bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
John 19
John 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ጲላጦስ ንኢየሱስ ወሲዱ ገረፎ።
2
እቶም ወታደራት ከዓ፥ ኣኽሊል እሾዅ ተኒጎም፥ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ። ቀይሕ ኽዳንውን ከደንዎ።
3
ናብኡ እናመፁ ኸዓ “ኦ ንጉስ ኣይሁድ፥ ሰላም ንኣኻ” እናበሉ ገፁ ይፀፍዕዎ ነበሩ።
4
ጲላጦስ መሊሱ ናብ ደገ ወፂኡ “ኣብዝ ሰብ እዙይ፥ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ንኽትፈልጡ፥ እንሆ ናብ ደገ ኣውፅአልኩም ኣለኹ” በሎም።
5
ሽዑ ኢየሱስ ኣኽሊል እሾዅ ደፊኡ፥ ቀይሕ ኽዳን ተኸዲኑ፥ ናብ ደገ ወፀ። ጲላጦስ ድማ፥ “እንሆ፥ እቲ ሰብኣይ!” በሎም።
6
ሊቃነ ካህናትን እቶም ሓሻኽሮምን ምስ ረአይዎ ኸዓ “ስቐሎ! ስቐሎ!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። ጲላጦስ ከዓ “ባዕልኻትኩም ደኣ ወሲድኩም ስቐልዎ እምበር፥ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን” በሎም።
7
ኣይሁድ ድማ “ንሕና ሕጊ ኣለና፤ ከም ሕግና ኸዓ፥ ንሱ ንባዕሉ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበረ፥ ክመውት እዩ ዝግብኦ” ኢሎም መለሱሉ።
8
ጲላጦስ እዝ ዘረባ እዙይ ምስ ሰምዐ የመና ፈርሐ።
9
መሊሱ ናብ መጋባእያ ኣትዩ፥ ንኢየሱስ “ንስኻ ካበይ ኢኻ?” በሎ። ኢየሱስ ግና ሓንቲኳ ኣይመለሰሉን።
10
ጲላጦስ ከዓ፥ “ንኣይውንዶ ኣይትዛረበንን ኢኻ? ክሰቕለካን ክፈትሐካን፥ ስልጣን ከም ዘለኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” በሎ።
11
ኢየሱስ ድማ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተውሂቡካስ፥ ኣባይ ስልጣን ኣይምሃለወካን ነይሩ። ስለዙይ እቲ ናባኻ ኣሕሊፉ ዝሃበኒ፥ ዝገደደ ሓጢኣት ኣለዎ” ኢሉ መለሰሉ።
12
ድሕሪዙይ ጲላጦስ ክፈትሖ ደለየ። ኣይሁድ ግና “ነዙይ እንተ ፈቲሕኻዮ፥ ፈታዊ ቄሳር ኣይኮንካን። ኵሉ ንባዕሉ ንጉስ ዝገብር፥ ተቐናቓኒ ቄሳር እዩ” ኢሎም ጫው ጫው በሉ።
13
ጲላጦስ ነዝ ዘረባዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንኢየሱስ ናብ ደገ ወሲዱ፥ ኣብቲ ብዕብራይስጢ ገበታ ዝበሃል ፀፍፀፍ፥ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ።
14
ጊዜኡ ናይ ፋሲካ ምድላው፥ ኣጋ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ነበረ። ጲላጦስ ንኣይሁድ “እንሆ ንጉስኩም!” በሎም።
15
ሽዑ ንሳቶም “ኣወግዶ! ኣወግዶ! ስቐሎ!” እናበሉ ጫው ጫው በሉ። ጲላጦስ ከዓ “ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ?” በሎም። እቶም ሊቃነ ካህናት ከዓ “ብዘይ ቄሳር ንጉስ የብልናን” ኢሎም መለሱ።
16
ሽዑ ንኢየሱስ ክሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሃቦም። ንኢየሱስ ድማ ሒዞም ወሰድዎ።
17
መስቀሉ ፆይሩ ናብቲ “ሓምሓም ርእሲ” ብዕብራይስጢ ድማ፥ “ጎልጎታ” ናብ ዝበሃል ስፍራ ወፀ።
18
ኣብኡውን ሰቐልዎ፤ ምስኡ ኸዓ ኽልተ [ሸፋቱ] ሓደ በዙይ ሓደ ድማ በቱይ ሰቐሉ፤ ንኢየሱስ ከዓ ኣብ ማእኸሎም ሰቐልዎ።
19
ጲላጦስ ድማ ፅሑፍ ፅሒፉ፥ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ፅሕፈቱ ድማ “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ንጉስ ኣይሁድ” ዝብል ነበረ።
20
እታ ኢየሱስ ዝተሰቐለላ ስፍራ፥ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረት፥ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ፥ ነቲ ፅሑፍ ኣንበብዎ። እቲ ፅሑፍ ብዕብራይስጢን ብላቲንን ብግሪክን ዝተፅሓፈ ነበረ።
21
እቶም ናይ ኣይሁድ ሊቃነ ካህናት ንጲላጦስ “ንሱ ባዕሉ ‘ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ’ ኸም ዝበለ ደኣ እምበር፥ ‘ንጉስ ኣይሁድ እዩ’ ኢልካ ኣይትፅሓፍ” በልዎ።
22
ጲላጦስ ከዓ “ዝፀሓፍኩ ፅሒፈ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ።
