bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 31
Job 31
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ምስ ዓይነይ ቃል ኪዳን ኣተኹ፤ ደጊም ናብ ቆንጆ ኸመይ ኢለ ኽርኢ?
2
እቲ ግደ ኣምላኽ ኣብ ላዕሊ እቲ ርስቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል፥ ካብ ኣርያም እንታይ እዩ?
3
ጥፍኣት ንዓመፅቲ፥ ዕንወትውን ንገበርቲ ኽፉእዶ ኣይኮነን?
4
ንሱስ ንመንገደይዶ ኣይሪኣን እዩ? ንዅለን ስጕምታተይከ ኣይቘፅረንን ድዩ?”
5
“ኣነ ብሓሰት ዝነብር እንተ ነይረ፥ እግረይውን ንምትላል ጐይዩ እንተ ኾይኑ፥
6
እግዚኣብሄር ብቕኑዕ ሚዛን ይምዘነኒ፤ ንፁህ ምዃነይ ከዓ ኽፈልጥ እዩ።
7
ኣካይዳይ ካብ ቅኑዕ መንገዲ እንተ ዘምቢሉ፥ ዓይነይ ዝረአዮ ልበይ ተመንይዎ እንተ ኾይኑ፥ ኣእዳወይውን ብሓጢኣት ረሲሐን እንተ ኾይነን፥
8
ነቲ ዝዘርኦ ኻልእ ይብልዓዮ፤ ኵሉ ዝበቍልውን ካብ ሱሩ ይበቘስ።”
9
“ልበይ ናብ ካልእ ሰበይቲ ጐምጅዩ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ደገ ቤት ብፃየይ ተፀናትየ እንተ ኾይነ፥
10
ሰበይተይ ንኻልእ ሰብ ትጥሓን፤ ካልኦት ሰባትውን ምስኣ ይደቅሱ።
11
እዝ ነውሪ እዙይ፥ ወንጀል እዩ፤ ፈረድቲ እውን ዝቐፅዑሉ በደል እዩሞ።
12
እዙይ ክሳዕ ሲኦል ዝበልዕ ሓዊ፥ ንዅሉ በቝለይውን ካብ ሱሩ ዘጥፍእ እዩ።”
13
“ተባዕታይ ባርያይን ኣንስተይቲ ባርያይን፥ ምሳይ ምስተማጐቱ ምጕቶም ንዒቐ እንተ ኾይነ፥
14
እግዚኣብሄር ክፈርደኒ ምስ ተስአ እንታይ ክገብር እየ? ምስ ተቘፃፀረኒኸ፥ እንታይ ክምልሰሉ እየ?
15
እቲ ንኣይ ኣብ ማህፀን ዝፈጠረ፥ ንእኡስ ዝፈጠሮዶ ኣይኮነን? እቲ ኣብ ውሽጢ ማህፀን ዝሰርሐናስ ሓደዶ ኣይኮነን።”
16
“እቲ ምስኪን ለሚኑኒ ኸሊአዮ እንተ ኾይነ፥ ንዓይኒ መበለትውን ከርተት ኣቢለ እንተ ኾይነ፥
17
ቍራስ እንጀራይ በይነይ እንተ በሊዐ፥ እቲ ደኽታም ድማ ኻብኡ እንተይበልዐ ተሪፉ እንተ ኾይኑ፥
18
እኳ ደኣ ንደኽታም ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፥ ከም ኣቦ ኾይነ ኣዕበኽዎ፤ ንመበለት ድማ ኻብ ማህፀን ጀሚረ መራሕኽዋ።
19
ንዕሩቕ ሰኣን ክዳን ክጠፍእ፥ ወይ ንድኻ ብዘይ ክዳን ምዃኑ ምስ ረአኽዎ፥
