bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 19
Job 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2
“ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ንነፍሰይ እተጕህይዋ? ክሳዕ መኣዝ ኢኹምከ ብቓል እተድቅቑኒ?
3
እንሆ፥ ዓሰርተ ሻዕ ፀረፍኩምኒ፤ እትገፍዑንስ እምበርዶ ኣይትሓፍሩን ኢኹም?
4
ብርግፅ እንተ ተጋገኹኳ፥ እቲ ጌጋይ ምሳይ ይነብር።
5
ብሓቂ እንተ ተዓበኹምለይ፥ ስለ ውርደተይ ኣብ ልዕለይ እንተ ተኸራኸርኩም፥
6
ደጊም እግዚኣብሄር ከም ዝገልበጠኒ፥ ብመርበቡውን ከም ዝኸበበኒ ፍለጡ።
7
እንሆ፥ ተበዲለ ኢለ እንተ ጠራዕኹ፥ ዝምልሰለይ የለን፤ ድምፀይ ዓው ኣቢለ እንተ ኣስማዕኹ፥ ዝፈርደለይ የለን።
8
ኣነ ኸይሓልፍ ኢሉ ንመንገደይ ዓፅይዎ፤ መተሓላለፍየይውን ብፀልማት ሸፈኖ።
9
ንሱ ንኽብረይ ቀንጠጦ፤ ንዘውደይውን ካብ ርእሰይ ወሰዶ።
10
በዙይን በቱይን ኣፍረሰኒ፤ ኣነውን ከድኩ፤ ንተስፋይ ከም ኦም ነቐሎ።
11
ንቝጥዓኡ ኣብ ልዕለይ ኣንደዶ፤ ከም ፀላኢኡውን ቘፀረኒ።
12
ሰራዊቱ ብሕብረት መፁ፤ መንገዶምውን ኣብ ልዕለይ ኣዳለዉ፤ ኣብ ዙርያ ድንኳነይ ሰፈሩ።”
13
“ነሕዋተይ ካባይ ኣርሓቖም፤ እቶም ዝፈልጡኒ ድማ ፈፂሞም ተፈለዩኒ።
14
ኣዝማደይ ሓደጉኒ፤ ፈተውተይውን ረስዑኒ።
15
ቤተሰበይን ኣግራደይን ከም ባዕዲ ቘፀሩኒ፤ ኣብ ኣዒንቶምውን ከም ጋሻ ኮንኩ።
16
ንሓሽከረይ እንተ ፀዋዕክዎ፤ ብኣፈይ እንተ ኣቃባጠርኩሉውን ኣይምልሰለይን።
17
ሰበይተይ ንስትንፋሰይ ፀልአቶ፤ ኣሕዋተይ፥ ደቂ እነይ ንልመናይ ፀልእዎ።
18
ህፃናት እኳ ኣጥቅዑኒ፤ ደው እንተ በልኩ ኸዓ ብኣይ ይዘራረቡ።
19
ኵሎም መማኽርተይ ፈንፈኑኒ፤ እቶም ኣነ ዝፈትዎም ኣብ ልዕለይ ተገልበጡ።
20
ቈርበት ምስ ስጋይን ምስ ኣዕፅምተይን ተጣቢቑ፥ ግርፃነይ ጥራሕ ተሪፉኒ።”
21
“ኣቱም ፈተውተይ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ወቒዓትኒ እያ እሞ፥ ደንግፁለይ! ራህርሁለይ!
22
ንምንታይከ ንስኻትኩም ከም እግዚኣብሄር እተሳጕጉኒ? ስለ ምንታይከ ኻብ ስጋይ ዘይትፀግቡ?”
23
“ኣበይሞ ቓለይ ሕዚ እንተ ዝፀሓፍ፥ ኣበይሞ ኣብ መፅሓፍ እንተ ዝሕተም፥
24
ኣበይሞ ብሓፂንን ብዓረርን ብነሓስን፥ ኣብ ኰዅሒ ንሓዋሩ እንተ ዝቕረፅ፥
25
ግና እቲ ቤዛ ዝኾነኒ፥ ህያው ምዃኑ እፈልጥ ኣለኹ፤ ንሱ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽቐውም እዩ።
26
እዝ ቘርበተይ ምስ ጠፍአውን፥ ሽዑ ካብ ስጋይ ተፈልየ ንእግዚኣብሄር ክሪኦ እየ።
27
ኣነ ባዕለይ ክሪኦ እየ፤ ኣዒንተይውን ክጥምታኦ እየን፤ ካባይ ካልእ ኣይኮነን፤ ልበይ ብሃንቀውታ ይጠልመኒ ኣሎ።”
28
ንስኻትኩም “ሱር እቲ ነገር ኣብኡ ተረኺቡ እዩሞ፥ ከመይ ጌርና ኽነሳጕጎ እንተ በልኩም፥
29
ፍርዲ ኸም ዘሎ ንኽትፈልጡ፥ ቍጥዓ፥ ቅፅዓት ሰይፊ የምፅእ እዩሞ፥ ንሰይፊ ፍርሕዎ።”
← Chapter 18
Chapter 20 →