bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 21
Job 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2
እስኪ ሓንሳዕ ቓለይ ስምዑ፤ እዙይውን ምፅንናዕኹም ይኹን።
3
ክናገር ሕደጉኒ፤ ምስተናገርኩ ኣባጭዉ።
4
ብሓቂ ቝዘማ ሓዘነይ ንሰብ ድየ ዝነግሮ? ትዕግስቲ ምስኣንከ ኣይግብአንንዶ?
5
ናባይ ተመልከቱ፤ ተገረሙውን፤ ኣእዳውኩምውን ኣብ ኣፍኩም ኣንብሩ።
6
ኣነ ብዝሓሰብኩ ቝፅሪ እጭነቕ፤ ንስጋይውን ፃዕሪ ይሕዞ ኣሎ።
7
ሓጢኣተኛታት ሰባት ስለ ምንታይ ብህይወት ዝነብሩ? ስለ ምንታይከ ዝኣርጉ? ብሃብቲኸ ስለ ምንታይ ዝብርትዑ?
8
ዘርኦም ምስኣቶም ፀኒዑ ይነብር፤ ደቆምውን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም እዮም።
9
ኣባይቶም ብዘይ ፍርሓት ብህድኣት ይነብር፤ በትሪ እግዚኣብሄርውን የብሎምን።
10
ሽደኖም ይወልድ፤ ዘርኡ ብኸንቱ ኣይድርብዮን፤ ላሕሞምውን እንተየውሃየት ትወልድ።
11
ንደቆም ከም መጓሰ የውፍርዎም፤ ቈልዑኦም ይሰራሰሩ።
12
ብኸበሮን ብኽራርን ይደርፉ፤ ብፋፃ ሻምብቆ ይሕጐሱ።
13
ንዕድመኣቶምውን ብምቾት የሕልፍዎ፤ ብድንገትውን ናብ ሲኦል ይወርዱ።
14
ግና ንእግዚኣብሄር “ካባና ረሓቕ፤ መንገድኻ ኽንፈልጥ ኣይንደልን ኢና፤
15
ክነምልኮኸ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር መን እዩ? ወይ ናብኡ እንተ ፀለናኸ እንታይ ክንረክብ ኢና” ይብሉ።
16
እንሆ ሃብታቶም ኣብ ኢዶምዶ ኣይኮነን? ግና ምኽሪ ሓጢኣተኛታት ካባይ ዝረሓቐት እያ።
17
መብራህቲ ሓጥኣን ዝጠፍአ፥ መቕሰፍቲ እውን ዝመፆም፥ እግዚኣብሄር ድማ ብቝጥዓኡ መከራ ዝፈደዮም፥
18
ኣብ ቅድሚ ንፋስ ከም ሓሰር፥ ኣውሎ ንፋስውን ከም ዝወስዶ ብቝብቝ ዝኾኑ ኽንደይ ጊዜ እዮም?
19
ንስኻትኩም “እግዚኣብሄር፥ ንበደሎም ንደቆም ይዓቝሮ” ኢልኩም ኢኹም፤ ግና ንሳቶም ምእንቲ ኽፈልጥዎ ንባዕላቶም ይፍደዮም።
20
ኣዒንቶም ጥፍኣቶም ይርአያ፤ ቍጥዓ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ድማ ይስተዩ።
21
ዘመን ህይወቶም ምስ ሓለፈ፥ ሰባት ብዛዕባ ደቆም ዝግደሱዶ ይመስለኩም?
22
ኣብቶም ልዕል ልዕል ዝበሉ ንዝፈርድ እግዚኣብሄር፥ ብሓቂ ሰብዶ ፍልጠት ይምህሮ እዩ?
23
ገሊኡ ሰብ ምሉእ ሓይሊ እንተለዎ፥ ህዱእን ሕጉስን እንተሎ ይመውት፤
24
ሰብነቱ ምሉእ እንተሎ፥ ኣንጕዕ ኣዕፅምቱውን ልምሉም እንተሎ ይመውት።
25
ገሊኡ ሰብ ድማ ዝኾነ ሰናይ እንተይጠዓመ፥ ገና መሪርዎ እንተሎ ይመውት።
26
ኣብ ውሽጢ ሓመድ ሓቢሮም ይድቅሱ፤ ሓሰኻ ድማ ይኸድኖም።
27
እንሆ፥ ንሓሳባትኩም፥ ነቲ ኣብ ልዕለይ ዝመኸርኩምዎ ክፉእ ምኽሪ ፈሊጠዮ ኣለኹ።
28
ንስኻትኩም “ቤት እቲ ዓብዪ ሰብ ኣበይ ኣሎ? እቲ ሓጢኣተኛታት ዝነበርዎ ድንኳንከ ኣበይ ኣሎ?” ትብሉ ኣለኹም።
29
ነቶም ሓለፍቲ መንገዲዶ ኣይጠየቕኩምዎምን ኢኹም? ነቲ ንሳቶም ዝሃብዎ ምልክታቶምከ ኣይትፈልጡን ዲኹም?
30
እቲ ሓጥእ ንመዓልቲ መዓት ከም ዝሕሎ፥ ንመዓልቲ ቝጥዓውን ከም ዝፀንሕዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
31
ንሓጥእ ብዝኸዶ መንገዲ ዝዘልፎ መን እዩ? ነቲ ዝሰርሖኸ ዝምልሰሉ መንዩ?
32
ንእኡ ግና ናብ መቓብር ይወስድዎ፤ ሰባት ድማ ኣብ መቓብሩ ይሕልዉ።
33
ንሱ ድማ መሬት እቲ ለሰ ጥዒምዎ ኣሎ፤ ቅድሚኡውን ቁፅሪ ዘይብሉ ህዝቢ ኸም ዝነበረ፥ ድሕሪኡ ኸዓ ዅሉ ሰብ ክስዕብ እዩ።
34
ኵሉ እትምልሱለይ መልሲ ሓሰት እዩሞ፥ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ብኸንቱ እተፀናንዑኒ?
← Chapter 20
Chapter 22 →