20
ካብ ፀጕሪ ኣባጊዐይ ዝተኣልመ ኽዳን ሂበ እንተ ዘየሚቘዮ፥ ንሱ ኸዓ ብምሉእ ልቡ እንተ ዘይመሪቑኒ”
21
“ኣብ ቤት ፍርዲ ተሰማዕነት ኣለኒ ኢለ፤ ንደኽታም ገፊዐዮ እንተ ኾይነ፥
22
ቅልፅመይ፥ ካብ መንኰበይ ይፈለ፤ ኢደይውን ኣብቲ ዅርናዕ ይሰበር።
23
ናይ እግዚኣብሄር መዓት ኣደንጊፁኒ እዩሞ፥ ኣብ ቅድሚ ግርማኡውን ክቐውም ኣይከኣልኩን።”
24
“ንወርቂ ተስፋ ገይረ፥ ንፅሩይ ወርቂውን ‘መተኣማመንየይ ኢኻ’ ኢለዮ እንተ ኾይነ፥
25
ኢደይ ሃብቲ ኣምፂኣትለይ ኢለ፥ ተመኪሐ እንተ ኾይነ፥
26
ድምቀት ብርሃን ፀሓይ ሪአ፥ ነቲ ኽቡር ኣካይዳ ወርሒውን ጠሚተ እንተ ኾይነ።
27
ልበይ ብስዉር ተታሊሉ፥ ኣፈይውን ንኢደይ ስዒሙ እንተ ኾይኑ፥
28
ከምዙይ ምግባር ንልዑል እግዚአብሔር ምኽሓድ እዩሞ፥ እዙይ ከዓ ፈራዶ ዝቐፅዑሉ በደል ምዀነ ነይሩ።”
29
“ብጕድኣት ፀላእየይ ደስ ኢሉኒ እንተ ኾይኑ፥ መከራ ምስ ወረዶውን ተሓጕሰ እንተ ኾይነ፥
30
ግና ብመርገም ንነፍሱ ብምድላይ፥ መልሓሰይ ሓጢኣት ክሰርሕ ኣይፈቐድኩን።
31
ኣብ ድንኳነይ ዝነብሩ ሰባት ብስጋ ኸፍቱ፥ ዘይፀገበ መን ይርከብ ኢሎም እንተ ዘይኮይኖም፥
32
ገዛይ ንጋሻ ኽፉት ነበረ፤ መፃእተኛ ኣብ ደገ ኣይሓድርን ነይሩ።”
33
“በደለይ ኣብ ጓጓይ ብምሕባእ፥ ሓጥያተይ ከም ሰብ ሰዊረ እንተ ኾይነ፥
34
ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዝተልዓለ ፈሪሐ፥ ንዕቐት ኣዝማደይ ኣፍሪሑኒ፥ ስቕ ኢለ ናብ ደገ ዘይወፃእኹ እንተ ኾይነ፥”
35
“ኣየ! ዝሰምዐኒ እንተ ዝረክብ! እነሆ ፅሕፈት ኢደይ፥ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ መልሲ ይመልሰለይ! እቲ ኸሳስየይ ድማ ኽሱ ፅሒፉ እንተ ዘቕርብ!
36
ኣብ ማእገረይ ምፆርክዎ፤ ኣኽሊል ገይረውን ኣብ ርእሰይ ምደፋእኽዎ።
37
ኵሉ እቲ ዝገበርክዎ መፍለጥክዎ፤ ከም ሓለቓ ኾይነ ኸዓ ምቐረብክዎ ነይረ።”
38
“ግራተይ ብኣይ ኣእውያ እንተ ኾይና፥ ትልምታታ ድማ ብሕብረት በኽዮም እንተ ኾይኖም፥
39
ንፍሪኣ ብዘይ ዋጋ በሊዐ፥ ንነፍሲ ዋናታታ ኣሕዚነ እንተ ደኣ ኾይነ፥
40
ሽዑ ኽንዲ ስርናይ ክርዳድ፥ ክንዲ ስገም ከዓ ሰዓዕ ተብቍለለይ።” ዘረባ ኢዮብ ኣብዙይ ተፈፀመ።
← Chapter 30
Chapter 32 →