bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
John 18
John 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ እዙይ ምስ በለ፥ ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ማዕዶ ሩባ ቄድሮን ሰጊሩ፥ ናብታ ኣታኽልቲ ዘለዋ ቦታ ኸደ፤ ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ናብኣ ኣተወ።
2
ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን፥ ኣብኣ ብዙሕ ጊዜ ይእከቡ ስለ ዝነበሩ፥ እቲ ኣሕሊፉ ዝህቦ ይሁዳ ኸዓ፥ ነታ ቦታ ይፈልጣ ነበረ።
3
ስለዙይ ይሁዳ፥ ነቶም ሓደ ኽፋል ወታደራትን፥ ሓሻኽር ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን፥ መሪሑ መፀ፤ ንሳቶም ፋኑሳትን ዝነድድ ሽግን ኣፅዋርን ሒዞም ነበሩ።
4
ሽዑ ኢየሱስ ነቲ ዅሉ ዝመፆ ዘሎ ነገራት ፈሊጡ፥ ናብኣቶም ወፀ እሞ፥ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም?” በሎም።
5
ንሳቶም ከዓ “ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ እየ” በሎም። እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ድማ፥ ምስኣቶም ደው ኢሉ ነበረ።
6
ሽዑ “ኣነ እየ” ምስ በሎም እናድሐርሐሩ ናብ ምድሪ ወደቑ።
7
መሊሱ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ” በልዎ።
8
ኢየሱስ ድማ “ኣነ እየዶ እብለኩም ኣየለኹን? እምበኣር ንኣይ ካብ ደለኹም፥ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም” ኢሉ መለሰሎም።
9
እዙይ ከዓ “ካብዞም ዝሃብካኒ ሓደኳ ኣየጥፋእኹን” ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
10
ሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ ሰይፊ ስለ ዝነበሮ፥ ሰይፉ መዚዙ፥ ነቲ ሓሽከር ሊቀ ካህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረፆ። ስም እቲ ሓሽከር ከዓ ማልኮስ ነበረ።
11
ኢየሱስ ድማ ንጴጥሮስ “ሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለስ፤ ነቲ ኣቦይ ዝሃበኒ ፅዋዕ ኣይሰትዮን ድየ?” በሎ።
12
ሽዑ እቶም ክፋል ወታደራትን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ሓሻኽር ኣይሁድን ንኢየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ።
13
ሃና፥ ነቲ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ቀያፋ፥ ሓሙኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣቐዲሞም ናብኡ ወሰድዎ።
14
ቀያፋ ኸዓ እቲ “ክንዲ ህዝቢ ሓደ ሰብ እንተ ሞተ ይሐይሽ” ኢሉ ንኣይሁድ መኺሩዎም ዝነበረ እዩ።
15
ስምኦን ጴጥሮስን ሓደ ኻልእ ደቀ መዝሙርን፥ ንኢየሱስ ሰዓብዎ። እቲ ኻልእ ደቀ መዝሙር በቲ ሊቀ ካህናት ፍሉጥ ስለ ዝነበረ፥ ምስ ኢየሱስ ናብ መረባ ሊቀ ካህናት ኣተወ።
16
ጴጥሮስ ግና ብወፃኢ ኣብ ኣፍ ደገ፥ ደው ኢሉ ነበረ። እቲ ኣብ ሊቀ ካህናት ፍሉጥ ዝነበረ ኻልእ ደቀ መዝሙር ከዓ ወፀ እሞ፥ ነታ ሓላዊት በሪ ነጊሩ ንጴጥሮስ ኣእተዎ።
17
ሽዑ እታ በሪ እትሕሉ ገረድ ንጴጥሮስ “ንስኻ ኻብ ደቀ መዛሙርት እዝ ሰብ እዙይዶ ኣይኮንካን?” በለቶ። ንሱ ግና “ኣይኮንኩን!” በለ።
18
ቍሪ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ሓሻኽርን ኣገልገልትን፥ ሓዊ ኣንዲዶም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስውን ምስኣቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ።
19
ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናት፥ ንኢየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ትምህርቱን ጠየቖ።
20
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ኣነ ንዓለም ብገሃድ እየ ዝተዛረብኩ፤ ኵልሻዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዝእከቡሉ፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን ቤተ መቕደስን፥ እምህር ነበርኩ፤ ብሕቡእ ዝተዛረብክዎ ሓደኳ የብለይን።