23
እቶም ወታደራት ግና ንኢየሱስ ምስ ሰቐልዎ፥ ነቲ ኽዳውንቱ ወሲዶም፥ ንነፍሲ ወከፍ ሓድሓደ ምእንቲ ኽበፅሖም፥ ኣብ ኣርባዕተ መቐልዎ፤ ነቲ ቐሚሹውን ከምኡ። እቲ ቐሚሹ ግና፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዅለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፥ ስፋይ ኣይነበሮን።
24
ንስንሳቶም ከዓ “ንዝበፅሐ ኽበፅሖስ፥ ዕፃ ደኣ ነውድቐሉ እምበር፥ ኣይንቕደዶ” ተበሃሃሉ። እዙይ ከዓ “እቲ ኽዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ፤ ንቐምሸይውን ዕፃ ኣውደቑሉ” ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም፥ እቶም ወታደራት ከምዙይ ገበሩ።
25
ኣብ ጥቓ መስቀል ኢየሱስ ከዓ፥ እኖኡን ሓፍቲ እኖኡን፥ ማርያም ሰበይቲ ቀለዮጳን፥ ማርያም መግደላዊትን፥ ደው ኢለን ነበራ።
26
ኢየሱስ፥ ንኖኡን ነቲ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙሩን፥ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ምስ ረአዮም፥ ንኖኡ፥ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እኒሆ ወድኺ” በላ።
27
ነቲ ደቀ መዝሙር ከዓ “እኒሃትልካ እኖኻ!” በሎ። እቲ ደቀ መዝሙርውን፥ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ገዛኡ ወሰዳ።
28
ድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ ኵሉ ኸም ዝተፈፀመ ፈሊጡ፥ እቲ ቓል መፅሓፍ ምእንቲ ኽፍፀም “ፀማእኹ” በለ።
29
ኣብኡ መፂፅ ዝመልአ ሳርማ ነበረ። ካብቲ መፂፅ ሰፍነግ መሊኦም፥ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ኣሲሮም፥ ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ።
30
ኢየሱስ ከዓ ነቲ መፂፅ ምስ ጠዓመ፥ “ተፈፀመ!” በለ፤ ርእሱ ኣድነነ፤ ነፍሱውን ሃበ።
31
ድሕሪዙይ፥ ሽዑ ዓርቢ ናይ ሰንበት ምድላው ስለ ዝነበረ፥ እታ ሰንበት እቲኣ ድማ፥ ክብርቲ በዓል ስለ ዝነበረት፥ እቶም ሬሳታት ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይሓድሩ፥ መምሕዅልቶም ሰቢሮም ንኸውርድዎም፥ መራሕቲ ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ።
32
ሽዑ እቶም ወታደራት መፂኦም፥ ምሕዅልቲ እቲ ቐዳማይን፥ ናይቲ ምስኡ ዝተሰቕለ ኻልኣይን ሰበሩ።
33
ናብ ኢየሱስ ምስ መፁ ግና፥ ድሮ ኸም ዝሞተ ሪኦም፥ ምሕዅልቱ ኣይሰበርዎን።
34
ሓደ ኻብቶም ወታደራት ግና፥ ብዅናት ጐድኑ ወግኦ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ደምን ማይን ወፀ።
35
እቲ ነዙይ ዝረአየ መስከረ፤ እቲ ምስክርነቱ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ ድማ፥ ንሱ ሓቂ ኸም ዝዛረብ ይፈልጥ እዩ።
36
እዝ ዅሉ ዝኾነ ኸዓ፥ እቲ “ካብኡ ሓደ ዓፅሚ እኳ ኣይስበርን እዩ” ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
37
ካልእ ፅሑፍውን “እቶም ዝወግእዎ ኽሪእዎ እዮም” ዝብል ኣሎ።
38
ድሕሪዙይ፥ ንኣይሁድ ብምፍራሕ፥ ብሕቡእ ናይ ኢየሱስ ደቀ መዝሙር ዝነበረ፥ በዓል ኣርማትያስ ዮሴፍ፥ ናይ ኢየሱስ ስጋ ንኽህቦ ንጲላጦስ ለመኖ። ጲላጦስ ከዓ ፈቐደሉ፤ ንሱውን ከይዱ ነቲ ስጋ ኢየሱስ ወሰዶ።
39
እቲ ቕድም ብለይቲ፥ ናብ ኢየሱስ መፂኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስውን፥ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ግራም ዝኣክል ከርበ ምስ ሽቱ ዝተሓዋወሰ ሒዙ መፀ።
40
ንስጋ ኢየሱስ ወሲዶም ከዓ፥ ከምቲ ልማድ ኣገናንዛ ኣይሁድ፥ ምስ ሽቱ ብሓድሽ ዓለባ ገይሮም ገነዝዎ።
41
ኣብቲ ጥቓ ዝተሰቐለሉ ቦታ ድማ ኣታኽልቲ ነበረ። ኣብቲ ኣታኽልቲ ኸዓ፥ ሰብ ተቐቢሩሉ ዘይፈልጥ ሓድሽ መቓብር ነበረ።
42
እቲ ዕለት በዓል ምድላው ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፥ እቲ መቓብርውን ቀረባ ነበረ እሞ፥ ንኢየሱስ ኣብኡ ቐበርዎ።
← Chapter 18
Chapter 20 →