bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
John 13
John 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ ቅድሚ በዓል ፋሲካ፥ ካብዝ ዓለም እዙይ፥ ናብ ኣብ፥ ዝኸደላ ሰዓት ከም ዝበፅሐት ፈሊጡ፥ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።
2
እናተደረሩ እንተለዉ ድማ፥ ዲያብሎስ ንኢየሱስ ከትሕዝ፥ ኣብ ልቢ ይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ፥ ሓሳብ ኣሕዲሩ ነበረ።
3
ኢየሱስ፥ ኣብ፥ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦ፥ ካብ እግዚኣብሄር ከም ዝመፀ፥ ናብ እግዚኣብሄርውን ከም ዝኸይድ ፈሊጡ፥
4
ካብ ድራር ተሲኡ፥ ክዳውንቱ ኣንበረ፤ ዕጣቕ ኣልዒሉውን ተዓጠቐ።
5
ሽዑ ማይ ናብ መሕፀቢ ገይሩ፥ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኽሓፅብን፥ በቲ ዝተዓጠቖ ዕጣቕ ገይሩ ኽውልውልን ጀመረ።
6
ናብ ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ በፅሐ፤ ንሱ ድማ “ጐይታ፥ ንስኻዶ ኣእጋረይ ክትሓፅበኒ ኢኻ?” በሎ።
7
ኢየሱስ ድማ መሊሱ “ነዝ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ፥ ንስኻ ሕዚ ኣይትፈልጦን ኢኻ፤ ደሓር ግና ኽትፈልጦ ኢኻ” በሎ።
8
ጴጥሮስ ከዓ “ብፍፁም ኣእጋረይ ኣይትሓፅበንን ኢኻ” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ እንተ ዘይሓፂበካስ፥ ምሳይ ክፍሊ የብልካን” ኢሉ መለሰሉ።
9
ስምኦን ጴጥሮስ ድማ “ጐይታ፥ እምበኣር ኣእጋረይ ጥራሕ ኣይኮነን፥ ኣእዳወይን ርእሰይንውን እምበር” በሎ።
10
ኢየሱስ ከዓ “እቲ ዝተሓፅበ፥ ኵለንትናኡ ንፁህ እዩ እሞ፥ እንትርፊ ኣእጋሩ፥ ምሕፃብ ኣየድልዮን፤ ንስኻትኩም ከዓ ንፁሃት ኢኹም፤ ግና ዅልኻትኩም ኣይኮንኩምን” በለ።
11
ኢየሱስ “ኵልኻትኩም ንፁሃት ኣይኮንኩምን” ዝበለ፥ እቲ ኣሕሊፉ ዝህቦ፥ መን ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ።
12
ኣእጋሮም ምስ ሓፀቦም ድማ፥ ክዳውንቱ ተኸዲኑ፥ መሊሱ ምስኣቶም ተቐመጠ፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ “እዝ ዝገበርኩልኩምስ፥ ኣስተውዒልኩምዎዶ ኣለኹም?
