bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 33
Job 33
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኦ ኢዮብ፥ ሕዚ ግና ንዘረባይ ስማዕ፤ ንዅሉ ቓለይ ከዓ ፅን ክትብሎ እልምነካ ኣለኹ።
2
እንሆ ኣፈይ እኸፍት ኣለኹ። መልሓሰይውን ኣብ ትንሓገይ ትዛረብ ኣላ፤
3
ቃለይ ቅንዕና ልበይ የውፅእ፤ ከናፍረይ ከዓ ነቲ ዝፈልጥዎ ብቕንዕና ይናገሩ ኣለዉ።
4
መንፈስ እግዚኣብሄር እዩ ዝፈጠረኒ፤ እስትንፋስ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እዩ ህይወት ዝሃበኒ።”
5
“እንተ ኽኢልካስ መልሰለይ፤ ተዳሊኻ ኣብ ቅድመይ ቁም።
6
እንሆ፥ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከማኻ እየ፤ ኣነውን ካብ መሬት ዝተፈጠርኩ እየ።
7
ስለዙይ ግርማይ ኣየፍርሐካን፤ ኢደይውን ኣይኸብደካን እዩ።”
8
“ኣብ እዝነይ ተዛሪብካ ኢኻ፤ ንድምፂ ቓልካውን ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ከምዙይ ድማ በልካ፦
9
‘ኣነ በደል የብለይን፤ ንፁህ እየ፤ ሓጢኣትውን የብለይን።
10
እንሆ፥ ምኽንያት ኣባይ ረኺቡ፤ ከም ፀላኢኡውን ይሪአኒ ኣሎ።
11
ነእጋረይ ኣብ ጕንዲ ኣሰረን፤ ንዅለን መንገድታተይውን ይቋመተን ኣሎ’ ትብል ኣለኻ።”
12
“እንተ ኾነ እግዚኣብሄር ካብ ሰብ ይበልፅ እዩ እሞ፥ በዙይስ ትኽክል ኣይኮንካን ኢለ እምልሰልካ ኣለኹ።
13
‘ንዅሉ ቓለይ ኣይምልሰለይን’ እናበልካ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ምስኡ እትከራኸር?
14
ሰብ ደኣ ኣየቕልበሉን እዩ እምበር፥ እግዚኣብሄርስ ብሓደ መንገዲ ወይ ብኻልእ ይዛረብ እዩ።
15
ሰብ ከቢድ ድቃስ ምስ ወደቖ፥ ኣብ ዓራቱውን ምስ ደቀሰ፥ ኣምላኽ ብሕልምን ብናይ ለይቲ ራእይን ይዛረቦ።
16
ንሰብ ይግስፆ፤ ንሱ ኸዓ ንእዝኒ ሰብ ይኸፍቶ፤ ብተግሳፁውን የደንግፆ።
17
ንሰብ ሓጢኣት ካብ ምግባር ምእንቲ ኽመልሶ፥ ካብ ትዕቢትውን ክስውሮ፥
18
ንነፍሱ ኻብ ጕድጓድ፥ ብሰይፊ እውን ንኸይጠፍእ ንህይወቱ ይሕሉ።
19
ሰብ ኣብታ ምድቃሱ ብስቅያት፥ ኣብ ኵሉ ዓፅሙ ብቓንዛ ይቕፃዕ።
20
ሽዑ ህይወቱ ንእንጀራ፥ ነፍሱውን ንጥዑም ምግቢ ትፀልእ።
21
ስጋኡ ዘይረአ ኽሳዕ ዝኸውን ስጋኡ ይማስን፤ ተሸፊኑ ዝነበረ ኣዕፅምቱ ይግለፅ።
22
ነፍሱ ናብ መቓብር፥ ህይወቱውን ናብ ቀተልቲ ትቐርብ።”
23
“ካብ ኣሽሓት መላእኽቲ ሓደ ማእኸላይ እንተ ዝርከብ፥ ንሰብውን እታ ቕንዕቲ መንገዲ እንተ ዘፍልጦ፤
24
ራህሪሁሉውን ‘ቤዛ ተረኺቡሉ እዩ እሞ፥ ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖ’ እንተ ዝብሎ፥
25
ሽዑ ስጋኡ ኸም ናይ ህፃን ስጋ ይልምልም፤ ናብ መዓልቲታት ጕብዝናኡ ይምለስ።
26
ናብ እግዚኣብሄር ይፅሊ፤ ንሱውን ሞገስ ይህቦ፤ ገፁውን ብሓጐስ የርእዮ፤ ንሰብውን ፅድቁ ይምልሰሉ።
27
ሽዑ ንሱ ‘ኣነ በደልኩ፤ ነቲ ቕኑዕውን ኣቐይነንኩ፤ ኣምላኽ ግና ኸም ዝግብአኒ ኣይፈደየንን፤ ንነፍሰይ ናብ መቓብር ከይትወርድ ኣድሒኑዋ እዩ፤ ህይወተይውን ብርሃን ትርኢ ኣላ’ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይዝምር።”
29
“እግዚኣብሄር ነዝ ዅሉ፥ ክልተ ጊዜ ሰለስተ ጊዜ ምስ ሰብ ይገብሮ።
30
እዙይውን ንነፍሱ ኻብ ጕድጓድ ንኽመልስ፥ ብብርሃን ህያዋንውን ንኸብርህ እዩ።”
31
“ኢዮብ፥ እምበኣር ኣስተውዒልካ ስምዐኒ፤ ስቕ በል እሞ ኣነ ኽዛረብ እየ።
32
እትብሎ እንተ ሃልዩካ ግና መልሰለይ፤ ክትፀድቕ እደሊ እየሞ ተናገር።
33
እንተ ዘይኮነ ነኣይ ፅን ኢልካ ስምዐኒ፤ ኣነ ድማ ጥበብ ክምህረካ እየ።”
← Chapter 32
Chapter 34 →