bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 16
Job 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2
“ኣነ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ብዙሕ ጊዜ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም፥ ዘይትጠቕሙ መፀናናዕቲ ኢኹም።
3
ብሓቂ ንኸንቱ ቓልዶ መወዳእታ ኣለዎ እዩ? ወይ ከዓ ንኽትምልስ ዘለዓዓለካ እንታይ እዩ?
4
ነፍሰይ ክንዲ ነፍስኹም እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ኣነ ኣብ ልዕሌኹም ቃል መሳኻዕኹ፥ ርእሰይውን ኣብ ልዕሌኹም ምንቕናቕ ምተኽኣለኒ ነይሩ።
5
ብዘረባ ኣፈይውን መበርታዕኹኹም ነይረ፤ ምፅንናዕ ከንፈረይውን መህድአኩም ነይሩ።”
6
“ግና ኣነ እንተ ተዛረብኩ፥ ሕማመይ ኣይቕንስን፤ ስቕ እንተ በልኩውን፤ ኣይሓድገንን እዩ።
7
ሕዝስ ንሓይለይ ኣላሕሊሕዎ፤ ንዅሉ ማሕበረይውን ኣፍሪስዎ።
8
ምጭምዳደይ ይምስክረለይ ኣሎ፤ ዕብራነይ ተልዒሉኒ፥ ኣብ ገፀይውን ይምስክረለይ ኣሎ።”
9
“ብቝጥዓኡ ሰላልዐንን ፀልአኒውን፤ ኣስናኑውን ሓርቀመለይ፤ ፀላእየይ ዓይኑ ኣፍጠጠለይ።
10
ንሳቶምውን ኣፎም ከፈቱለይ፤ ኵሎም ተኣኪቦም ከዓ እናላገፁ ገፀይ ፀፍዑኒ።
11
እግዚኣብሄር ንኽፉኣት ሰባት ኣሕሊፉ ሃበኒ፤ ኣብ ኢድ ክፉኣት ሰባትውን ደርበየኒ።
12
ኣነ ሃዲአ ዝነብር ሰብ ነበርኩ፤ ንሱ ግና ሰበረኒ፤ ብኽሳደይ ሒዙ ቐጥቀጠኒ፤ ዕላማኡ ገይሩ ኣቖመኒ።
13
ሰብ ፍላፃታት ከበቡኒ፤ ንዀላሊተይ ቈራረፆ፤ ንሱውን ኣይራህርሀን፤ ንሓሞተይውን ናብ ምድሪ ኣፍሰሶ።
14
ኣብ ልዕሊ ቝስሊ፥ ቍስሊ ወሰኸኒ፤ ከም ሓያል እናሰገረ ይጐየኒ።”
15
“ኣብ ልዕሊ ቘርበተይ ወጮ ሰፈኹ፤ ቀርነይውን ኣብ ሓመድ ደርበኹ።
16
ካብ ብኽያት ዝተልዓለ ገፀይ ቀይሐ፤ ኣብ ከበሮ ዓይነይ ፅላል ሞት ኣሎ፤
17
ግና ዓመፃ ኣብ ኢደይ የለን፤ ፀሎተይ ከዓ ንፁህ እዩ።”
18
“ኣቲ ምድሪ፥ ንደመይ ኣይትኸውሊዮ፤ ንኣውያተይውን መዕረፊ ኣይኹን።
19
ሕዚ እውን ምስክረይ ኣብ ሰማይ ኣሎ፤ ዝምስክረለይውን ኣብ ኣርያም እዩ።
20
ፀሎተይ ናብ እግዚኣብሄር ይብፃሕ፤ ዓይነይውን ኣብ ቅድሚኡ ንብዓት ተፍስስ።
21
ከምቲ ወዲ ሰብ ምስ ብፃዩ ዝማጐት፥ ኣበይሞ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምምጓት ከም ከኣለ!”
22
ውሑዳት ዓመታት ምስ ሓለፋ፥ ኣነ ናብቲ ዘይምለሰሉ መንገዲ ክኸይድ እየ።
← Chapter 15
Chapter 17 →