13
ንስኻትኩም ‘መምህርን ጐይታን’ ኢልኩም ትፅውዑኒ፤ ከምኡ ስለ ዝኾንኩ ኸዓ፥ ፅቡቕ በልኩም።
14
እምበኣር ኣነ ጐይታኹምን መምህርኩምን እንተለኹ፥ ኣእጋርኩም ካብ ሓፀብኩ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ፥ ኣእጋር ብፆትኩም ክትሓፅቡ ይግብአኩም እዩ።
15
ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝገበርክዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ፥ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ።
16
ሓሽከር ካብ ጐይታኡ፥ ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኸም ዘይበልፅ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
17
እምበኣር ነዙይ እንተ ፈሊጥኩምዎ እሞ፥ እንተ ጌርኩምዎ ብፁኣን ኢኹም።
18
እዙይ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ፤ ኣነ ነቶም ዝሓረኽዎም እፈልጦም እየ፤ ግና ‘እቲ እንጀራይ ዝበልዕ፥ ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዓለ’ ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም እዙይ ኮነ።
19
እቲ ነገር ምስ ኮነ፥ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ፥ እቲ ነገር እንተይኮነ፥ ካብ ሕዚ እነግረኩም ኣለኹ።
20
ነቲ ኣነ ዝለኣኽክዎ ዝቕበል፥ ንኣይ ይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ ኸም ዝቕበል፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
21
ኢየሱስ እዙይ ምስ በለ፥ ብመንፈሱ ሓዚኑ “ሓደ ኻባኻትኩም ከም ዘትሕዘኒ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በለ።
22
እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ ብዛዕባ መን ከም ዝተዛረበ ስለ ዘይፈለጡ፥ ንስንሳቶም ተጠማመቱ።
23
ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ እቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ፥ ኣብ ጥቓ ኢየሱስ ተቐሚጡ ነበረ።
24
ስምኦን ጴጥሮስ “ንእኡ ብዛዕባ መን እዩ ዝዛረብ ዘሎ፥ እስኪ ጠይቆ? ኢሉ ጠቐሶ።”
25
ንሱ ኸዓ ናብ ኢየሱስ ፅግዕ ኢሉ “ጐይታ፥ መን እዩ ንሱ?” ኢሉ ጠየቖ።
26
ኢየሱስ ከዓ “እቲ ኣነ ቝራስ እንጀራ ፀቢሐ ዝህቦ፥ ንሱ እዩ” ኢሉ መለሰ፤ ሽዑ ድማ ቝራስ እንጀራ ፀቢሑ፥ ንይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ ሃቦ።
27
ድሕሪ እታ ቝራስ እንጀራ ኸዓ፥ ሰይጣን ኣብ ይሁዳ ሓደረ። ሽዑ ኢየሱስ “ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ” በሎ።
28
እቶም ምስኡ ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ግና፥ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝበሎ ኣይፈለጡን።
29
ንገሊኣቶም ግና፥ ሙዳየ ምፅዋት ምስ ይሁዳ ስለ ዝነበረ፥ ኢየሱስ “ንበዓል ዘድልየና ዓድግ” ወይ ከዓ “ንድኻታት ሃብ” ዝበሎ መሲልዎም ነበረ።
30
ይሁዳውን ነታ ቝራስ እንጀራ ምስ ተቐበለ፥ ሽዑ ንሽዑ ወፀ፤ ለይቲ እውን ነበረ።
31
ይሁዳ ምስ ወፀ፥ ሽዑ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “ሕዚ ወዲ ሰብ ከበረ፤ እግዚኣብሄርውን ብእኡ ኸበረ።
32
እግዚኣብሄር ብእኡ ኻብ ከበረ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ንእኡ ባዕሉ ከኽብሮ እዩ፤ ቀልጢፉውን ከኽብሮ እዩ።
33
ደቀይ፥ ገና ቑሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ፤ ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ከምቲ ንኣይሁድ ‘ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፥ ንስኻትኩም ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ዝበልክዎም፥ ንኣኻትኩምውን ሕዚ እብለኩም ኣለኹ።
34
ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ንስንሳትኩም ምእንቲ ኽትፋቐሩ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ።
35
ንስንሳትኩም ፍቕሪ እንተ ሃልዩኩም፥ ደቀ መዛሙርተይ ከም ዝኾንኩም፥ በዙይ ኵሉ ኽፈልጥ እዩ።”
36
ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ፥ “ጐይታ፥ ናበይ ክትከይድ ኢኻ?” በሎ፤ ኢየሱስ ድማ “ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፥ ንስኻ ሕዚ ኽትክተለኒ ኣይትኽእልን ኢኻ፤ ደሓር ግና ኽትክተለኒ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
37
ጴጥሮስ ከዓ “ጐይታ፥ ስለ ምንታይ እየ፥ ሕዚ ክኽተለካ ዘይክእል? ህይወተይ እንተ ኾነውን፥ ቤዛኻ ኣሕሊፈ ኽህብ እየ” በሎ።
38
ኢየሱስ ድማ “ንህይወትካ ቤዛይ ክተሕልፋ ዲኻ? ደርሆ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ጊዜ ኸም እትኽሕደኒ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
← Chapter 12
Chapter 14 →