bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 30
Job 30
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ሕዚ ግና እቶም ብዕድመ ኻባይ ዝንእሱ፥ ነቦታቶም ምስቶም መጓሰይ ዝሕልዉ ኣኽላባት እኳ፥ ንምንባር ዝነዓቕኩዎም፥ የባጭዉለይ ኣለዉ።
2
ምሉእ ሰብ ምዃኖም ጠፊእዎም ነበረ፤ ብርትዐ ኣእዳዎም ንኣይ እንታይ ክጠቕመኒ እዩ?
3
ብስእነትን ጥሜትን ዝመንመኑ እዮም፤ ናይ ምፍራስን ምብትታንን ፀልማት ናብ ዘለዎ ምድረ በዳ ይሃድሙ።
4
ኣብ ጥቓ ቘጥቋጥ ዘሎ፥ ጨው ጨው ዝብል ኣትኽልቲ ይኣርዩ፤ ሱር ታህሶስውን ምግቦም ይገብሩ።
5
ካብ ሰባት ተፈልዮም ተሰጐጉ፤ ኣብ ልዕሊ ሰራቒ ዋዕ ዋዕ ከም ዝበሃል የድህዩ።
6
ኣብ በዓትን ኣብ ጕድጓድ ምድርን፥ ኣብ ማእኸል ኣኻውሕን ይነብሩ።
7
ኣብ ማእኸል ዱር ኮይኖም የእውዩ፤ ኣብ ትሕቲ እሾዅ ይእከቡ።
8
ደቂ ነውራማትን ሰነፋትን እዮም፤ ተገሪፎም ካብ ሃገር ዝተሰጉ እዮም።”
9
“ሕዚ ኣነ መድረፊኦምን፥ መመሰሊኦምን ኮንኩ።
10
ንሳቶም ፈንፈኑኒ፤ ካባይ ድማ ረሓቑ፤ ምራቖምውን ኣብ ቅድመይ እንትፍ ምባል ኣይሓፍሩን።
11
ንሱ መወርወሪ ቐስተይ ኣላሕሊሑ ኣዋሪዱኒ እዩሞ፥ ንሳቶምውን ኣብ ቅድመይ ልጓሞም ፈትሑ።
12
ብወገን የማነይ ስድታት ደቂ ተልዓሉኒ፤ ነእጋረይ ይደፍኡወን፤ መንገዲ ጥፍኣቶምውን ኣባይ የልዕሉ ኣለዉ።
13
ንመንገደይ የበላሽውዎ ኣለዉ፤ ረዳኢ ዘይብሎም ሰባት ንመከራይ የብዝሕዎ።
14
ብገፊሕ ፍራስ ከም ዝመፁ ይመፁኒ፤ ብፍሩስ መካበቢያ ተንከባሊሎም ይኣትዉ።
15
ድንጋፀ ኣብ ልዕለይ ተመለሰትኒ፤ ከም ንፋስ ኮይኖምውን ንኽብረይ የሳጕጉዋ፤ ድሕንነተይውን ከም ደመና ሓለፈ።”
16
“ሕዚ እውን ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ መኸኸት፤ ዘመን መከራ ሓዘትኒ።
17
ኣዕፅምተይ ብለይቲ ብደዌ ይንደል፥ ዝቐራጥመኒ ቓንዛ ኣይዓርፍን እዩ።
18
ካብ ሓይሊ እቲ ብርቱዕ ሕማም ዝተልዓለ ኽዳነይ ተበላሸወኒ፤ ከም ክሳድ ቀምሽውን ሓነቐኒ።
19
ንሱ ናብ ውሽጢ ጭቃ ደርበየኒ፤ ከም ሓመድን ሓሙዅሽትን መሰልኩ።”
20
“ኦ ኣምላኽ፥ ናባኻ ተማህለልኩ፤ ንስኻ ግና ኣይመለስካለይን፤ ተሳእኹ፥ ኣይተመልከትካንን።
21
ተመሊስካ ጨካን ኮንካኒ፤ ብብርቱዕ ኢድካ ኣጨነቕካኒ።
22
ብንፋስ ኣልዓልካኒ ኣብ ልዕሊኡውን ኣቐመጥካኒ፤ ብንፋስ ኣውሎ ኣምከኽካኒ።
23
ናብቲ ዅሎም ህያዋን ዝእከቡሉ ቤት፥ ናብ ሞት ኣሕሊፍካ ኸም እትህበኒ እፈልጥ ኣለኹ።
24
ግና ዝወድቕ ሰብዶ ኢዱ ኣይዝርግሕን እዩ? ወይ ጥፍኣት ዝመፆዶ ኣየእውን እዩ?
25
ኣነ ነቶም ፀገም ዝረኸቡዶ እበኽየሎም ኣይነበርኩን? ንድኻውን ነፍሰይ ትሓዝነሉዶ ኣይነበረትን?
26
እንሆ፥ ሰላም ንምርካብ ተስፋ ገበርኩ፤ ግና መከራ መፀኒ፤ ንብርሃን ብትዕግስቲ ተፀበኹ፤ ግና ፀልማት መፀ።
27
ኣምዑተይ ይፈልሕ፥ ግና ኣይዓርፍን፤ ዘመን መከራ መፀትኒ።
28
ብዘይ ፀሓይ ብትካዘ ኸድኩ፤ ኣብ ማእኸል ጉባኤውን ደው ኢለ ኣእዌኹ።
29
ንወኻሩ ሓወን፥ ንሰገናትውን መሓዛአን ኮንኩ።
30
ቈርበተይ ፀለመ፤ ካባይ ተፈልዩውን ርግፍግፍ በለ፤ ኣዕፅምተይ ድማ ኻብ ረስኒ ዝተልዓለ ተቓፀለ።
31
ስለዙይ መሰንቆይ ንሓዘን፥ እምብልታይውን ንበኸይቲ ቓል ኮነ።”
← Chapter 29
Chapter 31 →