bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
John 11
John 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብ ቢታንያ፥ ኣብ ዓዲ ማርያምን ማርታ ሓፍታን፥ ኣልኣዛር ዝስሙ ሰብኣይ ሓሚሙ ነበረ።
2
እዛ ማርያም እዚኣ እታ ንጐይታ ሽቱ ዝቐብአቶ፥ ብፀጕሪ ርእሳውን ኣእጋሩ ዝሓበሰቶ እያ፤ እቲ ዝሓመመ ኣልኣዛርውን ሓዋ እዩ።
3
እተን ኣሓቱ “ጐይታ፥ እቲ እትፈትዎስ እንሆ ሓሚሙ ኣሎ” ኢለን ናብ ኢየሱስ ለኣኻ።
4
ኢየሱስ እዙይ ሰሚዑ “እዝ ሕማም እዙይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር፥ ብእኡ ድማ ወዲ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ክኸብር እዩ እምበር፥ ንሞት ኣይኮነን” በለ።
5
ኢየሱስ ንማርታን ንሓፍታ ማርያምን፥ ንኣልኣዛርን ይፈትዎም ነበረ።
6
ምሕማሙ ምስ ሰምዐ፥ ኣብታ ዝነበራ ስፍራ ኽልተ መዓልቲ ፀንሐ።
7
ድሕሪዙይ ንደቀ መዛሙርቱ “ደጊም ንዑናይ፤ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ” በሎም።
8
ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “መምህር፥ ቅድሚ ቑሩብ መዓልቲ፥ ኣይሁድ ብእምኒ ኽቕጥቅጡኻ ይደልዩ ነይሮምስ፥ መሊስካዶ ናብኡ ክኸይድ ትብል ኣለኻ?” በልዎ።
9
ኢየሱስ ድማ “ኣብ መዓልቲ ዓሰርተ ኽልተ ሰዓትዶ ኣይኮነን ዘሎ? እቲ ብመዓልቲ ዝኸይድ ሰብ፥ ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝርኢ፥ ኣይዕንቀፍን እዩ።
10
እቲ ብለይቲ ዝኸይድ ግና፥ ኣብኡ ብርሃን ስለ ዘይብሉ ይዕንቀፍ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።
11
እዙይ ምስ ተዛረበ ኣስዒቡ “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ፤ ኣነ ግና ኻብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተስኦ ክኸይድ እየ” በሎም።
12
ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ “ጐይታ፥ ደቂሱ እንተ ኾይኑስ ክጥዒ እዩ” በልዎ።
13
ኢየሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ ዝተዛረበ፤ ንኣኣቶም ግና ብዛዕባ ትኽስታ ድቃስ ዝተዛረበ መሰሎም።
14
ሽዑ ኢየሱስ ብገሃድ “ኣልኣዛር ሞይቱ፤
15
ምእንቲ ኽትኣምኑ፥ ኣነ ኣብኡ ብዘይምንባረይ፥ ብዛዕባኻትኩም እሕጐስ ኣለኹ፤ ግና ንዑናይ ናብኡ ንኺድ” በሎም።
16
ሽዑ ዲዲሞስ ዝብልዎ ቶማስ፥ ነቶም ብፆቱ ደቀ መዛሙርት “ንሕናውን ምስኡ ኽንመውት ንኺድ” በሎም።
17
ኢየሱስ ናብ ቢታንያ ምስ መፀ፥ ኣልኣዛር ካብ ዝቕበር ድሮ ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ነበረ።
18
ቢታንያ ኻብ ኢየሩሳሌም፥ ዳርጋ ሰለስተ ኪሎ ሜትር ኣቢላ ትርሕቕ ነበረት።
19
ካብ ኣይሁድ ድማ፥ ብዙሓት ብዛዕባ ሓወን ከፀናንዕወን፥ ናብ ማርያምን ማርታን መፂኦም ነበሩ።
20
ማርታ ምምፃእ ኢየሱስ ሰሚዓ፥ ክትቅበሎ ወፀት፤ ማርያም ግና ኣብ ገዛ ተቐሚጣ ነበረት።
21
