bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 34
Job 34
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኤሊሁ ብምቕፃል ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦
2
ኣቱም ጠቢባን፥ እስኪ ዘረባይ ስምዑ፤ ኣቱም ፈላጣትውን፥ ናባይ ኣቕልቡ።
3
ከምቲ ትሕናግ ንብልዒ ዘስተማቕሮ፥ እዝኒ ድማ ንዘረባ ይፈልዮ እዩሞ።
4
ቅኑዕ ዝኾነ ነገር ንምረፅ፤ ኣብ ማእኸልና ፅቡቕ ነገር ንፍለጥ።
5
ኢዮብ፥ ኣምላኽ ደኣ ፍትሒ ኸልአኒ እምበር፥ ኣነስ ፃድቕ እየ፤
6
ቅኑዕ እንተለኹ ኸም ሓሳዊ ተቘፀርኩ፤ ዝኾነ እንተይበደልኩ፥ ቍስለይ ዘይሓዊ እዩ ተብሂሉ ኣሎ።
7
ንላግፂ ኸም ማይ ዝሰቲ፥ ከም ኢዮብ ዝበለ ሰብ ኣበይ ይርከብ?
8
“ሰብ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ተኸተለ፥ ዝኾነ እኳ ኣይጠቕሞን እዩ” ኢሉ እዩ እሞ፥ መሓዛ ገበርቲ ኽፉእን ምስቶም ሓጥኣን ዝሓበረን ሰብ እዩ።
10
ስለዙይ ኣቱም ሰብ ኣእምሮ፥ እስኪ ስምዑኒ፤ ክፍኣት ክገብርስ፥ ካብ እግዚኣብሄር፥ በደልውን ክሰርሕስ ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይርሓቕ።
11
ንሰብ ከከም ግብሩ ይፈድዮ፤ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ኣካይዳኡ ገይሩ ዓስቢ ይህቦ።
12
ብርግፅ እግዚኣብሄር ክፉእ ኣይገብርን፤ እቲ ዅሉ ዝኽእል ድማ ፍትሒ ኣየቐይንን እዩ።
13
ንምድሪ ሓደራ ዝሃቦ መን እዩ? ንዅሉ ዓለምከ ኣብ ልዕሊኡ ዝገበረ መን እዩ?
14
ንሱ ንልቡ ናብ ባዕሉ እንተ ዝምልስ፥ መንፈሱን እስትፋሱን ናብ ባዕሉ እንተ ዝእክብ፥
15
ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ሓቢሩ ምጠፍአ፤ ሰብ ከዓ ናብ መሬት ምተመለሰ ነይሩ።
16
ኢዮብ፥ መስተውዐሊ እንተ ዄንካ ነዙይ ስማዕ፤ ናብ ድምፂ ቓለይውን ኣቕልብ።
17
ብሓቂ ፅድቂ ዝፀልእዶ ኽገዝእ ይኽእል እዩ? ነቲ ፃድቕን ሓያልን ዝኾነኸ ንስኻዶ በደለኛ ትገብሮ ኢኻ?
18
ዝኾነ ሰብዶ “ንንጉስ በዳሊ ኢኻ” ነሕሉቕ ከዓ “ክፉኣት ኢኹም” ይብል እዩ?
19
ኵላቶም ስራሕ ኣእዳዉ እዮም እሞ፥ ገፅ ኣሕሉቕ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ፤ ንሃብታም ካብ ድኻ ኣብሊፁ ኣይሪኦን እዩ።
20
ንሳቶም ከም ቅፅበት ዓይኒ ፍርቂ ለይቲ ይሞቱ፤ እቲ ህዝቢ ተንቀጥቂጡ ይሓልፍ፤ ሓያላትውን፥ ብዘይ ኢድ ይንቀሉ።
21
ኣዒንቱ ኣብ መንገዲ ሰብ እየንሞ፥ ንዅሉ ስጕምቶም ይሪኦ እዩ።
22
እቶም ገበርቲ ሓጢኣት ዝሕብኡሉ፥ ፀልማት ወይ ድነ ሞት የለን።
23
ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኽፍረድ ክመፅእ ቆፀራ ኽሕዘሉ ኣየድልዮን እዩ።
24
ንሓያላት ብዘይ ምርመራ ይሰባብሮም፤ ክንድኣቶም ከዓ ኻልኦት የቕውም።
25
ንተግባሮም ይፈልጦ እዩ፤ ንኽደቁውን ብለይቲ ይገለባብጦም።
26
ሰባት እናረአዩ ኸም ክፉኣት ይወቕዖም።
27
እዙይ ከዓ ንእኡ ኻብ ምኽታል ስለ ዘግለሱ፥ ንዅለን ትእዛዛቱውን ስለ ዝነዓቑ እዩ።
28
ንሳቶም ብኽያት ድኻ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝበፅሕ ስለ ዝገበሩ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ገዓር ውፁዓት ሰምዐ።
29
ክፉእ ምእንቲ ኸይነግስ፥ ንህዝቢ ኸዓ መፃወዲያ ኸይኸውንስ፥ ንህዝቢ ወይ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሃቦ፥ መን እዩ ዝዅንኖ? ገፁ እንተ ሰወረኸ መን እዩ ዝሪኦ?
31
ኣነ ንእግዚኣብሄር እንተይበደልኩ ቅፅዓት ተቐበልኩ፤
32
ንዘይሪኦ ነገር ንስኻ መሃረኒ፤ በዲለ እንተ ኾይነውን መሊሰ ኣይብድልን ዝብሎ መን እዩ?
33
ብሓቂ ንስኻ ኣቢኻዮ ኢኻሞ፥ ከምቲ እትደልዮ ገይሩዶ ኽፈዲ እዩ? እትመርፅ ንስኻ ኢኻ እምበር ኣነ ኣይኮንኩን፤ ስለዙይ እትፈልጦ ተናገር።
34
ኵሎም ዝሰምዑኒ ጥበበኛታት፥ መስተውዓልቲውን ከምዙይ ይብሉኒ፦ “ኢዮብ ብዘይ ፍልጠት እዩ ዝዛረብ፤ ቃላቱ ብዘይ ኣእምሮ እዩ” ኽብሉኒ እዮም።
36
ኣብ ቅድሚ ዅልና ድማ ብኢድ የጣቕዕ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርውን ቃል የብዝሕ ኣሎሞ፥ ንሱ ኸምቶም ክፉኣት ሰባት እዩ ዝምልስ እሞ፥ ኢዮብ ኣበይሞ ኽሳዕ መወዳእታ እንተ ዝፍተን!
← Chapter 33
Chapter 35 →