥራሕ ርሒቖም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ እናሰሓብዎ ብጃልባ መፁ።
9
ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዓሳ ዝነበሮ ጓህርን፥ ዝተሰርዐ እንጀራን ረአዩ።
10
ኢየሱስ ከዓ ኻብዝ ሕዚ ዝሓዝኩምዎ ዓሳ ኣምፅኡ በሎም።
11
ስምኦን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ ደዪቡ፥ ነቲ ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ፥ ናብ ምድሪ ጐተቶ። ብዝሓቱ ኽሳዕ ክንድዙይ ዝኣክል እንተ ኾነኳ፥ እቲ መርበብ ኣይተቐደደን።
12
ኢየሱስ ድማ “ንዑ ብልዑ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ ንሱ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፥ ካብኣቶም ሓደኳ “ንስኻ መን ኢኻ” ኢሉ ኽጥይቖ ዝደፈረ ኣይነበረን።
13
ኢየሱስ መፂኡ ነቲ እንጀራ ኣልዒሉ ሃቦም፤ ካብቲ ዓሳውን ከምኡ።
14
ካብ ሙታን ድሕሪ ምትስኡ፥ ንደቀ መዛሙርቱ እንትግለፀሎም፥ እዙይ ሳልሳይ ጊዜ እዩ።
15
ምስ በልዑ ድማ፥ ኢየሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፥ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ካብዚኣቶም ኣብሊፅካዶ ትፈትወኒ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “እወ ጐይታ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከዓ “መሓሲአይ መግብ” በሎ።
16
ንካልኣይ ጊዜ ድማ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ትፈትወኒ ዲኻ?” በሎ። ንሱ ድማ “እወ ጐይታ፥ ኣነ ኸም ዝፈትወካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣባጊዐይ ሓሉ” በሎ።
17
ንሳልሳይ ጊዜ ድማ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ትፈትወኒ ዲኻ?” በሎ። ጴጥሮስ ንሳልሳይ ጊዜ “ትፈትወኒ ዲኻ?” ስለ ዝበሎ እናሓዘነ “ጐይታ፥ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካውን ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ፤
18
ንስኻ ጐበዝ እንተለኻ፥ ባዕልኻ ሕቘኻ ተዓጢቕካ፥ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ፤ ምስ ሸምገልካ ግና፥ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ፥ ሕቘኻ ኻልእ ከም ዘዕጥቐካ፥ ናብ ዘይደለኻዮውን ከም ዝወስደካ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ።
19
እዙይ ዝበለ፥ ጴጥሮስ ብኸመይ ዝበለ ሞት፥ ንእግዚኣብሄር ከኽብሮ ኸም ዘለዎ፥ ምእንቲ ኸመልክቶ እዩ። እዙይ ምስ በለ ኸዓ፥ “ተኸተለኒ” በሎ።
20
ጴጥሮስ ድማ ግልፅ ኢሉ፥ ነቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙር ክስዕብ እንተሎ ረአዮ። ንሱውን እቲ ኽድረሩ እንተለዉ፥ ናብ ኢየሱስ ፅግዕ ኢሉ “ጐይታ፥ ኣሕሊፉ ዝህበካ መን እዩ?” ዝበሎ ደቀ መዛሙር እዩ።
21
ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ሪኡ ንኢየሱስ “ጐይታ፥ እዙይከ ኸመይ ክኸውን እዩ?” በሎ።
22
ኢየሱስ ከዓ “ክሳዕ ዝመፅእ ኽፀንሕ እንተ ደለኹኸ እንታይ ኣእተወካ? ንስኻ ግዳ ተኸተለኒ” በሎ።
23
ስለዙይ “እቲ ደቀ መዝሙር እቱይ ኣይመውትን እዩ” ዝብል ዘረባ ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ተሰምዐ። ኢየሱስ ግና “ክሳዕ ዝመፅእ ክፀንሕ እንተ ደለኹኸ እንታይ ኣእተወካ?” እዩ ዝበለ እምበር፥ “ኣይመውትን” ኣይበለን።
24
እቲ ብዛዕባዙይ ዝመስከረን ዝፀሓፈን፥ እዝ ደቀ መዝሙር እዙይ እዩ። እቲ ምስክርነቱ ሓቂ ምዃኑ ድማ፥ ንሕና ንፈልጥ ኢና።
25
ኢየሱስ ዝገበሮ ኻልእ ብዙሕ ነገራትውን ኣሎ። ኵሉ በብሓደ ተፅሒፉ እንተ ዝኸውንስ፥ ነቲ ዝፀሓፍ መፃሕፍቲ፥ ዓለም ኣይምኣኸሎን ይመስለኒ።
← Chapter 20