ሽዑ ማርታ ንኢየሱስ “ኦ ጐይታ፥ ኣብዙይ ኔርካ እንተ እትኸውንስ፥ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ።
22
ሕዚ እውን እቲ ዅሉ ንእግዚኣብሄር እትልምኖ፥ እግዚኣብሄር ከም ዝህበካ እፈልጥ እየ” በለቶ።
23
ኢየሱስ ድማ “ሓውኪ ኽትስእ እዩ” በላ።
24
ማርታ ድማ፥ “በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ፥ ብትንሳኤ ኸም ዝትስእስ እፈልጥ እየ” በለቶ።
25
ኢየሱስ ድማ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ፤ እቲ በኣይ ዝኣምን፥ እንተ ሞተ እኳ ብህይወት ክነብር እዩ።
26
እቲ ዅሉ ህያው ዝኾነ ብኣይ ዝኣምን፥ ንዘለኣለም ኣይመውትን እዩ፤ እዙይዶ ተኣምኒ ኢኺ?” በላ።
27
ንሳ ድማ “እወ ጐይታይ፤ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዝመፅእ፥ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንካ እኣምን እየ” በለቶ።
28
እዙይ ኢላ ኸደትሞ፥ ንማርያም ሓፍታ ሕሽዅ ኢላ “መምህር መፂኡ፤ ይፅውዐኪውን ኣሎ” በለታ።
29
ንሳ ኸዓ እዙይ ምስ ሰምዐት፥ ቀልጢፋ ተሲኣ ናብኡ ኸደት።
30
ኢየሱስ ኣብታ ማርታ ዝተቐበለቶ ስፍራ ፀንሐ እምበር፥ ናብ ዓዲ ገና ኣይኣተወን ነበረ።
31
እቶም ከፀናንዕዋ ምስኣ ኣብ ገዛ ዝነበሩ ኣይሁድ ግና፥ ማርያም ቀልጢፋ ብድድ ምባላን ምውፃኣን ሪኦም፥ ናብ መቓብር ከይዳ ኽትበኪ ዝደለየት መሲልዎም ተኸተልዋ።
32
ማርያም ግና ናብታ ኢየሱስ ዝነበራ ስፍራ መፂኣ ምስ ረአየቶ፥ ኣብ እግሩ ተደፊኣ “ጐይታይ፥ ኣብዙይ እንተ እትነብርስ፥ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በለቶ።
33
ሽዑ ኢየሱስ ንሳ ኽትበኪ እንተላ፥ እቶም ምስኣ ዝመፁ ኣይሁድውን እናበኸዩ እንተለዉ ሪኡ፥ ብመንፈሱ የመና ሓዚኑ፥
34
“ኣበይ ቀቢርኩምዎ?” በለ፤ ንሳቶም ከዓ “ጐይታ፥ ነዓ ረአ” በልዎ።
35
ኢየሱስ ድማ ነብዐ።
36
ሽዑ ኣይሁድ “ክንደይ ይፈትዎ ኸም ዝነበረ እስኪ ረአዩ!” በሉ።
37
ገሊኣቶም ግና “እዝ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ዝኸፈተስ፥ ነዙይውን ከም ዘይመውት ክገብሮዶ ኣይምኸኣለን ነይሩ?” በሉ።
38
ሽዑ ኢየሱስ ብልቡ ሓዚኑ፥ ናብቲ መቓብር መፀ፤ እቲ መቓብር ከዓ፥ ብእምኒ ዝተዓፀወ በዓቲ ነበረ።
39
ኢየሱስ “ነዝ እምኒ ኣልዕልዎ” በሎም፤ ሓፍቲ እቲ ምዉት ማርታ ድማ፥ “ጐይታ፥ ካብ ዝመውት ኣርባዕተ መዓልቲ ስለ ዝገበረ፥ ሸቲቱ እዩ” በለቶ።
40
ኢየሱስ ድማ “እንተ ኣሚንክስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ክትርኢ ኢኺዶ ኣይበልኩኽን?” በላ።
41
ብድሕሪዙይ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎ። ኢየሱስ ከዓ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ “ኣቦ፥ ስለ ዝሰማዕኻኒ አመስግነካ ኣለኹ።
42
እዞም ኣብዙይ ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ፥ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኽኣምኑ ደኣ እየ፥ እዙይ ዝበልኩ እምበር፥ ኣነስ ኵልሻዕ ከም እትሰምዐኒ እፈልጥ እየ” በለ።
43
