bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 12
Job 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2
“እምበኣር ብሓቂ ንስኻትኩም ኣውራታት ሰባት ኢኹም! ጥበብውን ምሳኻትኩም ክትመውት እያ!
3
ግና ኣነውን ከማኻትኩም ኣእምሮ ኣለኒ፤ ካባኻትኩም ዝንእስ ኣይኮንኩን፤ ከምዙይ ዝበለ ነገር ዘይፈልጥከ መን እዩ?
4
ኣነ መስሓቒ ብፆቱ ኸም ዝኾነ ሰብ ኮይነ ኣለኹ፤ ንእግዚኣብሄር ዝፀዋዕኹዎ፥ ንሱውን ዝመለሰለይ ኣነ እየ፤ ፃድቕን ፍፁምን ዝኾነ ሰብ መላገፂ ኾነ።
5
ብሓሳብ እቲ ኣብ ምቾት ዝነብር ሰብ፥ መከራ ዝተንዓቐ እዩ፤ ግና እግሩ ኸንደልህፆ ተዳልዩ ኣሎ።
6
ቤት እቶም ከተርቲ ብደሓን ይነብር ኣሎ፤ እቶም ንእግዚኣብሄር ዘቘጥዑውን፥ ብህድኣት ይነብሩ ኣለዉ፤ እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ኣብ ኢዶም ኣምፂኡሎም እዩ።”
7
“ግና ንእንስሳት ጠይቕወን እሞ፥ ክምህራኹም እየን፤ ነዕዋፍ ሰማይውን ጠይቕወን፥ ክነግራኹም እየን።
8
ወይ ከዓ ንምድሪ ጠይቕዋ እሞ ኽትምህረኩም እያ፤ ነቶም ኣብ ባሕሪ ዘለዉ ዓሳታትውን ጠይቕዎም ክነግሩኹም እዮም።
9
ኢድ እግዚኣብሄር፥ እዙይ ከም ዝገበረ ካብዚኣቶም ዘይፈልጥ መን እዩ?
10
ነፍሲ ዅሎም ህያዋንን፥ እስትንፋስ ኵሉ ወዲ ሰብን ኣብ ኢዱ እያ።
11
ከምቲ መልሓስ ንምግቢ ዘስተማቕር፥ እዝኒ ድማ ንቓል ዝፈልዮዶ ኣይኮነን?
12
ጥበብ ኣብ ሽምግልና፥ ምስትውዓልውን ብነዊሕ ዕድመ ይርከብ።”
13
“ጥበብን ሓይልን ኣብ እግዚኣብሄር ኣሎ፤ ምኽርን ምስትውዓልን ድማ ናቱ እየን።
14
እንሆ፥ ንሱ የፍርስ፥ መሊሱ ዝነድቕ ከዓ የለን፤ ንሱ ንሰብ ይዓፅዎ፤ ዝኸፍቶውን የለን።
15
እንሆ፥ ንሱ ንማያት ይኽልክሎም፤ ንሳቶምውን ይነፅፉ፤ ከፊቱ እንተ ሰደዶም ድማ፥ ንምድሪ የዕለቕልቑዋ።
16
ሓይልን ጥበብን ናይ እግዚኣብሄር እየን፤ እቲ ዝስሕትን ዘስሕትን ናቱ እዮም።
17
ንሱ ንመማኽርቲ ፍልጠቶም የሕድጎም፤ ንፈረድቲ እውን ሰነፋት ይገብሮም።
18
ናይ ነገስታት እስራት ይፈትሕ፤ ንሕቘኦም ድማ ብመዕጠቒ ይኣስር።
19
ንሱ ንኻህናት ቀንጢጡ ይሰዶም፤ ንሓያላት ድማ ይግልብጦም።
20
ንዘረባ እቶም እሙናት የፍርስ፤ ንሽማግለታት ምስትውዓል የሕድጎም።
21
ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቕ ንዕቐት የፍስስ፤ ንሓያላትውን ዕጣቖም የፍትሖም።
22
ንዕሙቕ ነገር ካብ ፀልማት ይቐልዕ፤ ንፅላል ሞትውን ናብ ብርሃን የውፅኦ።
23
ንኣህዛብ ልዕል ልዕል የብሎም፥ መሊሱ ኸዓ የጥፍኦም፤ ንኣህዛብ የብዝሖም፥ መሊሱ ድማ የፍልሶም።
24
ነሕሉቕ ኣህዛብ ምድሪ፥ ጥበቦም የሕድጎም፤ መንገዲ ብዘይብሉ ምድረ በዳ ኾለል የብሎም።
25
ንሳቶም ብርሃን ስኢኖም ኣብ ፀልማት ሃሰስ ይብሉ፤ ንሱውን ከም ሰካራማት ሰንከልከል ከም ዝብሉ ይገብሮም።”
← Chapter 11
Chapter 13 →