bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 23
Job 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2
“ሎሚውን ቍዘማይ መሪር እዩ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ድምፂ ብኽያተይ ከቢዳ ኣላ።
3
ንእኡ ኣበይ ከም ዝረኽቦ ኣበይሞ እንተ ዝፈልጥ! ኣበይሞ ናብቲ ዝተቐመጠሉ ዙፋን እንተ ዝበፅሕ!
4
ኣብ ቅድሚኡ ነገረይ መፍሰስኩ፤ ንኣፈይውን ብመርትዖ ምመላእኽዎ ነይረ።
5
ነቲ ዝምልሰለይ ቃል ምፈለጥክዎ፤ እንታይ ከም ዝብለኒ ድማ መስተውዓልኩ ነይረ።
6
በቲ ዓብዪ ሓይሉዶ ኽማጐተኒ እዩ? እኳ ደኣ ፅን ምበለኒ።
7
ቅኑዕ ሰብ ምስኡ ኣብኡ ኽማጐት ይኽእል እዩ፤ ኣነውን ካብ ፈራድየይ ንዘለኣለም ክድሕን ነይረ።”
8
“እንሆ ንቕድሚት ከድኩ፤ ንሱውን የለን፤ ንድሕሪትውን ከድኩ፤ ግና ኣየስተውዕሎን።
9
ንሱ ናብ ዝሰርሐሉ ናብ ፀጋም እንተ ኸድኩ ኣይምልከቶን፤ ብየማነይ ይስወር፤ ኣይሪኦንውን።
10
ንሱ ግና ኣነ በየነይቲ መንገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፤ ምስ ፈተነኒውን ከም ወርቂ ፅሩይ ኮይነ ኽወፅእ እየ።
11
ኣእጋረይ ብመንገዱ ፀንዓ፤ መንገዱውን ሓለኹ፤ ካብኡውን ኣየግለስኩን።
12
ካብ ትእዛዝ ከንፈሩውን ኣይተመለስኩን፤ ካብ ኵሉ ሃብተይ ኣብሊፀ፥ ንቓል ኣፉ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።”
13
“ንሱ ግና በይኑ እዩ፤ ንእኡ ዝመስሎ መን እዩ? ነፍሱ ዝፈተወቶውን እዩ ዝገብር።
14
ነቲ ኣባይ ዝተወሰነ ኽፍፅሞ እዩ፤ ከምዙይ ዝበለ ብዙሕ ነገር ምስኡ ኣሎ።
15
ስለዙይ ድማ እየ ኣብ ቅድሚኡ ዝድንግፅ፤ ነዙይ እንትሓስብውን ብእኡ ዝፈርሕ።
16
ኣምላኽ ባዕሉ ንልበይ ኣጃጅይዎ፤ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣደንጊፁኒ እዩ።
17
ካብ ፀልማት ዝተልዓለ እቲ ግብ ዝበለ ፀልማት፥ ንገፀይ ካብ ምሽፋኑ ዝተልዓለ ኣይደንገፅኩን።”
← Chapter 22
Chapter 24 →