bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 41
Job 41
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ነቲ ሓርገፅ ዝበሃል ኣራዊት ባሕሪ ብመቝለብ ክተውፅኦ፥ ንመልሓሱ ኸዓ ብገመድ ክትኣስሮዶ ትኽእል ኢኻ?
2
ወይ ናብ ኣፍንጫኡ ሰንቀ ኽተእትወሉ፥ ንምንጋጋኡ ድማ ብመቝለብ ክተንኵሎዶ ትኽእል ኢኻ?
3
ወይ ብሓቂ ኻባኻዶ ኣብዚሑ ይልምን እዩ? ብጥዑም ቃል ይዛረበካ ድዩ?
4
ንሓዋሩ ባርያኻ ኽትገብሮስ፥ ምሳኻዶ ኺዳን ዝኣቱ ይመስለካ?
5
ከምቲ ምስ ዒፍ እትፃወት፥ ምስኡ ትፃወት ዲኻ? ወይ ነግራድካ መፃወቲ ኽትኣስሮ እትኽእልዶ ይመስለካ?
6
ኣስገርቲዶ ብእኡ ይከራኸሩ እዮም? ወይ ከዓ ነጋዶ የካፍልዎ ድዮም?
7
ንቘርበቱ ብኲናት፥ ንባዕሉ ድማ ብመቓጥን ዓሳዶ ኽትመልኦ ትኽእል ኢኻ?
8
ኢድካ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር፤ ነቲ ሰልፊ ድማ ዘክር፤ መሊስካውን ኣይትድገም።
9
እንሆ ተስፋኡ ኸንቱ እዩ፤ ኵሉ ዝረአዮ ኣብ ቅድሚኡ ይዋረድ።
10
ንእኡ ኽቕስቅሶ ዝደፍር የለን፤ ኣብ ቅድመይ ክቐውም ዝኽእል መን እዩ?
11
እቲ ኣቐዲሙ ዝሃበኒ እሞ ኣነ ዝመልሰሉ መን እዩ? ኵሉ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ናተይ እዩ።”
12
“ስለ ኣካላቱን ስለ ብርቱዕ ሓይሉን፥ ስለ ፅባቐ ሰብነቱን ስቕ ኣይብልን።
13
ነቲ ላዕለዋይ ክዳኑ ኽቕንጥጦ ዝኽእል መን እዩ? ኣብ መንጎ ኽልቲአን ምንጋጋኡ ኽኣቱ ዝኽእልከ መን እዩ?
14
ንመዓፁ ገፁ ክኸፍት ዝኽእል መን እዩ? ኣብ ዙርያ ኣስናኑ ግርማ ኣሎ።
15
እቶም ጠንካራታት ዋልታታቱ ትዕቢቱ እዮም፤ ከም ብፀቢብ ማሕተም ዝተጋጠሙ እዮም።
16
ንስንሳቱ ተላጊቡ እዩ፤ ንፋስ እኳ ብመንጎኡ ክኣቱ ኣይኽእልን እዩ።
17
እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ግጡም እዩ፤ ንስንሳቶም ከዓ ዝተተሓሓዙ እዮም፤ ክፈልዮም ዝኽእልውን የለን።
18
ክህንጥስ እንተሎ ብርሃን የንፀባርቕ፤ ኣዒንቱውን ከም ወጋሕታ እየን።
19
ካብ ኣፉ ፋና ሓዊ ይወፅእ፤ ካብኡ ድማ ትንታግ ሓዊ ይነጥር።
20
ከም ዝፈልሕ ቍራዕን ከም ዝቃፀል ሸምበቆን፥ ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ይወፅእ።
21
እስትንፋሱ ንሕመት የጕህሮ፤ ካብ ኣፉውን ሃልሃልታ ይወፅእ።
22
ኣብ ክሳዱ ሓይሊ ይሓድር፤ ኣብ ቅድሚኡ ድማ ግርማ ይሰራሰር።
23
ስጋኡ ተደራሪቡ ዝገጠመ ስለ ዝኾነ፥ ሰብነቱ ፅኑዕ ዘይነቓነቕ እዩ።
24
ልቡ ኸም እምኒ ተሪር እዩ፤ ከም እምኒ መጥሓን ከዓ ፅኑዕ እዩ።
25
ንሱ ምስ ተልዓለ ጀጋኑ ይሽበሩ፤ ካብ ፍርሒ ዝተልዓለውን ይዓብዱ።
26
ሰይፊ ወይ ኲናት ወይ ፍላፃ ወይ መውግኢ እንተ ረኸብዎ ኣየሸንፍዎን።
27
ንሱ ንሓፂን ከም ሓሰር፤ ንነሃስውን ከም ዝቘንቈነ ዕንፀይቲ ይቘፅሮ።
28
ፍላፃ ኣየህድሞን፤ እምኒ ወንጭፍውን ከም ሓሰር ኾይኑ ይስምዖ።
29
ንጐመድ ከም ብርዒ ይቘፅሮ፤ ኲናት እንተ ወርወሩሉ ድማ ይስሕቖም።
30
ኣብ ትሕቲ ኸብዱ በሊሕ ስሕለት ኣለዎ፤ ኣብ ጭቃ ኸዓ ኣሰር በላሕቲ ጫፍ ይሓድግ።
31
ንሱ ንቓላይ ከም ድስቲ የፍልሖ፤ ንባሕሪ ድማ ኸም ቍራዕ ሽቱ ይገብሮ።
32
ደድሕሪኡ ንመንገዲ የብርሆ፤ እቲ ቓላይ ድማ ሲበት ይመስል።
33
ከምኡ ኾይኑ ብዘይ ፍርሓት ዝተፈጠረ፥ ኣብ ምድሪ የለን።
34
ልዕል ንዝበለ ዅሉ ንዒቑ ይጥምቶ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ትዕቢተኛታትውን ንጉስ እዩ።”
← Chapter 40
Chapter 42 →