bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
John 12
John 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ ኢየሱስ ሽዱሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋሲካ፥ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታን ዘተስኦ ኣልኣዛር ዘለዋ፥ ቢታንያ ናብ ዝተብሃለት ዓዲ ኸደ።
2
ኣብኣ ኸዓ ድራር ገበሩሉ፤ ማርታውን ተገልግል ነበረት፤ ካብቶም ምስኡ ዝተቐመጡ ሓደ ኣልኣዛር ነበረ።
3
ማርያም ድማ ፍርቂ ሊትሮ ዝኸውን ብፅሩይ ናርዶስ ዝተሰርሐ፥ ብዙሕ ዝዋጋኡ ምዑዝ ሽቱ ወሲዳ፥ ኣእጋር ኢየሱስ ቀብአት፤ ብፀጕሪ ርእሳውን ሓበሰቶ። እታ ገዛ ኸዓ፥ ብመዓዛ እቲ ሽቱ መልአት።
4
ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ እቲ ኸትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ግና፥
5
“እዝ ምዑዝ ሽቱ እዙይ፥ ብሰለስተ ሚእቲ ዲናር ተሸይጡ፥ ንምንታይ ንድኻታት ዘይምተውሃበ ነይሩ?” በለ።
6
እዙይ ዝበለ ድማ፥ ሰራቒ ስለ ዝኾነ እዩ እምበር፥ ንድኻታት ሓልዩሎም ኣይኮነን፤ ተሓዚ ሙዳየ ምፅዋት ስለ ዝነበረ፥ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ስለ ዝነበረ እዩ።
7
ስለዙይ ኢየሱስ “ንመዓልቲ ቐብረይ ዘዳለወቶ እዩ እሞ ሕደጉዋ።
8
ድኻታትስ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ንኣይ ግና ዅልሻዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም” በሎም።
9
ድሕሪዙይ ካብ ኣይሁድ ብዙሓት ሰባት፥ ኢየሱስ ኣብኡ ኸም ዘሎ ፈሊጦም፥ ናብ ቢታንያ መፁ። እንተ ኾነ ነቲ ኻብ ምዉታን ዘተስኦ ኣልኣዛርውን ክሪኡ እምበር፥ ምእንቲ ኢየሱስ ጥራሕ ኢሎም ኣይኮኑን ዝመፁ።
10
ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ፥ ብኢየሱስ ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ፥ ሊቃነ ካህናት ንኣልኣዛር ክቐትልዎ ተማኸሩ።
12
ብፅባሒቱ እቶም ንበዓል ዝመፁ ብዙሓት ህዝቢ፥ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመፅእ ሰሚዖም፥
13
ጨናፍር ስየ ሒዞም ክቕበልዎ ወፁ። ዓው ኢሎም ከዓ “ሆሳዕና! እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ፥ ንጉስ እስራኤል ቡሩኽ እዩ!” በሉ።
14
ከምቲ፦ “ኣቲ ጓል ፅዮን ኣይትፍርሒ፤ እንሆ ንጉስኪ፥ ኣብ ገልገል ኣድጊ ተቐሚጡ ይመፅእ ኣሎ” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ኢየሱስ ገልገል ኣድጊ ረኺቡ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ።
16
ደቀ መዛሙርቱ፥ ነዝ ነገር እዙይ ቅድም ኣየስተውዓልዎን። ኢየሱስ ምስ ከበረ ግና፥ ነዝ ነገር እዙይ ብዛዕባኡ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ንሳቶምውን እዙይ ከም ዝገበሩሉ ዘከሩ።
17
እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ፀዊዑ፥ ካብ ምዉታን ከተስኦ እንተሎ፥ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸዓ ይምስክሩሉ ነበሩ።
18
እቶም ህዝቢ ድማ፥ እዝ ተኣምራት እዙይ ከም ዝገበረ ስለ ዝሰምዑ እዮም፥ ክቕበልዎ ዝወፁ።
19
ሽዑ ፈሪሳውያን ንስንሳቶም “ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ፥ ከም ዘይትኽእሉ ትሪኡዶ ኣለኹም? እንሆ ዅሉ ዓለም ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ” ተበሃሃሉ።
20
ካብቶም በቲ በዓል ክሰግዱ ዝደየቡ ኸዓ፥ ገሊኣቶም ግሪካውያን ነበሩ።
21
ንሳቶም ናብ ፊልጶስ፥ በዓል ቤተ ሳይዳ ናይ ገሊላ መፂኦም፥ “ጐይታ፥ ንኢየሱስ ክንሪኦ ንደሊ ኣለና” ኢሎም ለመንዎ።
22
ፊልጶስ ድማ ኸይዱ ንእንድርያስ ነገሮ፤ እንድርያስን ፊልጶስን ድማ፥ ከይዶም ንኢየሱስ ነገርዎ።
23
ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ወዲ ሰብ ዝኸብረላ ሰዓት በፂሓ እያ።
24
ፍረ ስርናይ፥ ኣብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት፥ በይና እያ እትነብር፤ እንተ ሞይታ ግና፥ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
25
እቲ ንነፍሱ ዝፈትዋ፥ ከጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንነፍሱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝፀልኣ ግና፥ ንህይወት ዘለኣለም ክሕልዋ እዩ።
26
