bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 37
Job 37
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ስለዙይውን ልበይ ኣንቀጥቀጠ፤ ኣብ ስፍራኡ ኸዓ ተወሳወሰ።
2
ነቲ ምህማም ድምፂ ስምዑ፤ ነቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ዘሎ ነጐድጓድ ስምዑ።
3
ንእኡ ናብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ፥ ንብርሃኑውን ካብ ሓደ ወሰን፥ ናብቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ይሰዶ።
4
ብድሕሪኡ ድምፂ ይጓዝም፤ ብድምፂ ግርማኡውን የንጐድጕድ፤ ድምፂ ምስ ተሰምዐ ንመብረቕ ኣይኽልክሎን።
5
ኣምላኽ ብዘደንቕ ኵነታት ብድምፁ የንጐድጕድ፤ ንሕና ዘይነስተውዕሎ ዓበይቲ ነገራት ድማ ይገብር።
6
ንበረድን ዝናምን ንብርቱዕ ፀፍዕን ናብ ምድሪ ኽወርዱ ይእዝዞም።
7
ኵሎም ሰባት ተግባሩ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ንኢድ ወዲ ሰብ ይሓትሞ።
8
ኣራዊት ነናብ መሕብኢኦም ይኣትዉ፤ ኣብ በብዓቶም ድማ ይቕመጡ።
9
ኣውሎ ንፋስ ካብቲ ሕቡእ ስፍራኡ፤ ዛሕሊ ድማ ኻብ ሰሜን ይወፅእ።
10
ካብ እስትንፋስ እግዚኣብሄር ኣስሓይታ ተውሂቡ፤ ስፍሓት ማያት ከዓ ይፀብብ።
11
ንደመናታት ማይ ይፅዕኖም፤ ንናይ መብረቕ ደመናታትውን ይብትኖም።
12
እዚኣቶም ነቲ ዅሉ ንሱ ዝእዝዞም ዘበለ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገፅ ምድሪ ምእንቲ ኽገብሩስ፥ ብእኡ እናተመርሑ ናብ ኵሉ ዓለም ይዞሩ ኣለዉ።
13
እግዚኣብሄር ንመቕፃዕቲ፥ ወይ ንምድሪ፥ ወይ ንምሕረት የውርዶም።”
14
“እምበኣርከስ፥ ኦ ኢዮብ! ነዙይ ስማዕ፤ ቁም፤ ንተኣምራት እግዚኣብሄርውን ህድእ ኢልካ ኣስተንትኖ።
15
ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ኸም ዝእዝዞም፥ እቲ ናይ ደመና ብርሃን ከመይ ከም ዘብርህ ፈሊጥካ ዲኻ?
16
ነቲ ምድልዳል ደበና፥ ወይ ናይቲ ፍልጠቱ ፍፁም ዝኾነ ዘደንቕ ግብሪኸ ትፈልጦ ዲኻ?
17
ምድሪ ብንፋስ ደቡብ ፀጥ ምስ በለት፥ ክዳውንትኻ ዝሞቐካ ኣታ ንስኻ፥ ተስተውዕሎ ዲኻ!
18
ነቶም ከም ዝመኸኸ መስትያት ንዝኾኑ ሰማያት፥ ምስኡ ዄንካ ኽትዝርግሕ ምኸኣልካዶ ኔርካ?
19
ንሕና ኻብ ፀልማት ዝተልዓለ፥ ብስርዓት ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና እሞ፥ እንብሎ ንስኻ ኣፍልጠና።
20
ዝኾነ ብዛዕባኡ እንተ ተናገረ ፈፂሙ ይወሓጥ እዩሞ፤ ኣነ ኽናገር እንተ ዝደሊ፥ ሰብዶ ይነግሮ እዩ?”
21
“ሕዚ ድማ ንፋስ ሓሊፉ ምስ ኣፅረዮም፥ ሰብ ነቲ ኣብ ሰማይ ዘብርህ ብርሃን ክጥምቶ ኣይኽእልን።
22
ወርቂ ዝመስል ብርሃን ብወገን ሰሜን ይወፅእ፤ ኣምላኽ ከዓ ብዘፍርሕ ግርማኡ ተኸቢቡ ኣሎ።
23
ነቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ክንረኽቦ ኣይንኽእልን፤ ንሱ ብሓይሊ ብፍርዲ ብፍትሒ ዓብዪ እዩ፤ ንሓደኳ ኣይጭቁንን።
24
ሰባትውን በዙይ እዮም ዝፈርሕዎ፤ ነቶም ብልቦም ብልህታት ኢና ዝብሉ ኸዓ፥ ንሱ ኣየቕልበሎምን እዩ።”
← Chapter 36
Chapter 38 →