bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 20
Job 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ሶፋር በዓል ናዕማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2
“ነዙይ ምላሽ ክህበሉ ሓሳባተይ ይድርኸኒ ኣሎ፤ ምናዳ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ይህውኸኒ ኣሎ።
3
እቲ ዘነውረኒ ተግሳፅ ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ መንፈስ ምስትውዓለይውን ይምልሰለይ ኣሎ።”
4
“ካብ ጥንቲ፥ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነብር ጀሚሩ፥
5
ፈኸራ ኽፉኣት ሰባት ሓፂር፥ ሓጐስ እቲ ሕሱም ከዓ ኸም ቕፅበት ዓይኒ፥ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?
6
ልዕልናኡ ኽሳዕ ሰማይ እንተ ደየበ፥ ርእሱውን ክሳዕ ደመና እንተ በፅሐ፥
7
ከም ፋንድያ ንሓዋሩ ይጠፍእ፤ እቶም ዝረአይዎ ‘ኣበይ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።
8
ከም ሕልሚ ይበርር፤ ንሱውን ኣይርከብን፤ ከም ራእይ ለይቲውን ይጠፍእ።
9
እቲ ዝረአዮ ዓይኒ መሊሱ ኣይሪኦን እዩ፤ ነቲ ዝነበረሉ ቦታውን መሊሱ ኣይሪኦን እዩ።
10
ደቁ ንድኻታት የቀባጥሩ፤ ኢዱውን ንሃብቱ መሊሱ ይህብ።
11
እቲ ሓይሊ ንእስነት ዝኾነ ዓፅሙ፥ ምስኡ ኣብ ሓመድ ይድቅስ።”
12
“ክፍኣት ንኣፉ ይምቅሮ፤ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ ኸዓ ይሓብኦ፤
13
ካብ ኣፉ ኸይመልቆ ይሕዞ፤ ኣብ ትንሓጉ ኸዓ ይዓቝሮ፤
14
ምግቡ ኣብ ኣምዑቱ ይተሓዋወስ፤ ኣብ ውሽጡ ድማ ኸም ሕንዚ ኣፍዑት ይኾኖ።
15
ነቲ ዝወሓጦ ሃብቲ ኽተፍኦ እዩ፤ እግዚኣብሄር ካብ ከብዱ ኸውፅኦ እዩ።
16
ንሕንዚ ተመን ይጠቡ፤ መልሓስ ተመን ከዓ ይቐትሎ።
17
ንዓይኒ ማይን፥ ነቲ መዓርን ፀባን ዘውሕዝ ሩባታት ኣይሪኦን።
18
ነቲ ፍረ ድኻሙውን እንተይወሓጠ ይመልሶ፤ በቲ ነጊዱ ዘትረፎ ሃብቱ ድማ ደስ ኣይብሎን እዩ።
19
እዙይ ድማ ንድኻታት ስለ ዘጥቅዖምን ስለ ዝሓደጎምን፥ ዘይሰርሖ ገዛውቲውን ስለ ዝወሰደን እዩ።
20
ከብዱ ዕረፍቲ ኣይፈለጠንሞ፥ እቲ ዝፈተዎ ነገር ኣየድሓኖን።
21
ንሱ ኽበልዕ እንተሎ ዝኾነ እኳ ኣየትርፍን ነበረ፤ ስለዙይ ሃብቱ ኣይቐውምን።
22
ምስ ፀገበ ይጭነቕ፤ ኢድ ኵሎም ፅጉማት ከዓ ትረኽቦ።
23
ከብዱ እንተየፅገበ፥ እግዚኣብሄር ጓህሪ ቝጥዓኡ፥ ኣብ ልዕሊኡ ይሰድድ፤ እንትበልዕውን የዝንመሉ።
24
ካብ ኣፅዋር ሓፂን እንተ ሃደመኳ፥ ቀስቲ ነሃስ ኽወግኦ እዩ።
25
ነቲ ቐስቲ ይስሕቦሞ፥ ካብ ስጋኡ ይወፅእ፤ እቲ ብልጭልጭ ዝብል ብልሑውን፥ ካብ ሓሞቱ ይወፅእ፤ ፍርሓትውን ይወድቆ።
26
ንመዝገቡ ፀልማት ተዳልዩሉ ኣሎ፤ ብዘይ መናፍሕ ዝነድድ ሓዊ ክውሕጦ፥ ነቲ ኣብ ድንኳኑ ዝተረፈውን ክበልዖ እዩ።
27
ሰማይ ንበደሉ ይቐልዕ፤ ምድሪ ኸዓ ኣንፃሩ ትለዓሎ።
28
ጥሪት ቤቱ ፋሕ ክብል፥ በታ መዓልቲ ቝጥዓኡ፥ ከም ወሓዚ ማይ ክሓልፍ እዩ።
29
ክፉእ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ዝቕበሎ ዕድል እዙይ እዩ፤ እግዚኣብሄር ዝመደበሉ ርስቲውን እዙይ እዩ።”
← Chapter 19
Chapter 21 →