እቲ ኸገልግለኒ ዝደሊ ይከተለኒ፤ እቲ ዘገልግለኒ ኸዓ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ ኽነብር እዩ። ነቲ ዘገልግለኒውን፥ ኣብ ከኽብሮ እዩ።
27
“ሕዝስ ነፍሰይ ተጨኒቓ ኣላ፤ እንታይ እሞ ኽብል እየ? ‘ኣቦ! ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ’ ግና፥ ምእንቲ እዙይ እንድየ ዝመፃእኹ፥ ናብዛ ሰዓት እዚኣውን ዝበፃሕኹ።
28
ኦ ኣቦ! ንስምካ ኣኽብሮ” ሽዑ ኻብ ሰማይ “ኣነ ኣኽቢረዮ ኣለኹ፤ ደጊመውን ከኽብሮ እየ” ዝብል ድምፂ መፀ።
29
ሽዑ እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ፥ እዙይ ምስ ሰምዑ “ነጐድጓድ እዩ” በሉ፤ ገሊኣቶም ከዓ “መልኣኽ እዩ ዝተዛረቦ” በሉ።
30
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “እዝ ድምፂ እዙይ ምእንታኻትኩም እምበር፥ ምእንታይ ኣይኮነን ዝመፀ።
31
እዝ ዓለም እዙይ ዝፍረደሉ ጊዜ በፂሑ እዩ፤ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይውን፥ ናብ ወፃኢ ዝድርበየሉ ሕዚ እዩ።
32
ኣነ ድማ ኻብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፥ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።”
33
እዙይ ዝበለ ኸዓ፥ ብኸመይ ዝበለ ሞት፥ ክመውት ከም ዘለዎ እንተመልክት እዩ።
34
ስለዙይ እቶም ህዝቢ “ንሕናስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዝነብር፥ ካብ ሕጊ ሰሚዕና ኔርና፤ ንስኻ ደኣ ኸመይ ኢልካ ኢኻ ‘ወዲ ሰብ ግድን ልዕል ክብል እዩ’ ትብል ዘለኻ? እቲ ወዲ ሰብ እቱይከ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
35
ሽዑ ኢየሱስ “ገና ንቑሩብ መዓልቲ፥ ብርሃን ምሳኻትኩም ኣሎ፤ ስለዙይ ፀልማት እንተየርከበኩም፥ ብብርሃን ተመላለሱ፤ እቲ ብፀልማት ዝመላለስ፥ ናብ ዝኸዶ ኣይፈልጥን እዩ እሞ።
36
ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብርሃን እንተለኩም ብብርሃን እመኑ” በሎም። ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ምስ ተዛረበ፥ ካብኣቶም ከይዱ ተሰወሮም።
37
እቲ ነቢይ ኢሳይያስ “ኦ ጐይታ፥ ንምስክርነትና መን ኣመኖ? ሓይሊ እግዚኣብሄርከ ንመን ተግሃደሉ?” ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም፥ ክንድዙይ ዝኣክል ተኣምራት እኳ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም እንተ ገበረ፥ ብእኡ ኣይኣመኑን፤
39
ከምኡ ድማ ኢሳይያስ ደጊሙ “በዒንቶም ከይሪኡ፥ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ እሞ፥ ናባይ ከይምለሱ፥ ኣነውን ከይምሕሮምስ፥ ኣዒንቶም ኣዕወረ፤ ልቦምውን ኣትረረ” ኸም ዝበሎ ምእማን ሰኣኑ።
41
ኢሳይያስ ብዛዕባኡ ኸምዙይ ኢሉ ዝተዛረበ፥ ክብሩ ስለ ዝረአየ እዩ።
42
ምስዙይ ኵሉ፥ ካብ ኣሕሉቕ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ፤ እንተ ኾነ ፈሪሳውያን፥ ካብ ቤተ ፀሎቶም ከየባርርዎም ስለ ዝፈርሑ፥ እምነቶም ኣየግሃዱን።
43
እዙይ ከዓ፥ ካብ ክብሪ እግዚኣብሄር፥ ክብሪ ሰብ ስለ ዝመረፁ እዩ።
44
ኢየሱስ ከዓ ዓው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “እቲ ዅሉ ብኣይ ዝኣምን፥ ብኣይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን እዩ ዝኣምን።
45
እቲ ንኣይ ዝረአየ፥ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርኢ።
46
እቲ ዅሉ ብኣይ ዝኣምን፥ ኣብ ፀልማት ምእንቲ ኸይነብር፥ ኣነ ብርሃን ኮይነ፥ ናብ ዓለም መፂአ ኣለኹ።
47
እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝፈርዶ፤ ኣነ ዝመፃእኹ፥ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፥ ንዓለም ክፈርድ ኣይመፃእኹንሞ።
48
ነቲ ነኣይ ዘይደሊ፥ ንቓለይውን ዘይቕበል ዝፈርዶ ኣለዎ፤ እዝ ኣነ ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል፥ ንሱ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኽፈርዶ እዩ።
49
እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ዝኣዘዘኒ እምበር፥ ኣነ ኻብ ባዕለይ ኣይተዛረብኩን።
50
እቲ ትእዛዙ ኸዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ፤ ስለዙይ እቲ ኣነ ዝዛረቦ ኸምቲ ኣብ፥ ዝነገረኒ ገይረ እየ ዝዛረቦ ዘለኹ።”
← Chapter 11
Chapter 13 →