እዙይ ምስ በለ፥ ዓው ኢሉ “ኣልኣዛር፥ ነዓ ናብ ደገ ውፃእ!” በለ።
44
እቲ ምዉት ብግኑዙ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእሱሩ፥ ገፁውን ብዓለባ ተሸፊኑ እንተሎ ወፀ። ኢየሱስ ድማ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም።
45
ሽዑ ኻብቶም ናብ ማርያም ዝመፁ ብዙሓት ኣይሁድ፥ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ሪኦም፥ ብእኡ ኣመኑ።
46
ገሊኣቶም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶም፥ ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ነገርዎም።
47
እቶም ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከዓ ጉባኤ ኣኪቦም “እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር ኣሎ እሞ፥ እንታይ ንግበር?
48
ከምዙይ እንተ ሓዲግናዮ፥ ኵሉ ብእኡ ኽኣምን እዩ፤ ሮማውያን ድማ መፂኦም፥ ምድርናን ህዝብናን ክወስዱ እዮም” በሉ።
49
ሓደ ኻብኣቶም ቀያፋ ዝስሙ፥ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ዝነበረ፥ “ንስኻትኩም ሓንቲ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤
50
ኵሉ ህዝቢ ኻብ ዝጠፍእስ፥ ሓደ ሰብ ቤዛ ህዝቢ እንተ ሞተ፥ ከም ዝሕሸናዶ ኸቶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም?” በሎም።
51
እዙይ ዝበለ ግና፥ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ስለ ዝነበረ፥ ኢየሱስ ቤዛ ህዝቢ ኽመውት ከም ዘለዎ ተነበየ እምበር፥ ካብ ባዕሉ ኣይኮነን።
52
ነቶም ዝተበተኑ ደቂ እግዚኣብሄር፥ ናብ ሓደ ኽእክቦምውን እምበር፥ ቤዛ ህዝቢ ጥራሕ ክመውት ኣይኮነን።
53
ስለዙይ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ክቐትልዎ ተማኸሩ።
54
ብድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ ኣብ ማእኸል ኣይሁድ ብገሃድ ምምልላስ ሓደገ፤ ስለዙይ ድማ፥ ጥቓ ምድረ በዳ ናብ ዘላ ምድሪ፥ ኤፍሬም ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ፤ ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ኣብኣ ተቐመጠ።
55
ፋሲካ ኣይሁድ ድማ ቐሪቡ ነበረ፤ ብዙሓት ሰባት ከዓ፥ ቅድሚ በዓል ፋሲካ ርእሶም ከንፅሁ፥ ከካብ ዓዱ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ።
56
ሽዑ ኣይሁድ ንኢየሱስ ይደልይዎ ነበሩ፤ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎምውን ንስንሳቶም “እንታይ ይመስለኩም? ናብዝ በዓል ደኾን ኣይመፅእን?” ተበሃሃሉ።
57
እቶም ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከዓ፥ ምእንቲ ኽሕዝዎ፥ ነታ ንሱ ዘለዋ ስፍራ ዝፈልጥ ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ክሕብረሎም ኣዘዙ።
← Chapter 10
Chapter 12 →