bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 22
Job 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ እቲ ቴማናዊ ኤሊፋዝ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2
“ብሓቂ ሰብዶ ንእግዚኣብሄር ክጠቕሞ ይኽእል እዩ? እቲ ጥበበኛ ሰብ ንባዕሉ እዩ ዝጠቅም።
3
ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽከ፥ ፃድቕ ምዃንካዶ ደስ የብሎ እዩ? ንመንገድኻ ፍፁም ብምግባርካኸ ረብሓዶ ኣለዎ እዩ?
4
ንእኡ ስለ ዝፈራሕኻ ይዘልፈካ ድዩ? ናብ ፍርድኸ ምሳኻዶ ይኣቱ እዩ?
5
ክፍኣትካኸ ብዙሕዶ ኣይኮነን? ንሓጢኣትካውን መወዳእታ የብሉን።
6
ካብ ኣሕዋትካ ብኸንቱ ትሕጃ ወሰድካ፤ ክዳን ዕሩቓትውን ቀንጠጥካ።
7
ንፅሙእ ማይ ኣየስተኻን፥ ንጥሙይውን እንጀራ ኸላእኻ።
8
ቅልፅሙ ዘበርትዐ ንምድሪ ገዝኣ፥ እቲ ኽቡር ሰብ ከዓ ዝነብረላ ኾነት።
9
ንመበለታት ጥራሕ ኢደን ሰደድካየን፤ ቀላፅም ደኽታማት ተሰይሩ እዩ።
10
ስለዙይ ንስኻ ብመፃወዲያ ተኸበብካ፤ ድንገተኛ ፍርሓትውን ኣናወፀካ።
11
ከይትርኢ ብርሃን ፀልማት ኮነትካ፤ ብዝሒ ማያትውን ኣስጠመካ።”
12
“እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይዶ ልዕል ልዕል ኣይብልን? ከዋኽብቲውን ከመይ ልዕል ልዕል ከም ዝበሉ ተመልከት።
13
ንስኻ ግና ‘እግዚኣብሄር እንታይ ይፈልጥ? ኣብ ግብ ዝበለ ፀልማት ኮይኑዶ ኽፈርድ ይኽእል እዩ?’
14
ከይርኢ ፀሊም ደመና ጋሪዱዎ እዩ፤ ኣብ ዙርያ ሰማይ ይመላለስ ኢልካ ኢኻ።
15
ብሓቂዶ እቶም ሓጢኣተኛታት ሰባት ብዝኸድዋ፥ ናይ ቀደም መንገዲ ኽትከይድዶ ትደሊ ኣለኻ?
16
ንሳቶም ጊዜኣቶም እንተይበፅሐ ተነጠቑ፤ መሰረቶምውን ከም ፈሳሲ ማይ፥ ፈሰሰ።
17
ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ካባና ረሓቕ፤ ነቲ ዅሉ ዝኽእል ድማ ‘እንታይ ክገብረልና ይኽእል?’ በልዎ።
18
ግና ንገዛውቶም ብፅቡቕ ነገር መልኦ፤ ምኽሪ ሓጥኣን ካባይ ዝረሓቐት እያ።”
19
ፃድቃን ክሪኡዎ ኢዮም፤ ደስውን ክብሎም እዩ፤ ንፁሃንውን ብንዕቐት ይስሕቕዎም።
20
ብሓቂ ሃብቶም ጠፍአ፤ ንዝተረፈውን ሓዊ በልዖ።
21
“ሕዚ እውን ምስኡ ተሰማማዕ፤ ሰላምውን ይሃሉኻ፤ ከምዙይ እንተ ጌርካ ፅቡቕ ክትረክብ ኢኻ።
22
ካብ ኣፉውን ሕጉ ተቐበል፤ ንቓሉውን ኣብ ልብኻ ዕቘሮ።
23
ናብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እንተ ተመሊስካ፥ እንተ ተዋረድካውን፥ ከምቲ ዝነበርካዮ ኸፅንዐካ እዩ፤ ንሓጢኣትውን ካብ ድንኳንካ እንተ ኣርሒቕካ፤
24
ኣቕሓ ወርቂ ኣብ ውሽጢ ሓመድ፥ ንወርቂ ኦፊርውን ናብ ማእኸል ኣእማን ሩባ እንተ ደርበኻ፥
25
ሽዑ እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ወርቅን ዘንፀባርቕ ብሩርን ክኾነልካ እዩ።
26
ሽዑ ንስኻ በቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ደስ ክብለካ እዩ፤ ገፅካውን ናብ እግዚኣብሄር ክተልዕል ኢኻ።
27
ናብኡ ክትፅሊ ኢኻ፤ ንሱውን ክሰምዐካ እዩ፤ መብፅዓኻውን ክትህብ ኢኻ።
28
ኵሉ ዝሓሰብካዮ ኽሰልጠካ፥ ብርሃንውን ኣብ መንገድኻ ኽበርሀልካ እዩ።
29
እንተዋረዱኻ፥ ልዕል ክትብል ኢኻ፤ ንሱ ንትሑት ሰብ የድሕኖ እዩ እሞ።
30
ንንፁህ ሰብ የድሕኖ እዩ፤ ብንፅህና ኢድካውን ክትድሕን ኢኻ።”
← Chapter 21
Chapter 23 →