bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 32
Job 32
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዮብ “ፃድቕ ሰብ እየ” ኢሉ ዝኣምን ስለ ዝነበረ፥ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ምላሽ ምሃብ ሓደጉ።
2
ሽዑ፥ ወዲ ባርክኤል ካብ ዓሌት ቡዝ ካብ ወገን ራም ዝኾነ ኤሊሁ ብቝጥዓ ነደደ፤ ካብ እግዚኣብሄር ንላዕሊ ኢዮብ ንባዕሉ ኣፅዲቑ ነበረሞ፥ ኣበርቲዑ ዀረየሉ።
3
እቶም ሰለስተ ፈተውቱ ግና ምላሽ ስለ ዝሰኣኑሉ፥ ኣብ ኢዮብውን ስለ ዝፈረዱ፥ ኤሊሁ ዀረየሎም።
4
ንኤሊሁ ብዕድመ ይዓብይዎ ስለ ዝነበሩ ንሳቶም ክዛረቡ እንተለዉ ኤሊሁ እንተይተዛረበ ፀንሐ።
5
ኤሊሁ፥ ሰለስቲኦም ዝምልስዎ ስኢኖም ምስ ረአየ፥ ተቘጥዐ።
6
ኤሊሁ ወዲ ባርክኤል ካብ ዓሌት ቡዝ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ “ኣነ ብዕድመ ንእሽተይ እየ፤ ንስኻትኩም ግና ዓበይቲ ኢኹም፤ ስለዙይ ከዓ ሓፊረ ኽሳዕ ሕዚ ስቕ በልኩ፤ ሓሳበይውን ኣይገለፅኩልኩምን።
7
ኣነ፥ እተን መዓልቲታት ይዛረባ፤ ብዝሒ ዓመታት ከዓ ጥበብ የፍልጥ፥ ኢለ ሓሰብኩ።
8
ግና ኣብ ውሽጢ ሰብ መንፈስ ኣሎ፤ ግና መንፈስ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እዩ ምስትውዓል ዝህብ።
9
ዓበይቲ ጥራሕ ኣይኮኑን ጠቢባን ዝኾኑ፥ ሽማግለታትውን ኣይኮኑን ንቕኑዕ ዘስተውዕሉ።
10
ስለዙይ፥ ኣነውን ‘ፍልጠት ክገልፅስ ስምዑኒ’ እብል ኣለኹ።”
11
“እንሆ፥ ንቓልኩም ብትዕግስቲ ተፀበኹ፤ ቃላት ክትሓርዩ እንተለኹምውን፥ ንቑም ነገርኩም ፅን በልኩ።
12
ከምኡውን ልቢ በልኩ፤ እንሆ ኻባኻትኩም ንኢዮብ ዘረድአ፥ ወይ ንቓሉ መልሲ ዝሃበ የለን።
13
ኢዮብ ግቡእ መልሲ ኽህቦ ዝኽእል፥ ንስኻትኩም ጥበብ ረኺብና ኣለና፥ እግዚኣብሄር እምበር ሰብ ኣየሸንፎን፥ ከይትብሉ ተጠንቀቑ።
14
ኢዮብ ምሳኻትኩም እምበር ምሳይ ኣይተዛረበን፤ ከምቲ ዘረባኹም ገይረ ኸዓ ኣይምልሰሉን እየ።”
15
“ንሳቶም ደንጊፆም ዘረባ ስኢኖም ኣለዉ፤ እንታይ ከም ዝዛረቡ ኸዓ ጠፊእዎም ኣሎ።
16
ንሳቶም ሓደኳ ኣይተናገሩንሞ፥ ደው ኢሎምውን ኣይመለሱንሞ፥ ኣነ ብትዕግስቲ ኽፅበ ድየ?
17
ኣነውን ብታራይ ክምልስ፥ ሓሳበይ ድማ ኽገልፅ እየ።
18
ቃል መሊኡኒ ኣሎሞ፥ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ድማ ይደፋፍአኒ ኣሎ።
19
እንሆ ውሽጠይ ከም ሕቱም ወይኒ፥ ብጕዕሽ ወይኒ ኽቕደድ ከም ዝቐረበ ሓርቢ እዩ።
20
ቁሩብ ክዛረብ እሞ ኸተንፍስ፥ ከናፍረይ ከፊተ፥ ክምልስ ክጅምር እየ።
21
ንገፅ ሰብ ግና ኣየዳሉን እየ፤ ንሰብውን ኣየቀባጥርን እየ።
22
ምቅብጣር እኳ ኣይፈቱን እየ፤ ከምኡ እንተ ዝኸውንማ፥ ፈጣሪየይ ቀልጢፉ ካብ ህይወተይ ምፈለየኒ ነይሩ።”
← Chapter 31
Chapter 33 →