bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 38
Job 38
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጢ ኣውሎ ንፋስ ኮይኑ ንኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦
2
ብዘይ ፍልጠት ብዝንገር ቃል ንምኽረይ ዘፀልምቶ መን እዩ?
3
ከም ሰብ ኴንካ ሕቘኻ ተዓጠቕ፤ ኣነ ኽጥይቐካ እየ፤ ንስኻውን መልሰለይ።
4
ኣነ ንምድሪ ኽስርታ እንተለኹ፥ ንስኻ ኣበይ ኔርካ? ተስተውዕል እንተ ዄንኻ እስኪ ንገረኒ።
5
ትፈልጥ እንተ ዄንካኸ፥ ነቲ መጠና ዝወሰነ መን እዩ? መለክዒ ገመድ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሐኸ መን እዩ?
6
እቲ ንምድሪ ኣፅኒዑ ሒዙ ዘሎ ዓምዲ ኣብ ምንታይ ተተኺሉ ኣሎ? ነቲ እምኒ መኣዝና ዘቖመኸ መን እዩ?
7
ናይ ጊሓት ከዋኽብቲ ሓቢሮም እንትዝምሩ፥ ኵሎም ደቂ እግዚኣብሄር ዕልል እንትብሉ፤ መሰረታት ኣብ ምንታይ ተተኺሎም ነበሩ? ናይ መኣዝና እምኒኸ ዘቖመ መን እዩ?
8
ባሕሪ ኻብ ማህፀን ከም ዝወፅእ ምስ ወፀ፥ ማዕፆኡ ዝዓፀወ መን እዩ?
9
ደመና ንልብሱ፥ ንፀልማት ድማ መጠቕለሊኡ ገበርኩ።
10
ወሰን ኣቖምኩሉ፤ መሸጐርን መዓፁን ከዓ ገበርኩሉ፥
11
“ክሳዕ ኣብዙይ ብፃሕ፤ ካብዙይ ንንየው ኣይትሕለፍ፤ እቲ ብርቱዕ ናህሪ ማዕበላትካውን ካብዙይ ኣይሕለፍ” በልኩ።
12
ንወሰናት ምድሪ ኽሕዞ እሞ፥ እቶም ዓመፀኛታት ተናዊፆም ምእንቲ ኽወፁ፥ ካብ እትውለድ ጀሚርካስ፥ ንንግሆ ኣዚዝካዮ፥ ወይ ንብርሃን ወጋሕታኸ ቦታኡ ኣፍሊጥካዮዶ ትፈልጥ ኢኻ?
14
ጭቃ ኣብ ትሕቲ ማሕተም ከም ዝልወጥ፥ ከምኡውን ንሳ ትልወጥ፤ ኵሉ ነገርውን ከም ክዳን ይቕለም።
15
ካብቶም ክፉኣት ብርሃኖም ተኸልኪሉ፤ እቲ ልዕል ዝበለ ቅልፅሞምውን ተሰይሩ።
16
ክሳዕ ምንጭታት ባሕሪዶ በፂሕኻ ትፈልጥ? ኣብ ውሽጢ መሰረት ቃላይከ ተመላሊስካዶ ትፈልጥ?
17
ኣፍ ደገታት ሞት ተገሊፆምልካ ድዮም? በርታት ድነ ሞትዶ ርኢኻ ትፈልጥ?
18
ስፍሓት ምድሪኸ! ትፈልጦ ዲኻ? እዝ ዅሉ ትፈልጥ እንተ ዄንካ ተዛረብ።
19
ናብ ወሰኑ ንኽተብፅሖ፥ ናብ ቤቱ እትወስድ መንገድታትውን ክትፈልጥስ፥ መንገዲ መንበሪ ብርሃን ኣበይ እዩ? ቦታ ፀልማትከ ኣበይ ኣሎ?
21
ሽዑ ተወሊድካ ኔርካ ኢኻሞ፥ አረ ቝፅሪ መዓልቲታትካውን ብዙሕ እዩ እሞ፥ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ!
22
ኣብ መዛግብቲ በረድዶ ኣቲኻ ትፈልጥ? ንቤት መዛግብቲ በረድከ ርኢኻዮዶ ትፈልጥ?
23
ንእኡ ንጊዜ መከራን ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ዝዓቘርክዎ እዩ።
24
ብርሃን ብኸመይ መንገዲ ይከፋፈል? ንፋስ ምብራቕከ ኣብ ምድሪ ኸመይ ይብተን?
25
ንፈሳሲ ዝናም መትረብ ዘቃንዐሉ፥ ንበርቂ ነጐድጓድውን መንገዲ ዝገበረሉ መን እዩ?
26
ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር፥ ነቲ ሰብ ዘይብሉ በረኻ ዝናም ዘዝንመሉ መን እዩ?
27
ለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኸብቍል ንምድሪ ኣፃምእን በረኻን ዘርውዮ መን እዩ?
28
ንዝናም ኣቦዶ ኣለዎ? ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለደኸ መን እዩ?
29
በረድ ኻብ ከርሲ መን እዩ ዝወፅእ? ንኣስሓይታ ሰማይከ ዝወለደ መን እዩ? ንማያት ከም እምኒ ዘጠንክር፥ ንመዓሙቕ ባሕሪኸ ዘርግእ መን እዩ?
31
ብሓቂ ዘለላ እቶም ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ክትኣስርዶ ትኽእል ኢኻ? ወይ ነቲ ኦሪዮ ዝበሃል ኮኸብ ክትፈትሕዶ ትኽእል ኢኻ?
32
ወይ ማዛሮት ንዝተብሃሉ ኸዋኽብቲ ብጊዜኦም ክተውፅኦም፥ ወይ ድብ ንዝበሃል ኮኸብ ምስ ደቁ ክትመርሕዶ ትኽእል ኢኻ?
33
ንስርዓት ሰማይ ትፈልጦ ዲኻ? ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዝሰልጥ ክትገብርከ ትኽእል ዲኻ?
34
ብዝሒ ማያት ምእንቲ ኽሽፍነካ፥ ቃልካ ናብ ደመናት ክተልዕልዶ ትኽእል ኢኻ?
35
እኒሀና ኢሎምኻ ንኽኸዱስ፥ ንመባርቕቲ ኽትልእኾምዶ ትኽእል ኢኻ?
36
ንጥበብ ኣብ ውሽጡ ዘንበራ፥ ንልቢ ሰብ ድማ ምስትውዓል ዝሃበ መን እዩ?
37
ንደመናታት ሰማይ ብጥበቡ ኽቘፅሮም ዝኽእል መን እዩ? ነሕርብቲ ሰማይከ ኸም ዘፍስሱ ዝገብሮም መን እዩ?
38
ዝናም ምስ ዘነመ ሓመድ ተበፅቢፁ፥ ከም ዝረግእ ዝገብር መን እዩ? ደናኵል ብሓደ ኸም ዝጣበቑ ዝገብርከ መን እዩ?
39
ንዋዕሮ ዝብላዕ ዘምፅአላ፥ ነቶም ኣብ በዓትታት ለጥ ኢሎም፥ ኣብ ዱርውን ኣድብዮም ዝፀንሑ፥ ኰራዅር ኣንበሳኸ፥ ክተፅግቦም ትኽእል ዲኻ?
41
ኳዃት ምግቢ ስኢኖም ክዞሩ እንተለዉ ጨቓዊቶምውን ዝብላዕ ስኢኖም ናብ ኣምላኽ እንተእውዩ፥ ዝምግቦም መን እዩ?
← Chapter 37
Chapter 39 →