bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 13
Job 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“እንሆ፥ ነዝ ዅሉ ዓይነይ ረአየት፤ እዝነይውን ሰሚዓ ኣስተውዓለቶ።
2
ነቲ ንስኻትኩም እትፈልጥዎ ኣነውን እፈልጦ እየ፤ ካባኻትኩም ድማ ኣይንእስን እየ።
3
ግና ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክነግር እደሊ ኣለኹ፤ ምስ እግዚኣብሄር ክዋቐስ እደሊ ኣለኹ።
4
ንስኻትኩም ብሓሰት ለበጥቲ ኢኹም፤ ኵልኻትኩም ዘይትጠቕሙ ሓኪማት ኢኹም።
5
አረ ስቕ ምባል እኳ እንተ እትኽእሉ፤ እዙይ ንኣኻትኩም ከም ጥበብ ምተቘፅረልኩም ነይሩ።
6
ሕዚ እውን ምጕተይ ስምዑ፤ ንምጕት ከናፍረይውን ኣድምፁ።
7
ንእግዚኣብሄር ብቓል ዓመፃ ኽትከላኸሉሉ፥ ምእንታኡ ኢልኩምከ ብምትላል ክትዛረቡ ዲኹም?
8
ንእኡ ኣድልዎ ኽትገብሩሉ ዲኹም? ንእግዚኣብሄር ክትጣበቑሉዶ ትደልዩ ኣለኹም?
9
ንሱ እንተ ዝምርምረኩም፥ ፅቡቕ ዝኾነልኩምዶ ይመስለኩም ኣሎ? ወይ ከዓ ኸምቲ ንሰብ እተላግፁሉ፥ ንእኡ እተላግፁሉዶ ይመስለኩም?
10
ብስዉር ንገፅ ሰብ ኣድልዎ እንተ ገበርኩም፥ ንሱ ብግልፂ ኽዘልፈኩም እዩ።
11
ዕብየቱዶ ኣየፍርሐኩምን እዩ? ግርማኡኸ ኣየውድቐኩምን ድዩ?
12
ምስላታትኩም ምስላ ሓመድ እዮም፤ ዕርድታትኩምውን ዕርድታት ጭቃ እዮም።”
13
“ስቕ በሉ፥ ክናገርውን ሕደጉኒ፤ ዝወረደ ይውረደኒ።
14
ስጋይ ብስነይ እሕዝ ኣለኹ፤ ንህይወተይውን ኣብ ኢደይ አንብር ኣለኹ።
15
እንሆ፥ እንተ ቐተለኒ እኳ ንእኡ ብትዕግስቲ ኽፅበ እየ፤ ግና መንገደይ ኣብ ቅድሚኡ ኸፅንዕ እየ።
16
ግብዝ ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ደው ክብል ኣይኽእልን እዩ እሞ፤ ንሱ መድሓኒት ክኾነኒ እዩ።
17
ንነገረይ ተጊህኹም ስምዕዎ፤ ንምስክርነተይውን በእዛንኩም ኣዳምፅዎ።
18
እንሆ፥ ንነገረይ ኣዳልየዮ ኣለኹ፤ ፃድቕ ኮይነ ኸም ዝርከብውን እፈልጥ እየ።
19
ምሳይ ዝፋረድ መን እዩ? ሕዚ ኣነ ስቕ እንተ በልኩ ኽመውት እየ።”
20
“ኦ ኣምላኽ! እዘን ክልተ ነገራት ጥራሕ ኣይትግበረለይ፤ ሽዑ ኣነ ኻብ ቅድሚ ገፅካ ኣይስወርን እየ፤
21
ኢድካ ኻባይ ኣርሕቕ፤ ግርማኻውን ኣየደንግፀኒ።
22
ድሕሪዙይ ንስኻ ፀውዐኒ፤ ኣነውን ክምልስ እየ፤ ወይ ኣነ ኽዛረብ፥ ንስኻ መልሰለይ።
23
በደለይን ሓጢኣተይንስ ክንደይ ዝኣክል እዩ? እስኪ በደለይን ሓጢኣተይን ኣፍልጠኒ።”
24
“ንምንታይ ንገፅካ ኻባይ እትኽውሎ? ንምንታይከ ኸም ፀላኢኻ እትሪአኒ?
25
ንዝረገፈ ቘፅሊዶ ተጨንቕ ኣለኻ? ወይ ከዓ ንዝነቐፀ ሓሰርዶ ተሳጕጎ ኣለኻ?”
26
“ዝመረረ ነገር ፅሒፍካለይ ኢኻሞ፥ ሓጢኣት ንእስነተይውን ተውርሰኒ ኣለኻ።
27
ንስኻ ነእጋረይ ብመቝሕ ትኣስረን፤ ንብዘሎ ኣካይዳይውን ትቋመቶ፤ ንኣሰር እግረይ መለለዪ ትገብረሉ ኣለኻ።
28
ኣነስ በስቢሱ ከም ዝጠፍእ ነገር፥ ብልዒ ኸም ዘበላሸዎ ኽዳን ኮንኩ።”
← Chapter 12
Chapter 14 →