bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 29
Job 29
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዮብ ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦
2
“ኣየ! ናብራይ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝሕልወኒ ዝነበረ፥ ቀዳሞት ኣዋርሕ እንተ ዝኸውን መን መሃበኒ!
3
መብራህቲ ኣብ ርእሰይ ክበርህ እንተሎ፥ ኣነውን ነቲ ፀልማት ሓሊፈ ብብርሃኑ ክኸይድ እንተለኹ፥
4
ብዘመን ጕብዝናይ እንተለኹ፥ ኣምላኽ ንቤተይ ክሕልዋ እንተሎ፥
5
እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ምሳይ እንተሎ፥ ደቀይውን ከቢቦም ኣብ ዙርያይ እንተለዉ፥
6
መንገደይ ብጠስሚ ይሕፀብ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፥ እምኒ፥ ዘይቲ የውሕዘለይ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፥
7
ናብ በሪ እታ ኸተማ ኽወፅእ እንተለኹ፥ ኣብ ኣደባባይ መንበረይ ከንብር እንተለኹ፥
8
ኣጕባዝ ሪኦምኒ ይሕብኡ ነበሩ፤ ሽማግለታት ድማ ተሲኦም ይቖሙ ነበሩ።
9
እቶም ኣሕሉቅ ካብ ምዝራብ ስቕ በሉ፤ ኣእዳዎምውን ኣብ ኣፎም ገበሩ።
10
ኣሕሉቕ ድማ ድምፆም የጥፍኡ፤ መልሓሶም ከዓ ኣብ ታሕናጎም ይጣበቕ ነበረ።”
11
“ዝሰምዐትኒ እዝኒ ኣድነቐትኒ፤ ዝረአየትኒ ዓይኒውን መስከረትለይ።
12
ሓገዝ ደልዮም ንዘእውዩ እረድኦም ነበርኩ፤ ነቶም ረዳኢ ዘይብሎም ደኽታማትውን ኣናግፎም ነበርኩ።
13
ንጥፍኣት ዝቐረበ በረኸት ኣባይ መፀ፤ ንልቢ መበለታት ከዓ ዕልል ከም ዝብል ገበርኩ።
14
ንፅድቂ ለበስክዋ፤ ንሳውን ለበሰትኒ፤ ፍርደይውን ከም ባርኖስን ቆብዕን ነበረ።
15
ንዕዉር ዓይኒ፥ ንሓንካስውን እግሪ እኾኖ ነበርኩ።
16
ንድኻታት ኣቦኣቶም ነበርኩ፤ ሙግት እቲ ኣነ ዘይፈልጦ ሰብውን መርመርኩ።
17
ምንጋጋ ዓመፅቲ ሰበርኩ፤ ነቲ ዝመንዝዕዎ ኸዓ፥ ካብ ውሽጢ ኣስናኖም መንጠልክዎ።”
18
“ኣነውን ‘ንዕድመይ ከም ሑፃ ኸብዝሕ እየ፤ ኣብ ማእኸል ደቀይውን ክመውት እየ’ በልኩ።
19
ሱረይ ናብ ማይ ክዝርጋሕ፥ ኣውሊ ኣብ ጨናፍረይ ክሓድር እዩ።”
20
“ ‘ክብረይ ኣባይ ክትሕደስ፥ ቀስተይ ከዓ ኣብ ኢደይ ክትልምልም እያ’ በልኩ።”
21
“ሰባት ንኣይ ሰሚዖም በትዕግስቲ ተፀበዩ፤ ምኽረይ ንምድማፅውን ስቕ በሉ።
22
ድሕሪ ቓለይ ሓደኳ ኣይመለሱን፤ ዘረባይ ኣብ ልዕሊኣቶም የንጠብጥብ ነበረ።
23
ንዝናም ከም ዝፅበዩ ብትዕግስቲ ተፀበዩ፤ ዝናም ፅብሓት ከም ዝደለዩ ኣፎም ከፈቱ።
24
ንሳቶም እሙናት ብዘይኮኑሉ ጊዜ ሰሓቕኩሎም፤ ንብርሃን ገፀይውን ኣየውረድዎን።
25
ንመንገዶም መረፅኩ፤ ከም ሓለቓ ኾይነውን ተቐመጥኩ፤ ኣብ ማእኸል ሰራዊቱ ኸም ዝነብር ንጉስ፥ ንሓዘንተኛታት ከም ዘፀናንዕ ነበርኩ።”
← Chapter 28
Chapter 30 →