bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 40
Job 40
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ንኢዮብ ከምዙይ በሎ፦
2
“ኢዮብ፥ ብሓቂ፥ ዝማጐት ሰብ፥ ምስቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄርዶ ይማጐት እዩ? እቲ ምስ እግዚኣብሄር ዝማጐት ንሱ ይመልሰሉ።”
3
ሽዑ ኢዮብ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦
4
“እንሆ ጐይታይ፥ ኣነ ኸንቱ ዝኾንኩ ሰብ እየ፤ እንታይ ኢለ ደኣ ኽምልሰልካ? ኣፈይ ብኢደይ ሒዘ ኣለኹ።
5
ሓደ ሻዕ ተዛሪበ ነይረ፤ ሕዚ ግና ኣይምልስን እየ፤ ኣነ ኽልተ ሻዕ ተዛሪበ ነይረ፤ ግና ኣይደግምን እየ።”
6
መሊሱ እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጢ ኣውሎ ንፋስ ኮይኑ፥ ንኢዮብ ከምዙይ በሎ፦
7
“ሕዚ እምበኣር ከም ሰብኣይ ሕቘኻ ተዓጠቕ፤ ኣነ ኽጥይቐካ እየ፤ ንስኻውን መልሰለይ።
8
ንርእስኻ ምእንቲ ኽተፅድቕ ንፍርደይ ከንቱ ኽትገብሮ፥ ንኣይ ድማ ኽትኵንነኒዶ ትደሊ ኣለኻ?
9
ከም ቅልፅም እግዚኣብሄር ዝበለ ቕልፅምዶ ኣለካ እዩ? ከም ድምፁ ጌርካዶ ኸተንጐድጕድ ትኽእል ኢኻ?
10
እምበኣርከስ ክብረትን ልዕልናን ተሸለም፤ ክብርን ግርማን ከዓ ልበስ።
11
ዕቡይ ንዝኾነ ዅሉ ኣትኲርካ ረአዮ እሞ፥ ቍጥዓኻ ኣፍሲስካ ኣዋርዶ።
12
እወ፥ ዕቡይ ንዝኾነ ትሕት፥ ትሕት ኣብሎ፤ ንኽፉኣት ሰባትውን ኣብ ቦታኦም እንተለዉ ርገፆም።
13
ንዅሎም ብሓድነት ኣብ ምድሪ ሰውሮም፤ ኣብ ሕቡእ ስፍራውን ገፆም ሸፍን።
14
ሽዑ ኣነ የማነይቲ ኢድካ፥ ክተድሕነካ ኸም እትኽእል ክምስክረልካ እየ።”
15
“ነቲ ምሳኻ ዝፈጠርኩዎ፥ ብሄሞት ረአዮ፤ ንሱ ኸም ብዕራይ ሳዕሪ ይበልዕ፤
16
እንሆ ድማ፥ ሓይሉ ኣብ ሕቘኡ፥ ምብርታዑ ኣብ ጅማት ከብዱ እዩ ዘሎ።
17
ንጭራኡ ኸም ኦም ሊባኖስ ይነንዎ፤ ጅማውቲ ሰለፉውን ፅኑዕ ትንጎ እዩ።
18
ኣዕፅምቱ ኸም ነሃስ ሓያል እዩ፤ ኣካላቱ ኸም በትሪ ሓፂን እዩ።”
19
“ንሱ ኣውራ ፍጥረት እግዚኣብሄር እዩ፤ ሰራሒኡውን ሰይፉ ሃቦ።
20
እቲ ዅለን እንስሳ በረኻ ዝፃወታሉ እምባ፥ ዝብላዕ ሳዕሪ የብቍለሉ።
21
ኣብ ትሕቲ ፅላል ኣእዋም ለጥ ይብል፤ ኣብ ውሽጢ ሰልሰላን ረግረግን ድማ ይድቅስ።
22
ፅላል ዘለዎ ኦም ብፅላሉ ይስውሮ፤ ኣእዋም ሩባ ዂሓውን ይኸብዎ።
23
ውሕጅ ብሓይሊ ደፊኡ እንተ መፀ እኳ ኣይድንግፅን፤ ዮርዳኖስ ክሳዕ ኣፉ እንተ መልአውን ኣይሰግእን።
24
ኣዒንቱ እናረአያዶ ይተሓዝ እዩ? ንኣፍንጫኡ ኣንኲሉ ሰንቀል ዘእትወሉኸ መን እዩ?”
← Chapter 39
Chapter 41 →