21
ንምንታይከ ንኣይ ትጥይቐኒ? ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ዝነበሩ ጠይቆም። እንሆ ንሳቶም፥ ነቲ ኣነ ዝተዛረብክዎ ይፈልጥዎ እዮም።”
22
እዙይ ምስ በለ፥ ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሓሻኽር ሊቀ ካህናት ሓደ “ንሊቀ ካህናትስ ከምዙይ ኢልካ ኽትምልሰሉ?” ኢሉ ንኢየሱስ ገፁ ፀፍዖ።
23
ኢየሱስ ድማ “ክፉእ እንተ ተዛሪበ፥ ክፉእ ምዃኑ መስክር፤ ፅቡቕ እንተ ተዛሪበ ግና፥ ንምንታይ ትወቕዐኒ?” በሎ።
24
ሃና ኸዓ ናብ ሊቀ ካህናት ቀያፋ፥ ብእሱሩ ሰደዶ።
25
ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ ደው ኢሉ ሓዊ ኽስሕን እንተሎ፥ ካልኦት ሰባት “ንስኻ ኻብቶም ደቀ መዛሙርት ኢየሱስዶ ኣይኮንካን ኢኻ?” በልዎ፤ ንሱ ግና ኣይኮንኩን ኢሉ ኸሓደ።
26
ሓደ ኻብቶም ሓሻኽር ሊቀ ካህናት፥ ናይቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረፆ ዘመድ ዝኾነ፥ “ኣብቲ ናይ ኣታኽልቲ ቦታዶ ባዕለይ ምስኡ ኣይረአኹኻን?” በሎ።
27
ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ ኸሓደ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ደርሆ ነቀወ።
28
ሽዑ ንኢየሱስ ካብ ቀያፋ፥ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ፤ ንግሆ ድማ ነበረ። ኣይሁድ ምእንቲ በጊዕ ፋሲካ ኽበልዑ፥ ከይረኽሱ ኢሎም ናብ መጋባእያ ኣይኣተዉን።
29
ስለዙይ ጲላጦስ ናብኣቶም ናብ ደገ ወፂኡ “ነዝ ሰብ እዙይ፥ ንምንታይ ኢኹም እትኸስዎ ዘለኹም?” በሎም።
30
ንሳቶም ድማ “እዙይ ገባሪ ክፉእ እንተ ዘይኸውንስ፥ ናባኻ ኣሕሊፍና ኣይምሃብናዮን ኔርና” ኢሎም መለሱሉ።
31
ሽዑ ጲላጦስ “ንስኻትኩም ወሲድኩም፥ ከምቲ ሕግኹም ጌርኩም ፍረድዎ” በሎም። ኣይሁድ ከዓ “ንኣናስ ሓደኳ ኽንቀትል ኣይተፈቐደልናን” በልዎ።
32
እዙይ ከዓ እቲ ኢየሱስ፥ በየናይ ሞት ክመውት ከም ዘለዎ ኸመልክት ኢሉ፥ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
33
ጲላጦስ መሊሱ ናብ መጋባእያ ኣተወ፤ ንኢየሱስ ፀዊዑ ኸዓ “ንስኻ ናይ ኣይሁድ ንጉስ ዲኻ?” በሎ።
34
ኢየሱስ ድማ “እዝ ትዛረቦ ዘለኻ ኻብ ባዕልኻ ዲኻ፥ ወይ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ ኢዮም?” ኢሉ መለሰሉ።
35
ጲላጦስ ከዓ “ኣነ ኣይሁዳዊ ድየ? ወገናትካን ሊቃነ ካህናትን እዮም፥ ናባይ ኣሕሊፎም ዝሃቡኻ፤ እንታይ ጌርካ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ።
36
ኢየሱስ ድማ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን፤ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ እትኸውንስ፥ ናብ ኣይሁድ ከይወሃብ፥ ወታደራተይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕዚ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን” ኢሉ መለሰ።
37
ጲላጦስ ድማ “እምበኣርከስ ንስኻ ንጉስ ኢኻ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ ንጉስ ምዃነይ፥ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ። ኣነ ንሓቂ ኽምስክር እየ ዝተወለድኩ፤ ምእንቲ እዙይውን እየ ናብ ዓለም ዝመፃእኹ፤ ካብ ሓቂ ዝኾነ ዅሉ ኸዓ፥ ቃለይ ይሰምዕ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
38
ጲላጦስ ድማ “ሓቂኸ እንታይ እዩ?” በሎ። እዙይ ኢሉ፥ መሊሱ ናብ ኣይሁድ ወፂኡ “ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን።
39
እንተ ኾነ፥ ንኣኻትኩም በብፋሲካ፥ ሓደ እሱር ክፈትሐልኩም ልማድ ኣለኩም። ስለዙይ ነዝ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሐልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም?” በሎም።
40
ሽዑ ንሳቶም መሊሶም “ነዝ ሰብ እዙይ ዘይኮነስ፥ ንበርባን ፍትሐልና!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። በርባን ግና ሽፍታ ዝነበረ እዩ።
← Chapter 17
Chapter 19 →