bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 39
Job 39
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ጤል በረኻ እትወልደሉ ጊዜዶ ትፈልጦ ኢኻ? እራብ ቅልውላው እትተሓዘሉ ጊዜኸ ትምልከቶ ዲኻ?
2
ክንደይ ኣዋርሕ መላኣት ኮይነን ከም ዝፀንሓ፥ መኣዝውን ከም ዝወልዳ ትፈልጥ ዲኻ?
3
ብርክኽ ኢለን ደቀን ይወልዳ፤ ካብ ፃዕረንውን ይዓርፋ።
4
መሓስአን ይድልድላ፤ ኣብ በረኻ ይዓብያ፤ ይወፃ እሞ ናብኣተን ኣይምለሳን።”
5
“ንኣድጊ በረኻ ሓራ ዘውፅአ መን እዩ? ነቲ ኣድጊ በረኻኸ ኻብ መእሰሪኡ ዝፈትሖ መን እዩ?
6
ንፀምፀም በረኻ ስፍራኡ፥ ምድሪ ጨው ከዓ መንበሪኡ ክኸውን ዝሃብክዎ ኣነ እየ።
7
ብናይ ከተማ ጫውጫውታ ይስሕቕ፤ ደሃይ ኰብኳቢውን ኣይሰምዕን።
8
ንእምባታት ከም መዋፈሪ ይምልከቶ፤ ለምለም ዝኾነ ነገር ከዓ ይደሊ።”
9
“ብዕራይ በረኻ ሕራይ ኢሉዶ ይግዝአካ እዩ? ኣብ ደምቤኻኸ ይሓድረልካዶ?
10
ምእንቲ ኽትልመልካዶ ንጐባይ ትፀምዶ ኢኻ? ወይ ከዓ ኣብ ሕሩስዶ ደድሕሬኻ ይጕልጉል እዩ?
11
ሓይሉ ብርቱዕ ስለ ዝኾነዶ ትእመኖ ኢኻ? ተግባርካኸ ንእኡ ትሓድግ ዲኻ?
12
እኽልኻ ኽእክበልካ፥ ካብ ዓውዲውን ከእትወልካዶ ተኣምኖ ኢኻ?”
13
“ሰገን ንኣኽናፋ ብሓጐስ ተንገብግቦ እያ፤ ክንፋን ክንቲታን ግና ኸም ራዛ ኣይነፍርን።
14
እንቍላሊሓ ኣብ ምድሪ ተውድቕ፤ በቲ ሙቐት ሑፃ ድማ ተሙቖ።
15
‘እግሪ ከይጭፍልቐለይ፥ ኣራዊትውን ከይረግፀለይ’ ኢላ ኣይትሓስብን።
16
ንውሉዳ ኸም ዘይናታ ትቘፅሮ፤ ፃዕረይ ከንቱ ኸይኸውን ኢላ ድማ ኣይትግደስን።
17
እዙይ ድማ እግዚኣብሄር ጥበብ ስለ ዝኸልከላን ምስትውዓልውን ስለ ዘይዓደላን እዩ።
18
ንላዕሊ፥ ልዕል ልዕል ምስ በለት፥ ንፈረስን ፈረሰኛን ትስሕቖም።”
19
“ንፈረስ ሓይሊ ሂብካዮ ዲኻ? ንኽሳዱኸ ጋማ ኣልቢስካዮ ዲኻ? ከም ኣንበጣኸ ኣፈናጢርካዮ ዲኻ?
20
ከም ኣንበጣዶ ተሰራስሮ ኢኻ? እቲ ዕቡይ ኵርፍታኡ ዘፍርሕ እዩ።
21
ኣብ ጐልጐል ብሸዀናኡ እናፃሕተረ ብሓይሉ ይሕጐስ፤ ናብ ውግእውን ክገጥም ይወፅእ።
22
ኣብ ልዕሊ ፍርሓት ይስሕቕ፤ ኣይድንግፅንውን፤ ካብ ሰይፊ ድማ ድሕር ኣይብልን እዩ።
23
ኣብ ዝባኑ ናይ ፍላፃ ጕልድባ፥ ብልጭልጭ ዝብል ኲናትን ስሕለትን ጭዋሕዋሕ ይብል።
24
ብጭካነን ብቝጥዓን ንመሬት ይውሕጣ፤ መለኸት ክንፋሕ እንተሎ ኣይቐውምን።
25
መለኸት እንትሰምዕ ይሕምሕም፤ ንውግእን ንወኻዕታ ሰራዊትን ካብ ርሑቕ የጫንዎ፤ ንፈኸራ ኣሕሉቑ ኻብ ርሑቕ ይሰምዖ።”
26
“ሊሎ ንላዕሊ ዝመጥቕ፥ ኣኽናፉውን ንደቡብ ኣቢሉ ዝዝርግሕኸ፥ ብጥበብካ ድዩ?
27
ንስሪ ንላዕሊ ዝዓርግ፥ ቤቱውን ኣብ በሪኽ ዝሰርሕኸ ብትእዛዝካ ድዩ?
28
ኣብ ገደል ይነብር፤ ኣብ ገምገም ገደልን ኣብ ፀግዑን ይሓድር፤
29
ኣብኣ ኾይኑ ዝንጠቕ የማዕዱ፤ ኣዒንቱ ኽሳዕ ርሑቕ ይጥምታ።
30
ጫቚታቱ ደም ይሰትዩ፤ ኣብቲ ገምብታት ዘለውዎ፥ ንሱ ኣብኡ ይርከብ።”
← Chapter 38
Chapter 40 →