bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 15
Job 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ኤሊፋዝ በዓል ቴማን ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2
ለባም ሰብዶ ኸንቱ ብዝኾነ ፍልጠት ምላሽ ይህብ እዩ? ብንፋስ ምብራቕዶኸ ኸብዱ ይመልእ እዩ?
3
ፍረ ብዘይብሉ፥ ብዘይጠቅም ዘረባዶ፥ ይከራኸረሉ እዩ?
4
ንስኻ ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ከንቱ ትገብሮ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ንፀሎት ተቃልሎ ኣለኻ።
5
በደልካ ንኣፍካ ይምህሮ፤ ነዘራርባ ጐራሓት ድማ ትሓሪ ኣለኻ።
6
ኣፍካ እያ እትዅንነካ ዘላ፥ ኣነ ኣይኮንኩን፤ ከናፍርካውን ኣብ ልዕሌኻ ይምስክራልካ ኣለዋ።
7
ብሓቂ ብመጀመርታ ዝተወለድካ ሰብዶ ንስኻ ኢኻ? ወይ ከዓ፥ ቅድሚ እምባታት ዲኻ ተጠኒስካ?
8
ምስጢር እግዚኣብሄርከ ሰሚዕኻ ዲኻ? ወይ ከዓ ንጥበብዶ ናይ በይንኻ ጌርካያ ኢኻ?
9
ንሕና ዘይንፈልጦኸ ንስኻ እትፈልጦ እንታይ እዩ? ኣባና ዘየለኸ ንስኻ እተስተብህሎ እንታይ እዩ?
10
ብዕድመስ ካብ ኣቦኻ እኳ ዝዓብዩ፥ ሰያባትን ሽማግለታትን ኣብ ማእኸልና ኣለዉ።
11
እቲ ምፅንናዕ እግዚኣብሄርን፥ ነቲ ብለውሃት ንኣኻ ዝተነግረ ቓላትዶ ተናእሶ ኣለኻ?
12
ልብኻኸ ንምንታይ ይወስደካ? ንምንታይከ ኣዒንትኻ ኽፉእ ኣጠማምታ ዝጥምታ?
13
ከምዙይ ዝበለ ዘረባ ኻብ ኣፍካ እናውፃእኻ፥ ስለ ምንታይ ንመንፈስካ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ተለዓዕሎ ኣለኻ?
14
ሰብ ንፁህ ክኸውን እንታይ እዩ? ካብ ሰበይቲ ዝተወልደኸ ፃድቕ ክኸውን እንታይ እዩ?
15
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንቕዱሳኑ እኳ ኣይኣምኖምን እዩ፤ ስማያትውን ኣብ ቅድሚኡ ንፁሃት ኣይኮኑን፤
16
እቲ ንሓጢኣት ከም ማይ ዝሰትዮ ሰብ ግዳ፥ ክንደይ ዘፀይፍን ብልሽውን ዘይኸውን!
17
ኢዮብ፥ እስኪ ኽነግረካ፥ እቲ ዝረአኽዎውን ክገልፀልካ ስምዐኒ።
18
ጠቢባን ሰባት ዝገለፁለይ፥ ካብ ኣቦታቶም ተቐቢሎም ዘይሓብኡለይ ክነግረካ ስምዐኒ።
19
ንሳቶም ንበይናቶም ምድሪ ተውሂባቶም ነበረት፤ ባዕዳንውን ኣብ ማእኸሎም ኣይነበሩን።
20
ክፉእ ሰብ ምሉእ ዕድሜኡ፥ ጨካን ሰብ ብቝፅሪ ዘመኑ እናተሳቐየ ይነብር።
21
ዘደንግፅ ድምፂ ኣብ ኣእዛኑ ኾይኑ የድሂ፤ ደሓን ኣለኹ ኽብል እንተሎ መጥፍኢ ይመፆ።
22
ሰይፊ ይፀናተዎ ኣሎ እሞ፥ ካብ ፀልማት ክመልቝ ተስፋ የብሉን።
23
ከርተት እናበለ እንጀራ ይልምን፤ ንሱ ድማ መዓልቲ ፀልማት ከም ዝቐረበት ይፈልጥ።
24
መከራን ጭንቀትን የፈራርሕዎ፤ ንውግእ ከም ዝተሰለፈ ንጉስ ኮይኖም የሸንፍዎ።
25
ክፃረሮ ኢሉ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ይዝርግሕ፤ ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽውን ይተሃላለኾ።
26
ብተሪር ክሳዱን ብረጒድ ዋልታኡን እናነሃረ ይመፆ።
27
ብስብሒ ገፁ ሸፈነ፤ ነቲ ስብሒውን ኣብ ሕቘኡ ገበረ።
28
ኣብ ዝባደማ ኸተማታት፥ ኣብ ሰብ ዘይነብረለን፥ ንምዕናው ኣብ ዝተመደባ ኣባይቲ ተቐሚጡ እዩሞ።
29
ንሱ ኣይህብትምን፤ ሃብቱ ድማ ኣይቐውምን፤ ገንዘቡውን ኣብ ምድሪ ኣይስስንን እዩ።
30
ንሱ ኻብ ፀልማት ኣይወፅእን፤ ብሃልሃልታ ሓዊ ጨናፍሩ ይሓርር፤ ብትንፋስ ኣፉ ይሓልፍ።
31
ዋጋኡ ኸንቱ ነገር ክኸውን እዩሞ፥ ንባዕሉ እናስሓተ ብኸንቱ ነገር ኣይተኣመን።
32
መዓልቱ እንተይበፅሐ ጊዜኡ ይፍፀም፤ ጨናፍሩ መሊሱ ኣይልምልምን።
33
ንሱ ኸምታ ፍሪኣ ብጕዑ ዝወደቐ ተኽሊ ወይኒ፥ ከምታ ዕምበባኣ ዝረገፈ ኦም ዘይቲ እዩ።
34
ኵሉ ጉባኤ ሓጢኣተኛታት ንጥፍኣት ይኸውን፤ ንድንኳናት ተቐበልቲ ጉቦ፥ ሓዊ ይበልዖ።
35
እዚኣቶም ክፍኣት ይጠንሱ፤ ጥፍኣት ድማ ይወልዱ፤ ከብዶም ከዓ ተንኰል የዳሉ።
← Chapter 14
Chapter 16 →