bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 42
Job 42
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ ኢዮብ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2
“ኵሉ ምግባር ከም እትኽእልን፥ ነቲ ዝመደብካዮውን ኻብ ምግባር፥ ዝኽልክለካ ኸም ዘየለን ፈለጥኩ።
3
‘ብዘይ ፍልጠት ነቲ ምኽሪ ዘፀልምቶ መን እዩ?’ ብርግፅ ኣነ ዘየስተውዓልክዎን፥ ዘይፈለጥክዎን ብዛዕባ እቲ ንኣይ እምብዛ ዘገርም ነገርን ተናጊረ ኣለኹ።
4
‘ክዛረበካስ ስምዐኒ፤ ኣነ ኽጥይቐካ፥ በይዛኻ ንስኻውን መልሰለይ።’
5
ምስማዕስ ብሰማዒት እዝኒ ሰሚዐ ነይረ፤ ሕዚ ግና ዓይነይ ሪኣትካ።
6
ስለዙይ ንርእሰይ እንዕቓ ኣለኹ፤ ኣብ ሓመድን ሓሙዅሽትን ኮይነ እንሳሕ ኣለኹ።”
7
እግዚኣብሄር ንኢዮብ እዙይ ምስ ተዛረቦ፥ ንኤልፋዝ በዓል ቴማን ከምዙይ በሎ፦ “ከምቲ ኢዮብ ባርያይ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፥ ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ቍጥዓይ ነዲዱ እዩ።
8
ሕዚ ኸዓ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ሒዝኩም ናብ ኢዮብ ባርያይ ኪዱ እሞ ኽንዲ ርእስኹም ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ። ኢዮብ ባርያይውን ክፅልየልኩም እዩ፤ ንእኡ ኽቕበሎ እየ። ከምቲ ኢዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፥ ምእንታኡ ኢለ ኸምቲ ንዕሽነትኩም ዝግባእ ኣይገብርን እየ።”
9
ሽዑ ኤልፋዝ በዓል ቴማን፥ በልዳዶስ በዓል ሹሓ፥ ሶፋር በዓል ናዕማ ኸይዶም ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮብ ተቐበሎ።
10
ኢዮብውን ምእንቲ ፈተውቱ ምስ ፀለየ፥ እግዚኣብሄር ንምርኮ ኢዮብ መለሰሉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮብ ካብቲ እቲ ቐደም ዝነበሮ ሃብቲ ኽልተ ዕፅፊ ገይሩ ሃቦ።
11
ኵሎም ኣሕዋቱን ኵላተን ኣሓቱን ኵሎም እቶም ቀደም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ፈተውቱን ድማ፥ ናብኡ መፂኦም፥ ኣብ ቤቱ ምስኡ እንጀራ በልዑ። ስለ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዘውረደሉ መከራታት ድማ ሓዘኑሉ፤ ኣፀናንዕዎውን። ነፍሲ ወከፎም ድማ ቕርሺ ብሩርን ቀለበት ወርቅን ሃብዎ።
12
እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮብ ካብቲ ቐዳማይ ሃብቱ ነቲ ዳሕረዋይ ኣብሊፁ ባረኸሉ። ንሱ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ኣግማል፥ ሽሕ ፅምዲ ብዕራይ፥ ሽሕ ኣንስትዮ ኣእዱግ ነበርዎ።
13
ከምኡውን ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣጓላትን ተወለዱሉ።
14
ነታ ቐዳመይቲ ይሚማ፥ ነታ ኻልአይቲ ቃስያ፥ ነታ ሳልሰይቲ ኣማልቶያስ ቂራስ ኢሉ ሰመየን።
15
ኣብ ኵላ እታ ሃገር እቲኣ ኸም ኣጓላት ኢዮብ ዝበላ ምልኩዓት ኣይነበራን። ኣቦአን ድማ ምስቶም ኣሕዋተን ርስቲ ሃበን።
16
ድሕሪዙይ ኢዮብ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ነበረ፤ ደቁን ደቂ ደቁንውን ክሳዕ ኣርባዕተ ትውልዲ ረአየ።
17
ድሕሪዙይ ኢዮብ ሸምጊሉ ዕድመ ፀጊቡ ሞተ።
← Chapter 41