bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 24
Job 24
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዘመናት ኣይተሰወሩንሞ፥ እቶም ንእኡ ዝፈልጡ ስለ ምንታይ ነተን ኣዋርሕ ዘይሪኡወን።
2
ሰባት ንወሰን ብፃዮም ይደፍእዎ፤ ንመጓሰ ዘሚቶምውን ይጓስይወን።
3
ንኣእዱግ ድኻታት ይዅብኵብወን፤ ንብዕራይ መበለትውን ትሕጃ ይሕዝዎ።
4
ንድኻታት ካብ መንገዲ የወግዱዎም፤ ኵሎም ድኻታት እታ ምድሪ ኸዓ ይሕብኡ።
5
እንሆ፥ ከም ኣእዱግ በረኻ ምግቢ ኽደልዩ ይወፍሩ፤ ምድረ በዳውን ንደቆም ዝኸውን ምግቢ ይህቦም።
6
ንሳቶም ኣብ ግራት እኽሎም ይዓፅዱ፤ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ እቶም ክፉኣት ሰባትውን ይቕርሙ።
7
ብዘይ ክዳን ጥራሖም ይሓድሩ፤ ብጊዜ ቝሪ ዝኽደንዎ የብሎምን።
8
በቲ ኻብ እምባታት ዝወርድ ዝናም ይርሕሱ፤ መፀግዒ ስኢኖምውን ኰዅሒ ይሓቝፉ።
9
ንደኽታም ቈልዓ ካብ ጡብ እኖኡ ይምንጥልዎ፤ ካብ ምስኪናት ትሕጃ ይወስዱ።
10
ብዘይ ክዳን ጥራሖም ይኸዱ፤ ብጥሙያቶምውን እንዳእቲ ይፆሩ።
11
ኣብ ውሽጢ ሓፁር እዞም ሰባት እዚኣቶም ዘይቲ ኣውሊዕ ይፀምቁ፤ ወይኒ እውን ይፀምቁ፤ ንሳቶም ግና ይፀምኡ።
12
ካብ ከተማን ካብ ብገዛ ቤቶምን ይስጐጉ፤ ነፍሲ እቶም ቈልዑውን ንሓገዝ ተእዊ፤ እግዚኣብሄር ግና ስንፍናኦም ኣይምልከትን።
13
እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ብርሃን ዝዕምፁ እዮም፤ ንጐደናታቱ ዘይፈልጡ፥ ኣብ መንገድታቱውን ኣይፀንዑን።
14
እቲ ቐታሊ ነፍሲ ኣንጊሁ ይትስእ፤ ንድኻን ንውፁዕን ይቐትል፤ ብለይቲ ኸዓ ኸም ሰራቒ እዩ።
15
ዓይኒ ዘማዊ፥ ፅልግልግ ክሳዕ ዝብል ይፅበ፤ “ናይ ዝኾነ ሰብ ዓይኒ ኣይሪአንን” ይብል፤ ገፁውን ይሽፍን።
16
ብፀልማት ናብ ቤት ኵዒቶም ይኣትዉ፤ ብቐትሪ ግና ተዓፅዮም ይውዕሉ፤ ንብርሃን ኣይፈልጥዎን እዮም።
17
ናይ ንጉሆ ብርሃን ንኣኣቶም ከም ድነ ሞት እዩ፤ ድነ ሞት ይፈልጡ እዮምሞ።
18
ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ማይ በሪሮም ይሓልፉ፤ ዕድሎምውን ኣብ ምድሪ ዝተረገመት እያ፤ ናብ መንገዲ ኣታኽልቲ ወይኖም ኣይምለሱን።
19
ድርቅን ሃሩርን ንማይ በረድ የጥፍኦ፤ ከምኡውን ሲኦል ነቶም ሓጥኣን ተጥፍኦም።
20
ማህፀን ትርስዖ፤ ሓሰኻ ድማ ብሓጎስ ይጠብዎ፤ ዝዝክሮውን የለን፤ ክፍኣትውን ከም ኦም ይስበር።
21
ነታ ዘይወለደት መኻን ይብድላ፤ ንመበለትውን ፅቡቕ ኣይገብርን።
22
ግና ንሱ ንሓያል ብሓይሉ ይስሕቦ፤ ንሱ እንትለዓል ሰብ ብህይወቱ ኣይእመንን።
23
እግዚኣብሄር ብሰላም ኣንቢርዎም እዩ፤ ብእኡውን ይእመኑ፤ ኣዒንቱ ግና ኣብ ልዕሊ መንገዶም እዩ።
24
ንቝሩብ ጊዜ ልዕል ልዕል ይብሉ፤ ይኸዱ ይፅምልዉውን፤ ከምቶም ካልኦት ይእከቡ፤ ከም ርእሲ ሸዊትውን ይቝረፁ።
25
ከምዙይ እንተ ዘይኮይኑኸ ሓሳዊ ዝገብረኒ፥ ንዘረባይውን ከንቱ ኽገብሮ ዝኽእል መን እዩ?
← Chapter 23
Chapter 25 →