bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 14
Job 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኵሉ ኻብ ሰበይቲ ዝውለድ ሰብ፥ ዘመን ህይወቱ ቝሩብ መዓልቲ እዩ፤ መከራውን ዝመልኦ እዩ።
2
ከም ዕምበባ ይዕምብብ እሞ ይረግፍ፤ ከም ፅላሎት ይሃድም፤ ኣይፀንዕንውን።
3
ኣብ ልዕሊ ኸምዙይ ዝመሰለ ሰብዶ ኣዒንትኻ ትኸፍት ኣለኻ? ክፍረድከ ናብ ቅድሜኻዶ ተቕርበኒ ኣለኻ?
4
ካብ ርኹስ ነገርከ ንፁህ ከውፅእ ዝኽእልዶ ኣሎ? ሓደ እኳ ዝኽእል የለን።
5
ዕድመ ሰብ ውሱን እዩ፤ ቍፅሪ ኣዋርሑውን ኣባኻ እዩ፤ ክሓልፋ ዘይኽእል ደረትውን ወሰንካሉ።
6
ንሱ ኸም በዓል ውዕለት፥ መዓልቱ ኽሳዕ ዝፍፀም ክዓርፍስ፥ ቁሩብ ካብኡ ዘወር በል።”
7
“ኦም ተስፋ ኣለዎሞ፥ እንተ ተቘርፀ እኳ መሊሱ ይጥጥዕ፤ ውልዶታቱውን ኣይውዳእን።
8
ሱሩ ኣብ ምድሪ እንተ ኣረገ፥ ጕንዱ ድማ ኣብ መሬት እንተ ሞተ፥
9
ብጠሊ ማይ ይጥጥዕ፤ ከም ሓድሽ ተኽሊ ኾይኑውን ጨናፍር የውፅእ።
10
ሰብ ግና ይመውትሞ ይጋደም፤ ሰብውን ነፍሱ ይህብ ንሱኸ ኣበይ ኣሎ?”
11
“ማይ ካብ ውሽጢ ባሕሪ ይሃልቕ፤ ሩባውን ይንእስን ይደርቕን፤
12
ሰብ ድማ ደቂሱ ኣይትስእን፤ ሰማያት ክሳዕ ዝሓልፉ ኸቶ ኣይነቅሕን፤ ካብ ድቃሱውን ኣይትስእን።”
13
“ኣበይሞ ቝጥዓኻ ኽሳዕ ዝሓልፍ፥ እንተትስውረኒ፥ ኣብ መቓብር እንተትሓብአኒ፥ መዓልቲ ቘፀራ እንተትውስነለይ እሞ፥ ብድሕሪኡ እንተትዝክረኒ።
14
ብሓቂ ሰብ ምስ ሞተ፥ ተመሊሱዶ ህያው ይኸውን እዩ? ዘመን ምሕዳሰይ ክሳዕ ዘመፅእ፥ ኵሉ ዘመን ሰልፈይ ብትዕግስቲ ምተፀበኹ ነይረ።
15
ንስኻ ምፀዋዕኻኒ፤ ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ፤ ነቲ ግብሪ ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ።
16
ሕዚ ግና ንስጕምተይ ትቘፅሮ ኣለኻ፤ ንሓጢኣተይውን ትከታተሎ ኣለኻ።
17
ምትሕልላፈይ ኣብ ውሽጢ ኸረጢት ተሓቲሙ እዩ፤ ንሓጢኣተይውን ለቢጥካዮ ኣለኻ።”
18
“እምባ እንትወድቕ ይጠፍእ፤ ኰዅሒውን ካብ ቦታኡ ይፈልስ።
19
ከምቲ ማያት ነእማን ዝፍሕቖ፥ ውሕጅውን ንሓመድ ምድሪ ዝጕሕጕሖ፥ ከምኡ ኸዓ ንስኻ ንተስፋ ሰብ ከንቱ ትገብሮ።
20
ንስኻ ንሓዋሩ ተሸንፎ፤ ንሱ ድማ ይሓልፍ፤ ንትርኢቱ ትልውጦ፤ ንእኡውን ትሰዶ።
21
ደቁ እንተ ኸበሩ፤ ኣይፈልጦን፤ እንተ ሓሰሩውን፥ ኣየስተውዕሎን እዩ።
22
ንስጋኡ እቲ ናይ ባዕሉ እዩ ዝስምዖ፤ ነፍሱውን ብዛዕባ ርእሱ ትሓዝን።”
← Chapter 13
Chapter 15 →